ፓሮሊን፥ ወለዶና ወለዶ ሕዳሴ ይዅን! ፓሮሊን፥ ወለዶና ወለዶ ሕዳሴ ይዅን! 

ፓሮሊን፥ ወለዶና ወለዶ ሕዳሴ ይዅን!

ገሊጾም፡ እቲ እናዓብለለ ዝኸይድ ዘሎ ጓሓፋይ ባህሊ ጥዕና ከባብያውን መግባውን ቈጠባውን ማሕበራን ቅልውላው ዘምጽእ ለብዒ ምዃኑ ድሮ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም

ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ላዚዮ ንኡስ ዞባ ቪተርቦ ኣብ እትርከብ ከተማ ሞንተፊያስኮነ፥ “ኣብ ፍጥረት ኩሉ ነገር ተማራዃሲ እዩ፡ እቲ ዘተኣሳስር ዳግም ምልላይ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሒ ካብ ዕለት 24 ሰነ ክሳዕ ዕለት ዕለት 27 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዝቕጽል ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዋ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዘመእከለ ዛዕባ ኵለንተናዊ ምሉእ ስነ ማሓድሮ ዝካየድ ናይ ክቢ ሰደቓታት ዓውደ ምይይጥን ዛዕባ ኵለንተናዊ ስነ ማሓድሮ ዝትንትን ናይ ቅብእን ኣሳእልን ምስ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝተተሓሓዘ መደብ ናይ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ምርኢት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን  እቲ ኣብዚ እዋን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ተጠቒምካ ምድርባይ ዝብል ጓሓፋይ ባህልን ለበዳ ዘይምግዳስን ኣብ ግምት ብምእታው ለውጢ ክመጽእን ካብ ወተሃደራዊ ድሕንነት ናብ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ብምግዓዝ ነቲ ዜጋጥመና ዘሎ ብድሆ ንኽንሰግሮ ዘኽእል መገዲ ሕውነትን ዘተን ጥራሕ እዩ ዝብል ሓሳብ ብዘማእከለ መደረ ከምዘበገሱን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ቪተርቦ ኣብ እትርከም ከተማ ሞንተፊያስኮነ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቀዳማይ ዓውደ በዓልን ዓውደ ኣኼባን “ኵለንተናዊ ምሉእ ስነ ማሓድሮ” ዓውደ ርክብ ብዝስምዕዎ መደረ ዘበገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ “ፍጥረት ዝተተሓሓዘን ተማራዃስን” ምዃኑ ኣመላኺቶም፥ እዚ ማእስር እዚ ዳግም ምርካብ ከምዘድሊ ገሊጾም፡ እቲ እናዓብለለ ዝኸይድ ዘሎ ጓሓፋይ ባህሊ ጥዕና ከባብያውን መግባውን ቈጠባውን ማሕበራን ቅልውላው ዘምጽእ ለብዒ ምዃኑ ድሮ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ነዚ ለብዒ’ዚ ብሓድሽ ዓለምለኻዊ ኣረኣእያ እዚ ኸኣ ብዘይንጽል ምሉእ ኵለንተናዊ ስነ ማሓድሮ ብዝብል ዓይነት ኣነባብራ ምውጋድ ከምዝከኣል ዘመላኸትዎ ኣምር፡ ጠቒሶም ናብቲ ማእስር ፍቕሪ ምምላስ የድሊ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ፍሊጡ።

ሕውነት ምክንኻን

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም ከምዝገለጽዎ፡ እቲ ለብዒ ድኽነትን ተነቃፊነትን እኳ ኣጒሊሑ እንተ ኣርኣየ ከም “ማእስር” ከምኡ እውን “ምቅርራብ”  ዝኣመሰለ ኣምር ብሓቂ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመላኺቱ እዩ፡

ሓጐስና ኣብ ሰብኣዊ ርካብትና ኣብ ርክባትና ምስ ፍጥረት ኣብ ዘሎ “ማእስር” ከምኡ እውን ኣብ ርሑቕ ይኹን ኣብ ቀረባ ምስ ዘሎን ምስ ገዛእ ርእስናን ምስ ፈጣርን ኣብ ዘሎና ርክባትናን እዩ፡ እዚ ማእስር እዚ ብፍቕሪ ጥራሕ እዩ ክድልድል ዝኽእል፡ ስለዚ ኸኣ በቲ ኣብ ሓባራዊ ቤትና ዝንጸባረቕ “ሓልዮት” ዝብል ሓላፍነት ዝስምዖ ኣርኣእያ እዩ ዝድልድ።

እዚ ማሕበራዊ ሕውነት ዘመላኽት ናይቲ ኵላትና ኣሕዋት ዝብል ኵነት ዘንቀሳቕስ ጸዓት ሰብኣዊ ፍጥረት ሓድሕድ ተደላላዪ ምዃኑን እቲ ኣብ መንጐኡ ዘሎ ሕውነት ንኽረክብ ዝመርሕ እዩ፡ በዘይ እዚ ኸኣ ቅንዕና ዝመልኦ ሕብረተሰብ ድልዱልን ነባርን ሰላም ምሕናጽ ዘይከኣል እዩ ዝኸው። “እግዚኣብሔር ኣቦ ኵሉ ምዃኑ ዝዝክር ሕውነት፡  ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንርክባት ዚቕይርን ሓድነት ዚኸፍትን ምዃኑ ዘመላኽት እዩ።”

ወልፊ ዘይተገዳስነት

ኣብ ዘይንጽል ስነ ማሓድሮ ዘሎ ሕብረት “ናይ ሓድነት ሕልና” ይኸውን፡ እዚ ድማ ንሓድሕድ ምክንኻንን ነቲ ብፍቕሪ ዝካየድ ማእስር ምድልዳልን ሓባራዊ ጽሕፍቶ ምክፋል” ማለት እዩ። እዚ ኣርኣእያ እዚ በቲ “ዘይተገዳስነትን ሸለልትነትን ዘስፍሕ ባህሊ” ዕሽሽ ዝበሃል ክብሪ ኮይኑ ከምዘሎ እንከመላኽቱ፥

ንኣብነት ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጸም ጸቕጥን እዚ ዘስዓቦ ኸቢድን እናሰፍሔ ዝኸይድ ጒድኣት ብዛዕባ እቲ ኣብ ንግድ ደቅሰብ ዝርአ ዘሕዝን ተርእዮን በጽዋር ውግእ ዝተሰነየ ግጭታት፡ ኣብ ቍጠባውን ማሕበርውን ዓውዲ ዝግበር ውግኣትን መብዛሕቲኡ ግዜ ነቶም ድዅማትን ድኻታትን እዚዩ ዝሃስን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምብካል ከባቢ እስከ ንርአ።

እንተኾነ ግን “ድኽነትን ምጉዳል ፍትሕን ማሕበራዊ ማእስር ዝበትኽ እዩ፥ ብቐዳምነት ከኣ ድኻታት ክሕረጉ ዝገብርን ኣብ መጻኢ ወለዶ ከቢድ ማሕሰይቲ ዘስዕብ ኵነት ዘውርስ እውን እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተበጻሒ - ሓቛፊ ቍጠባ

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን እቲ  ጓሓፋይ ባህሊ “ድሩትነትና ምፍላጥ” ከምኡ እውን ድሩትነትና ምኽባርን ፍጥረት ምኹስኳስን ምዕቃብን ዝብል  ጸዋዕታና ዘዘኻኽር እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ማእስር ንምቛም ኣበርክቶ ዘለዎ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ ስለዚ ኣገዳስነት ናይቲ “ነቲ ናይ መጀመርታ ተልእኾ ናይ ደቅሰብ ክብሪ ናብ ዘኽብር ቍጠባዊ ስርዓት ንምምላስ ዘኽእል ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈለየ ናይ መጽናዕቲ ጨንፈር ዝግበር ጥንቃቔ ዝተመልኦ ምይይጥ ኣገዳሲ ምዃኑ የመላኽተና፥

ናብ ጓሓፋይ ባህሊ ዘይድርኽ ሓቛፍን ብዅሉ ተበጻሕን ኣብ ሓባራውነትን ምትሕብባርን ተጻዋርነትን ዘተኮረ ኤኮኖሚ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ነዚ ሓድሽ ቍጠባዊ ኣሰራርሓታት እዚ ክፍጸም ከምዘለዎ ዘተሓሳስቡ ድምጽታት እውን ይስማዕ ኣሎ፡ ንኣብነት እቲ ናይ ፓሪስ ዛዕባ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ካብ ብከላ ንምድሓን ዝተበጽሐ ስምምዕን ብሃገራውን ዓለምለኻውን ጽፍሕታት ክትግበር ዝብል ምጥቃስ ይከኣል።

ድሕንነት ብሰላም እዩ ዝሓልፍ፥ (ድሕንነት ካብ ሰላም እዩ)

“ኣብ ታሪኻዊ እዋን ‘ምስግጋር’ ኢና እንነብር ዘሎና፥ እዚ ከኣ ጸዓታዊ ወይ ማሓድሮኣዊ ወይ ውን ኤኮኖሚያዊ ምስግጋር ዝምልከት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓድሽ “ብሓቅን ነባርን ሰላም ንምድልዳል ዝዓለመ ብዛዕባ ድሕንነት ዝግለጽ ኣምር ዝጽውዕ እዩ፡ ካብ ዘተ ዝመጽእ ስጒምቲ፥

ከም ለብዒ ወይ ምዝባዕ ኵነታት ኣየር ዝኣመሰለ ዶባት ዘይፈልጥ ዓለም ለኻዊ ብድሆታት ኣብ ውሽጢ ዶባቶም ድሕነት ንምርካብ ኣብ ኣጽዋር ዝግበር ወፈራመሰረት ድሕንነት ከምዘይኮነ እዩ ዘመላኽት፡ ስለዚህ ካብ ወተሃደራዊ ድሕንነት ናብ ዘይንጽል ኵለንተናዊ ድሕንነት ምስግጋር ዘድሊ ምዃኑ የረጋግጽ፡ እዚ ዓለም ለኻዊ ብድሆታት እዚ ለውጢ ዝሓትት እዩ፡ እዚ ኸኣ ካብ ውድራ ናብ ምትሕብባር ማለት ንብሕታዊ ኽብረት ንምሕላውን ሰብኣዊ ህይወት ንምድንፋዕን ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገር ተመርኲስካ ብዘተ ብብዝሓ ጐድናውነትን ሓባራዊ ምትእምማን ምድንፋዕ ከምኡ እውን ነዚ ምትእምማን እዚ ንምድልዳል ስጒምትታት ምውሳድ እዩ።

መገዲ ምቕያር - ለውጢ

ዘተ ብሓባር ዚግበር ጒዕዞ እኳ እንተዀነ፡ እዚ ግና ብማሕድሮኣዊ ለውጢ እተደረኸ ለውጢ ዘመላኽት እዩ። እዚ ለውጢ እዚ ንኣና ክርስትያን ‘ምስ ዓለም ኣብ ዘሎ ርክብ ምስ ኢየሱስ ናይ ዘሎና ርክብ ሳዕቤን ክኸውን ኣለዎ፡’ ስለዚ ኸኣ ንገዓር ምድርን ድኻታትን ካብ ቀደም ሎሚ ህጹጽ ዕማዕ ይጠልብ። ነቲ ዓለም ዘሳቕያ ዘሎ ጸገማት ፍታሕ ንምርካብ ሓድሽ “ናይ ዓለም ለኻዊ ርክባት ስነ ምግባር” ብምምሕያሽ በዚ መገዲ እዚ ስጒምቲ ምውሳድ ይሓትት። ንኣ ብነት እደ - ጥበባዊ መሳርዕ ኣብ ኣገልግሎት “ጥዑይ ዝያዳ ሰብኣውን ዝያዳ ማሕበራዊ ከምኡ እውን ዘይንጽል” ዕቤት ኣብ ምምራሕ ተስፋ ዘለዎ ክኸውን ይግባእ። ጸረ ኮቪድ ናይ ክትባት መድሃኒት ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብርኦ ዘለዎ ምትሕብባርን ጻዕርን ኣርኣያ ክኸውን፥

ክትባት ጸረ ኮቪድ ነቶም ኣብ ድኽነት ዝርከቡን ድኻታት ሃገራትን ሓለፋ ዝብል ክኸውን ኣለዎ፡ ኣብዚ ብዙሕ ግርጭትን ተጻራርነትን ኵነት እውን እንነብር ንሃሉ፡ . . . ንናይ ስነ ፍልጠት ዓለም ንህጹጽ ስጒምቲ ዝዕድም እዩ።

ስነ ማሓድሮኣዊ መንፈሳውነት

ክሳብ 2050 ዓ.ም. ናብ ከባቢ ኣየር ዝፍነው በካሊ ጋዝ ምንካይ ዝብል ዓለም ሓቆፍ ውሳኔ ኣብ ሃገራት ቫቲካን ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘሎን እዚ ውሳኔ እዚ እውን ኣብ ኩሉ ከባቢ ዓለም ኣብ ግብሪ ክውዕል መታን “ዅለንታዊ ምሉእ ማሓድሮኣዊ ዘተባብዕ ሕንጸት ተቕርብን ነቲ ዕለት 4 ጥቅምቲ ኣብ ግላስጎው ብዛዕባ ማሓድሮ ዝመኽር ዓውደ ኣኼባ መሰረት ብምግባር እውን ኣብ ሮማ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ኣቐዲሙ ናይ ሃይማኖትን ናይ ስነ ምርምርን ኣካላት ዘራኽብ ዓውደ ጉባኤ ክካየድ ከምዝኾነን ብዛዕባ እዚ “እምነትን ስነ ምርምርን” ብዝብል ኣርእስቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ከም ኣብነት ጠቒሶም፥

ነዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም እንደገና ምሕሳብ ኣብ ዋጋ ሕውነት ተመርኲስካ ነቲ ብፍቕሪ ዝካየድ ማእስር ኣብ ምድንፋዕ ተመርኲስካ ክፍጸም ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ክኽበር ዘለዎ “ድሩትነት” ዝያዳ ኣፍልጦ ከምዝህልዎ ዝገብር “ኵለንተናዊ ምሉእ ስነ ማሓድሮ” ኣብ ምትግባር እተመርኰሰ እዩ። እዚ ኸኣ ወለዶና ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝበተኽናዮ ማእስርን ርክብን ዳግም ከም ዝሕነጽ ዝገብር ለውጢ ንምርግጋጽ “ብሓባር ምጒዓዝ” ብዝብል ዘተ ክፍጸም ኣለዎ፡

እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 June 2021, 18:00