“ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተሓድሶ ክህሉ ዚገበሩ እቶም ናብ ቅልውላው ከይኣትዉ ዘይፈርሁ ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ ኪሕደሱ ዝፈቕዱ እያቶም፡ እዚ እንኰ መገዲ እዩ “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተሓድሶ ክህሉ ዚገበሩ እቶም ናብ ቅልውላው ከይኣትዉ ዘይፈርሁ ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ ኪሕደሱ ዝፈቕዱ እያቶም፡ እዚ እንኰ መገዲ እዩ  ርእሰ ዓንቀጽ

ዓንቃፊ ማህሰይትን ሕዳሴን ኣብ ቤተ ክርስቲያን

ናይ ሮማ ኣቡን፥ ካብቲ ህስያ ዘድሕነና “ዝካየዱ መርመራታትን ወይ ናይ ተቕዋማት ስልጣንን ሓይሊ ገንዘብን ኰነ ኣረኣእያ መራኸቢ ብዙሓንን (ብዙሕእ እዋን ኣብኡ ክንምርኰስ እዩ ዝረአይ) ኣይኮነን” እንክብሉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጀርመን ናይ ሚዩኒክን ፍሪሲንጋን ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ካብ ሓላፍነቶም ክለቁ ዘቕረብዎ ናይ ስንብታ ሕቶ ዝነጽግ ዘመሓላፉሎም መልእኽቲ ሒዝዎ ዘሎ ጠቓሚ ሓበሬታ ብዝብል ሓሳብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተሓድሶ ክህሉ ዚገበሩ እቶም ናብ ቅልውላው ከይኣትዉ ዘይፈርሁ ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ ኪሕደሱ ዝፈቕዱ እያቶም፡ እዚ እንኰ መገዲ እዩ፡ “እንተ ዘይኮይኑ ኵለንተናኻ ኣብ ሓደጋ ዘእትው ናይ ህልዮ ሕዳሴ እዩ ዝህልው፡” እዛ ጥቕሲ እዚኣ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብጹዕ ካርዲናል ራይንሃርት ማርክስ ናይ ርእሰ ሰበኻ ሚዩኒክን ፍሪሲንጋን ሊቀ ጳጳስ ካብ ምዃን ሓላፍነት ንኽሰናበቱ ንዘቕረቡሎም ሕቶ ዝነጽግ ኣብ ዘመሓላለፉሎም ናይ መልሲ መልእኽቲ ዝተነብረ እዩ፡ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስዊ መልእኽቲ ጽዑቕን ኣገዳሲ ኣንፈት ዝሕብር፡ ክርስቲያን ኣብ ክውንነት ንኽጥምት ዝድርኽ እዩ። እዚ ዓይነት ኣርኣእያን ጠመተን እዚ ብዙሕ እዋን ነቲ መሰረታዊ ናይ ድሕነት ክብረት ኣብ መዋቕርን ተቕዋማዊ ስልጣንን ኣገዳሲ እውን እንተኾነ ኣብ ሕግታትን ኣብ ብሉጽ ትላካላዊ ኪደትን ኣብቲ ሲኖዶሳዊ ኪደት ዝተሳዂዔ ርትዓዊ ኣመለኻኽታ ፖለቲካዊ ትውክልትን ናይ ዕዳጋ ሸመተ ሜላታት ናይ ተልእኾ ኣገባብ ምስ ዝኸውንን ኣብ ናይ ምርኻብ ኪደት ኣብ ርእሰ ምትእምማን ጽልዋ ሓለፋ ምስ ዝበሃል ዝርሳዕ ይኸውን።

ናይ ሮማ ኣቡን፥ ካብቲ ህስያ ዘድሕነና “ዝካየዱ መርመራታትን ወይ ናይ ተቕዋማት ስልጣንን ሓይሊ ገንዘብን ኰነ ኣረኣእያ መራኸቢ ብዙሓንን (ብዙሕእ እዋን ኣብኡ ክንምርኰስ እዩ ዝረአይ) ኣይኮነን” እንክብሉ ኣረጋጊጾም፡ ስለዚህ ኣብቲ ንብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ንምድሓንና በሪ ዘርህወልና ዕርቃንና ኰይናን ሓጢኣ ምባል እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ገዛእ ርእሳ ዘይትውከልን ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይናይ ክስምዓ ዘይኮነ፥ በንጻሩ ይቕረታ ኽትሓትትን ካብቲ ድሕነት ክህባ ዝኽእል ድሕነት ክትልምን እንከላ፡ እዩ እቲ ሓይላ፥ ሓይላ ድኻምነታ ይኸውን፥ ይቕረታ ትሓትት ድሕነት ካብቲ ድሕነት ክህባ ዝክእል እንኰ መድሕን ኣብ ምልማን እዩ ሓይላ።

እቲ ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ሙዪኒክን ፍሪስንጋን ካርዲናል ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፥ ንገለ ገለ ሰባት “መልሲ ዘይብሉ” ክመስል ይኽእል፥ ምኽንያቱ ካብቲ ክብሪ ዘሕርር ሚሓ ዘየውጽኣናን ነቲ ቝስሊ ስለ ዘይኣልዮን ነቶም እተጋገዩ በጻብዕትና ሓፍ ንኸነብሎም ስለ ዘይፍቕደልን እዩ፥ ኣብ ክንድኡስ “ናብቲ ቅልውላው ንኽንኣትውን፡” ኣብ ቅድሚ እቲ ሓጥኣት እቲ ዲብሎሳዊ ተግባር ዝኾነ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ወይ ከኣ ቤተ ክርስትያን ሳላ ሚሳላትና ሜላታትናን ሰብእዊ ሕንጸታትናን እነድሕና ኮይኑ ክስምዓና ዝግበር ድኻምነትናን ሓጢኣትናን ኢምንትነትናን ንኽንናዘዝ” እዩ ዝዕድመና።

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተኣፋፍያንን ንምክልኻል ንኽመክር ተጸዊዑ ንዝነበረ ዓውደ ኣኼባ መሰናዳዊ ኣብ ሚያዝያ ወርሒ ኣብ ዝተሓትመን፥ ነቲ ዓቢይ ቁስሊ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ዓመጽ ዝወሃቦ ቅኑዕ መልሲ እንታይ ምዃኑ “እቲ ንኣናን ንመላእ ዓለም ዓቢይ ስግኣት ዝኾነ ኣከይ ፈውሱ ናብ ፍቅሪ ኣምላኽ ካብ ምምላስ ካልእ መገዲ የብልናን” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዝሰፈሮ እዩ፡ እንታይ ክንገብር ከምዘሎና እንተ ሓሲብና ካልእ ብኣና ዝተመሃዘት ቤተ ክርስቲያን ከምዘይተድልየና ንጹር እዩ። ሎሚ “ቤተ ክርስቲያን ከም ሓደ ዓይነት ፖለቲካዊ መሳርዕ” ኮይና እያ ብገሊኦም እትረአ፡ ከምኡውን “እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ዓመጽ ንቤተ ክርስቲያን ከም ዝፈሸለት ገርና ንኽርእያ ይድርኸና ይኸውን ምስቲ ኵነታት ተርኺብናን ብሓድሽ ኣገባብ ንኽንሃንጻ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣባና ከሕድር ይኽእል እታ ብኣና እትሕነጽ ቤተ ክርስቲያን ንዝኾነ ይኹን ተስፋ ክትውክል ዘይከኣል እዩ።

ኣብ 2010 ዓ.ም. ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣየርላንድ ዘጋጠመ ህስያ ዝመልኦ ዕንቅፋት፡ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. ራትዚንገር እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዚወርድ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ካብ ደጋዊ ጸላእታ ዘይኮነስ ካብ ውሽጢ ከም ዝመጽእ ኣሚኖምን ነዚ ብምቅላዕ ንስሓ ዚግበረሉ እንኰ መገዲ ከምዝኾነ ኣመላኺቶም ከምዝነበሩን ሎሚ ተካኢኦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትርኢቶምን ኣደማምጻኦምን ምስት እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ በነዲክቶስ መበል 16 ብምስምማዕ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘድሊ ተሓድሶ ፖለቲካዊ ዘይኮነስ ብጐይታ ንኽትሕደስ ካብ ምፍቃድ እዩ፥ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ኣብ ሕዳሴ እያ - Ecclesia semper reformanda – ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ኣብ ሕዳሴ” ይብሉ ብዝብል ሓሳብ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

15 June 2021, 23:47