ቲቶ ይላና ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ እስራኤልን ቄጵሮስን ልኡኽ ኣብ ኢየሩሳሌምን ፍልስጥኤምን ቲቶ ይላና ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ እስራኤልን ቄጵሮስን ልኡኽ ኣብ ኢየሩሳሌምን ፍልስጥኤምን 

ቲቶ ይላና ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ እስራኤልን ቄጵሮስን ልኡኽ ኣብ ኢየሩሳሌምን ፍልስጥኤምን

እዚ ሓድሽ ናይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ይላና ኣገልግሎት ኣብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ቅዱስነቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ውጥረት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ከይተረፉ ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን “ዘይቕብሉ” እንክብሉ ኣብ ዝገለጽሉ እዋን፡ ኣብ መንጐ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ሓድሽ ጐደና ሕውነት ንኽብገስ ንዘቕረብዎ ለበዋን ጻውዒት ሰላምን ንኸገልግ

ፊሊፒናዊ 73 ዓመት ዝዕድመኦም ሊቀ ጳጳሳት ይላን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃን እስያን ኤውሮጳን ኣብ ኦቻይናን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ዘገልገሉ ኣብ እስራኤልን ቄጵሮስን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ኣብ ኢየሩሳሌምን ፍልስጥኤምን ወኪል ቅድስቲ መንበርን ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ከምእተሾሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣዶልፎ ቲቶ ይላና ኣብ ቅድስቲ መሬት ፖለቲካዊ ለውጥታት ኣብ ዝርአየሉ ዘሎ እዋንን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዓቢይ ሻቕሎት ዝፈጥረሉ ዘሎ ዓመጽ ተመሊሱን ሓድሽ ዘይምርግጋእ ሃዋሁ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ ጽንኵር እዋንን፡ ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ እቲ ህልው ኩነታት ጸሎቶም ኣብ ዘዕርግሉን ሰላም ክወርድ ኣብ ዝጽልይሉ ዘለውሉ እዋንን  ኣብ እስራኤልን ቄጵሮስን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ኣብ ኢየሩሳሌምን ፍልስጥኤምን ናይ ቅድስቲ መንበር ወኪል ንኽኾኑ ብቕዱስነቶም ከምእተሾሙ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እዚ ሓድሽ ናይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ይላና ኣገልግሎት ኣብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ቅዱስነቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ውጥረት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ከይተረፉ ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን “ዘይቕብሉ” እንክብሉ ኣብ ዝገለጽሉ እዋን፡ ኣብ መንጐ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ሓድሽ ጐደና ሕውነት ንኽብገስ ንዘቕረብዎ ለበዋን ጻውዒት ሰላምን ንኸገልግሉ ዝተወሃቦም ሓላፍነት ምዃኑ የመላኽት።

ሽመት ብጹዕ ኣቡነ ቲቶ ይላና ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 3 ሰነ ዓመታዊ በዓለ ስጋሁ ወደሙ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ካብ ር.ሊ.ጳ. ዝተወሃቦም ኮይኑ፡ በዚ ዝተወሃቦም ሓድሽ ሓላፍነት ከኣ ነቶም ኣብ እስራኤልን ቄጵሮስን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ኣብ ኢየሩሳሌምን ፍልስጥኤምን ናይ ቅድስቲ መንበር ወኪልን ኮይኖም ንዘገልገሉን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2021 ዓ.ም.  ኣብ ህንዲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንኽኾኑ ንዝተቐየሩ ንሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሊዮፖልዶ ጂረሊ ዝትክኡ ከምዝኾኑን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ይላና ዕለት 6 ለካቲት 1948 ዓ.ም. ኣብ ፊሊፒንስ ከተማ ናጋ ዝተወልዱን ኣብ 1972 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ኣብ 1984 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ኤቅለሲያዊ ተቕዋም ትምህርቶም ምስ ኣጠናቐቑ ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ብበርገሳውን ቀኖናውን ሕጊ ሊቕነት ኣመስኪሮም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፥ ማለት ኣብ ጋናን ቱርክን ሊባኖስን ሃንጋርን ታይዋንን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ከምዘገልገሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2001 ዓ.ም. ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳጋማዊ ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒን ደሴታት ሶሎሞን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖ ተሸምዮም ዕለት 6 ጥሪ 2002 ዓ.ም. ማዕርገ ማዕርገ ጵጵስን ተቐቢሎም ናይ ሞንተኮርቪኖ ስዩም ጳጳስ ተሸምዮምን ኣብ 2006 ዓ.ም. ብበነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ፓኪስታን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቢሎም ከምዝሰመይዎምን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2015 ዓ.ም. ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንኽኾኑ ከምዝሰመይዎም ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ ብጹዕነቶም ቋንቋ እንግሊዝን ስፓኒስን ጣንልያንን ፈረንሳን ኣጸቢቖም ዝመልኵ ከምዝኾኑ የመላኽት።

04 June 2021, 15:45