ጋላገር፥ ምግባረ - ብልሽውናን ብላዕን ምግጣምን ካብ ሱሩ ከምሓውን ጋላገር፥ ምግባረ - ብልሽውናን ብላዕን ምግጣምን ካብ ሱሩ ከምሓውን  

ጋላገር፥ ምግባረ - ብልሽውናን ብላዕን ምግጣምን ካብ ሱሩ ከምሓውን

“ሕጊ ምሕላውን ገበን ንምክልኻልን ‘ባህሊ ንጽሕና’ ምድንፋዕ” ኣድላዪ ምዃኑ ኣጒሊሖም - “ብልሽውና ንምክልኻል ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ጽፍሕታት ምስ ደረት ትርኢት ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ምዕቃብን ኣጺቡቕ ምትእስሳር

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ዕለት 5 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዛዕባ “ብልሽውናን ብላዕን ንምክልኻልን ንምቅላስን ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ንምድልዳል ብድሆታትን ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዘድሊ ስጒምትን” ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝመኸረ ፍልዩ ሓፈሻዊ ኣኼባ ባይቶ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተሳቲፎም መደረ ከምዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንዅሉ ሰብ ፍትሒ ኸም ዚርከብ ክንገብርን ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት ውጽኢታውን ተሓታትነትን ንዅሉ ዚሓቍፍን ትካላት ክንሃንጽን ንደሊ እንተድኣ ዄይና ንብልሽውና ክንብድሆን ከነጥፍኦን ኣሎና” ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ኣብቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ዘስሞዎ መደረ ክኸውን እንከሎ ብጹዕነቶም፥ “ብልሽውና ንምክልኻልን ንምቅላስን ንምብዳህን ኣህጉራዊ ምትሕብባር ምድልዳልን ስጒምትን ወሳኒ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ምሉእነት ባህሊ

“ሕጊ ምሕላውን ገበን ንምክልኻልን ‘ባህሊ ንጽሕና’ ምድንፋዕ” ኣድላዪ ምዃኑ ኣጒሊሖም - “ብልሽውና ንምክልኻል ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ጽፍሕታት ምስ ደረት ትርኢት ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ምዕቃብን ኣጺቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ እዩ” ቢሎም፥ “ዘይግቡእን ዘይሕጋውን ቝጠባዊ ዋሕዚ ንምቅላስን ከምኡውን ናይ ሕዝቢ ንብረት ንሕዝቢ ክምለስን ነቲ ናይ ሓባር ንብረት ንግሊ ጥቕሚ ዘውዕሉ ብሕጊ ንምክትታል ክከኣል መታን ዘድሊ ናይ መቆጻጸሪ ሕጊ ክህሉን ኣብዚ መዳይ እውን ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ምድልዳል ይግባእ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ካብ መቕጻዕቲ ናጻ ንዝብል ኣሰራርሓ ምቅላስ

ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር፥ ካብ መቕጻዕቲ ናጻ ንዝብል ዘይሕጋውነት ባህሊ ዘተባብዕ ልምዲ ምቅላስን ምውጋድን ናይ ገብ ጉጅለታት ንምቁጽጻርን ንምውጋድን ብገበን ዝረኽብዎ እቶት ንምልላይን ዝኾነ ይኹን ዘይግቡእ ረብሓታት ከይህሉ ንዝገብር ናይ ተሓታትነትን ሓላፍነትን ባህሊ ኣብ ምትብባዕ ዓቢይ ግደ ከምዘለዎ ኣብሪሆም፡ “ቅድስቲ መንበር ንሰብኣዊ ኽብርን ሰላምን ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ገበን ንምክልኻልን ንምጭፍላቕን ዓለም ለኻዊ ጻዕሪ ንምድልዳልን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ስነ ምግባራዊ ድጋፍ ንምሃብ ኣሚቱ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ 2016 ዓ.ም. ብልሽውናን ብላዕን ንምቅላስ ዝተኣትወ ውዕሊ ምሉእ ብምሉእ ከምእተቐበለቶ ኣዘኻኺሮም፥

እቲ ሸቶ ግልጽነት እዩ

ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣጠቓቕማ ሕዝባዊ ንብረት ንጽሕናን ግልጽነትን ምቍጽጻር ክህሉን ሕዝባዊ ጉዳይ ዝምልከት ዕዮታት ብጨረታ ትካላት ኣወዳዲርካ ብሓላፍነት ክወሃብ ዝግበር ኣሰራርሕ ስሩዕን ግልጽን ሕጋውን ክኸውን ዝእዝዝ ብቝጠባዊ መዳይ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ንምምሕያሽ ዝድግፍ ኣብ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘጽደቕዎ ሓድሽ ሕጊ ዘኪሮም፥ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ንምውጋእን ንምዕጋትን ዘብቅዕን ኣብዚ መዳይ ንጻዕርታት ኵለን መንግስታት ንምድንፋዕን ብዝበለጸ ልምድታት ንምክፋልን ኣጋጣሚ ከፊቱ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

07 June 2021, 15:32