ፓሮሊን፥ ካብ ዓለም ጥምየት ንምውጋድ ኣገዳስነት ሓደስቲ ኣገባባት ምህርቲ ፓሮሊን፥ ካብ ዓለም ጥምየት ንምውጋድ ኣገዳስነት ሓደስቲ ኣገባባት ምህርቲ 

ፓሮሊን፥ ካብ ዓለም ጥምየት ንምውጋድ ኣገዳስነት ሓደስቲ ኣገባባት ምህርቲ

እቲ ብምስማዐ ራየት ዝተኻየደ ኣኼባ፥ ናይ ከባቢ ቝጠባ ምድልዳል ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኸተን ዕለት 17 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ እውን ደቂ ንስትዮ፥ ዘይንጽል ዕቤት ደቅሰብ ኣብ ምድንፋዕ ዘለወን ግደ ብፍላይ ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ተጻዋርነት ዘለዎ ኣገባብ መግቢ ኣብ ምቕራጽ ንመርሕነት ኣካል ብኸመይ ከም ዚድግፋ ዘመላኽተ ምይይጥ

“ንናይ ኣካባቢ ዘላቕነትን ርግኣትን ሰላምን ኣብ ዓለም ዘሎ ናይ መግባውነት ስርዓት ዳግም ምምልካት ኣገዳሲ እዩ”፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን  እቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ስርዓታት መግባውነት ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ብዓንተውኡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቅድስቲ መንበር ብምስማዐ ርእየት ዘዳለወቶ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ኣብ መውዕጸዊ ተረኺቦም ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፡ እናቴ ኣለሳንድራ ስመሪሊ እውን ብወገነን ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጥምየት ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ዝተፈላለየ ዓይነት መቓርቦ ዝጠልብ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝአካየደኦ ቃለ መሕትት ብሰፊሕ የመላኽታ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ሓልዮ ማሕበርን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻ ምዕባለ መዋሊ ማሕበርን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግባውነት መርሓ ግብሪ ሓልዮ ውድብን ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ምስ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ናይ ሃገረ ቫቲካን ዛዕባ ኮቪድ - 19 ዝከታተል ፍሉይ ድርገትን ብትሕብባር ነቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብዛዕባ መግባውነት ስርዓት ንኽመክር ዝተዳለዎን ኣብ ወርሒ መስከረን ንኽካየድ ዝጸወዖ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ግምት ብምሃብ መግቢ ንሕይወት ፍትሓዊ መግባውነትን መግቢ ንዅሉን ብዝብል ኣርእስቲ ብናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ዘዳለዎ ሰለስተ ተኸታታሊ ዓውደ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 31 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ብዘስምዕዎ መደረ ከምእተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሸቶ

እቲ ብሰለስተ ክፋል ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባህ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ማሕበራዊ ስርዓታትን ማሓድሮኣዊ ስርዒትን ዘሎ ምትእስሳር ኣብ ግምት ዘእቱ ዘይንጽል ኵለንተናዊ ማሓድሮ ንምድንፋዕ ዝኣመተ ዓውደ ኣኼባ ክኸውን እንከሎ፡ 2020 ዓ.ም. ቅድም ቢሎም ምስ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብዋሕዲ ዝተመጣጠነ መግቢ ዝተጠቕዑ ብዚሒ ኣዚዩ ክብ ዝበለሉ ዓመት ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ እቲ ብምፍንታት ብምስማዐ ርእየት ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብሓቂ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት መግቢ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ውሑስ ንምግባርን ስርዓት መግባውነት ብሓድሽ ኣገባብ ምሕሳብን ዝብል ሸቶ ዘንበረ እዩ። እዚ ኸኣ ሓደ’ኳ ንድሕሪት ከይጥንጠን ዝላበው እዩ።

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “መግቢ ንዅሉ፥ መግባውነት ማእከል ዝገብሩ ምስሕሓባትን መጻኢ ናይ መግባውነት ስርዓትን”  ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 31 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ስርዓት መግቢ፥ ንናይ ሓባር ቤትና ምክንኻን ዝዓለመን መግቢ ንዅሉ ውሕስ ንምግባርን እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ጥምየት ካብ ሱሩ ንኽመሓው ናይ ሰብኣዊ ክብረት ንምኽባርን ንናይ ሓባር ረብሓ ኣገልግሎትን ናብ ዝብል ሸቶ ዝጨመተ ክኸውን ኣለዎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ስርዓት መግቢ ዘማእከለ ቅድሚ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ

እቲ ሰለስተ ክፋል ዘለዎ ተኸታታሊ ብምኽንያት ኮቪድ - 19 ብመምስዐ ርእየት ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 24 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ዝተኻየደ ቅነ ይሴባህ  ኣስተንፍሶ ዝገበረ ኮይኑ፡ ንደቀንስትዮን ንማሕበረሰብ ደቀባት ኣብ ጽንኩር ኵነት ንዝነብሩን ድምጺ ዝሃበን ናይ ደቂቕ ኤኮኖሚ ሓረስቶት ግምት ምሃብን ካብኣቶም እውን ተመክሮ ምክፋልን ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኸተ ርክብ ኮይኑ፡ እዚ እውን ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ኣብ ክልተ ማእከላይ ህሞት ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ንዘካየዶ ኣስተንትኖ ኣበርክቶ ንምቕራብ ኣሚቱ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ውድብ ዋና ቤት ጽሕፈት ኣገባብ መግባውነት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽመክር ዝተጸውዔ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ቅድመ ግምት ዝሃበ እውን ከምዝኾነ ኣመላኺቱ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ እውን ነቲ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ግምት ብምሃብ፡ ኢጣሊያ ብዘለዋ ብኢንዳስትሪ ናይ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ 20 ተረይና ናይ መርሕነት ስልጣን መሰረት ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 21 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሮማ መድርኽ ቅድመ ዓውደ ኣኼባ ከምዘዳለወት ኣዘኻኺሩ፥ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ “ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ጭቡጥን ጥንቃቔን ዝተመልእ ስጒምቲ” ከምዘድልን፥ ስርዓተ መግቢ ዝያዳ ተጻዋርነትን ዘላቕን ናይ ሕዝብታት መግቢ ናይ ምርካብ ሻቕሎት ብዝያዳ ዚስገር ንምግባር ናይ ዓለም ስርዒት መግባውነት ዳግም ምምልካትን ዳግም ምሕሳብን ምትኽኻልን ኣገዳሲ እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ማእከላውነት ዞባዊ ቝጠባ

ኣብቲ ዘተኻየደ ዓውደ ርክብ ዝተሳተፋን ዘረባ ዘስምዓን ድሕሪ እቲ ብምስማዐ ርእየት ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዳ ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝግደስ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቕ እናቴ ኣለሳንድራ ስመሪሊ፥ “ኣብ መጻኢ ቀጻልን ፍትሓውን ድሕንነትን ዘለዎ መግቢ ንምርካብ ዝድግፍ ናብቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንኽካየድ ንዝተጸውዔ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ጭቡጥ ሓሳብ ንምቕራብ” ዝኣመተ ምንባሩ ኣብሪሄን፥ “ኣብ መጻኢ ቀጻልን ፍትሓውን ድሕንነትን ዘለዎ ምግቢ ናይ ምርካብ መሰረታዊ ክብረት ሰብ ውሑስ ክኸውን ዘብቅዕ ስጒምቲ ህጹጽ ምዃኑ ብምምልካት ነቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ቅኑዕ ሓሳብ ዘቕርብን ርትዓዊ መስርሕ ኣነጺሩ ንምግላጽን ዝሃቀነን እዩ” ኢለን።

“እቲ ተከሲቱ ዘሎ ለብዒ ብዙሕ ዘሕዝን ፍጻሜታትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘስዓቦ ቅልውላው ከቢድን ዘሳቕይን ይኹን እምበር ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ናይ ቝጠባን ዝተፈላልዩ ካልኦት እንስዕቦም ማሕበራውን ፖለቲካውን ብፍላይ ኣገባብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ካብ ናይ ውሑዳት ኵላዊ ረብሓ ብዝብል ኣገባብ ዳግም ንኸነስተውዕሎን ንኽንሓስበሉን ኣጋጣሚ ከፊቱልና እዩ፡ መጻኢ ወለዶ ዘላቕነት ከኽብርን ንምድጋፍን ኣብ ኣጠቓቕማ መሬት ኮነ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ካብ ኣዕናዊ ኣገባብ ናብ ተኸናኻኒ ኣገባብ ንምስግጋር ዘኽእል መገዲ ንምሕባር ዝፈተነ” ዓውደ ርክብ እዩ ነይሩ ይብላ።

እቲ ብምስማዐ ራየት ዝተኻየደ ኣኼባ፥ ናይ ከባቢ ቝጠባ ምድልዳል ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኸተን ዕለት 17 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ እውን ደቂ ንስትዮ፥ ዘይንጽል ዕቤት ደቅሰብ ኣብ ምድንፋዕ ዘለወን ግደ ብፍላይ ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ተጻዋርነት ዘለዎ ኣገባብ መግቢ ኣብ ምቕራጽ ንመርሕነት ኣካል ብኸመይ ከም ዚድግፋ ዘመላኽተ ምይይጥ እውን ከምእተኻየደ ይግለጻ።

እቲ ካልኣይ ክፋል ዕለት 26 ግንቦት ዝተኻየደ ርክብ፡ እውን ፍትሒ መግባውነት - ስራሕን ምህዞን ቝጠባን ነገልግሎት ፍትሒ መግባውነት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየደ ምንባሩ እናቴ ኣለሳንድራ ስመሪሊ ሓቢረን፥ ድሕሪ ኮቪድ ኣብ ዝግበር ዳግማይ ሕንጸት፡ ነቲ ካሳብ ሕጂ ዓለም ዝኽተሎ ዝነበረ ኵለ መዳያዊ ስርዒት ብዘይ ምድሕሓር ዳግም ክሕስበሉን ዕርያ ከግበረሉን ግድን እዩ፡ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ስነ ምርምርን ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋምን ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታን ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ዘቃልሔ ዓውደ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ጥምየትን ኢፍትሓውነት ስርዒት መግባውነትን ንምስጋር ዝበለጸ ኣበርክቶ እተቕርብ ኸምዝኾነትን፡ ኣብዚ ኪደት እዚ ዘለዋ ልዑሉ ናይ ተሓባባርነትን ነገራት ናይ ምምዝዛን ብቕዓታን ዘመላኸተን እውን ምዃኑ ይሕብራ።

02 June 2021, 23:30