ሰበኻዊ ቅነ መንእሰያት፥ ናይ ኵለንተናዊ ሕውነትን መንፈሳዊ ንግደትን ተመክሮ ሰበኻዊ ቅነ መንእሰያት፥ ናይ ኵለንተናዊ ሕውነትን መንፈሳዊ ንግደትን ተመክሮ 

ሰበኻዊ ቅነ መንእሰያት፥ ናይ ኵለንተናዊ ሕውነትን መንፈሳዊ ንግደትን ተመክሮ

ነቶም ኣብ ዞባታት ዚነብሩ መንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ ንብምሉኦም ነቶም ኣብ ዞባታት ንዝርከቡ ኤቅለሳውያን ማሕበርሰብ ዓቢ ትርጉምን ዋጋን ዘለዎ” ቆጸራ እዩ። እቲ ይብጻሕ ናብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ብጹዕን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪን ሲኖዶሳት ናይ ዞባውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ዓበይቲ ሊቀ ጳጳሳትን ሰበኻታትን ኤጳርቅያውያንን ኤቅለሳውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ብትኽኽል እውን ንመንስያትን ዝብል

ዕለት 18 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ስበኻዊ ኵነት ብኸመይ መዓልቲ መንእሰያት ዓለም ኮይኑ ክበዓል ከምዘለዎ ዝሕግዝ መስራቒ መምርሒ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ብወግዒ ከምዝቕረበን እቲ መስራቒ ሰነድ “ሰበኻዊ ቅነ መንእሰያት ናይ ኵለንተናዊ ሕውነትን መፍንሳዊ ንግደት ተመክሮ” መንጽር ምዃኑ ብሰፊሕ ዘብርህ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ሓቆ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ዞባውያንን ኣቢያተ ክርስቲያንን ብሰበኻዊ ደረጃ ንምብዓል ዝሕግዝ መምርሒታት ብወግዒ ከምዝቐረበን ናይቲ መምርሒ ቀንዲ ዕላማ እውን ብዝርዝር ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ብወግዒ ከምእተሓበረን እቲ ብሰበኻ ደረጃ ዝበዓል መዓልቲ መንእሰያት ዓለም ዓለም ምስ ዓመታዊ ንግሰ በዓል ክርስቶስ ንጉስ ተተሓሒዙ ዝበዓል ክኸውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳታ ፍራንቸስኮ ከምዝወሰኑን ቅዱስነቶም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መንእሰያት ክማእከሉን ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ መንእሰያት ክትጽልን መንእሰይ ወለዶ ቀንደይና ተዋስኢ ዝገብር ወስታ ክትፍጽምን ናይ ምርኻብ ጐስጓስ ከተሳልጥን” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ መሰረት ዝገበረ መረሓ ግብሪ ምዃኑ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተሓበረ ዘመላኸተ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እእቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያ በቢ ሰለስተ ዓመት ዝካየድ ክኸውን እንከሎ እዚ እውን ብተኸታሊ ቅዱሱ ጴጥሮስ ኣብ እትሕረይ ሃገር ዝካየድ ኮይኑ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ዝርከብሉን እዩ፡ እቲ ኣብ በዓለ ሆሳዕና ዝበዓል ዝነበረ ደሓር ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዓመታዊ ንግሰ በዓል ክርስቶስ ንጉስ ዝተመሓላለፈ በቢ ዓመት ብሰበኻታት ደረጃ ዝበዓል ብሔራዊ መዓልቲ መንእሰያት ናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያን ኮይኑ ከከም ኵነትተንን ብርእሰን ዝውድብኦ እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቀዳምነት ዝወሃቦ ምስ መንእሰያት እተተሓሓዘ ተልእኾ

ነቶም ኣብ ዞባታት ዚነብሩ መንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ ንብምሉኦም ነቶም ኣብ ዞባታት ንዝርከቡ ኤቅለሳውያን ማሕበርሰብ ዓቢ ትርጉምን ዋጋን ዘለዎ” ቆጸራ እዩ። እቲ ይብጻሕ ናብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ብጹዕን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪን ሲኖዶሳት ናይ ዞባውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ዓበይቲ ሊቀ ጳጳሳትን ሰበኻታትን ኤጳርቅያውያንን ኤቅለሳውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ብትኽኽል እውን ንመንስያትን ዝብል ናይ መምርሒ ሰነድ፥ “እዘን ዝተገልጻ ኵውንታውያን ኣቢያተ ክርስቲያናት ዞባዊ መዓልቲ መንእሰያት ንምብዓል ብዝያዳ ክጥቀማሉን ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ነቲ ምስ መንእሰያት ዘለዋ ተልእኾ ግዜኣን ጉልበታን ሃብታን እተዋፍረሉ ካብ ጥንቲ ዝነበረ ጉስነት ኣብ እዋናዊ ዓለም ብመሃዝነት እተቕርቦ ሃዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምትብባዕ እዩ” ዝብል  ሓሳብ ዝተሰመረሉ ከምዝኾነ ኣብቲ  ዝተወሃበ መግለጺ ከምእተሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ፍሉያት ዕዱማት”

“ሰበኻዊ/ኤፓርቅናዊ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት” ዝብል ጽሑፍ “ናይ ዞባዊት ቤተ ክርስቲያን ጸጋታት ብፍሉይ ዝጐልሓሉን እቶም ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን መዋቕራትን ዘይተጠርነፉን ዘይዋስኡን መንእሰያት ዝተነጸሉ ኮይኑ ከይስምዖም ንምርግጋጽ” ዝኣመተን፡ ኣስዒቡ እውን፥ “ነፍሲ ወከፍ ፍሉይ ልኡኽ ኮይኑ ከይሰመንዖ፡ ኩሉ ሰብ ንዅሉ ኣብን ከምን ፍሉይነቱን እንኮነቱን ዘይተደጋጋምነቱን ዝጽበይን ዝምነይን ምዃኑ ክስምዖ ፍልይ ዝበለ ሰብኣውን መንፈሳውያን ሃብቲ እዩ። ስለዚ እዚ ኵነት ሰበኻውን/ኤጳርቅናውን እዚ ንዅሎም እቶም ምናልባት ኣብ ቤተ ክርስቲኢያን ቦታኦም ዝደልዩን ክሳዕ ሕጂ ዘይረኸብዎን መንእሰያት ንምንቕቓሕን ንምቕባልን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኪኸውን ዝኽእል እዩ።” ብዝብል ሓሳብ እቲ ናይ መምርሒ ሰነድ ከምዝጠቓለል ዜና ቫቲካን የመላኽት።

20 May 2021, 11:21