ናብ ሓባራዊ ዕለት በዓለ ትንሳኤ ናብ ሓባራዊ ዕለት በዓለ ትንሳኤ 

ናብ ሓባራዊ ዕለት በዓለ ትንሳኤ

ኣብ 2025 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ጉባኤ ኒቅያ ክበዓል እዩ፡ ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ ኣብ ምብራቓውያንን ምዕራባውያንን ኣቢያተ ክርስቲያን ዕለት 20 ሚያዝያ እንደገና በዓለ ትንሳኤ ብሓባር ከብዕላ እያተን

ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ እቲ ኣብ 2025 ዓ.ም. መበል 1700 ዓመት ዘብዕል ጉባኤ ኒቂያ ኣብ ዝዝክረሉ እዋን ናይ ምብርቕን ምዕራብን ኣቢያተ ክርስቲያን ዕለት 20 ሚያዝያ ብሓባር በዓለ ትንሳኤ ከብዕላ ምዃነን  ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ምስ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 2 ግንቦት ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን በዓለ ትንሳኤ ከምዘብዓላን ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብጹዕነቶም ተኦፊሎ ሳልሳይ ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት . . . በዓለ ፋሲካ ናይ ብርሃን በዓል እዩ፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ በዓለ ፋሲካ ኣብ ምስራቓዊ ባህልን ኣብ ምዕራባዊ ባህልን ኣብ ዝተፈላለየ ዕለት ዝበዓል እውን እንተኾነ ናይቲ በዓል መሰረታዊ ትርጉሙ ሓደን እንኰን እዩ፡ እቲ ፍልልይ ብባህርያዊ መገዲ እዩ ዝለዓል፡ እተን ምዕራባውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ካብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ንደሓር ብመሰረተ ዓውደ ኣዋርሕ ጉርጐርዮሳዊ ነቲ ብር.ሊ.ጳ. ግረጐርዮስ መበል 13 እተኣታተወ መሰረታዊ ሕዳሴ ብምስዓብ በዓለ ትንሳኤ ወትሩ ደድሕሪ እታ ናይ መጀመርታ ጽድያ ምልእቲ ወርሒ ዘላ ሰንበት ክብዓል ከምዝጀመረን በንጻሩ እተን ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ነቲ ቅድሚ ሕዳሴ ግረጎሪዮሳዊ ዝነበረን ናይ 325 ዓ.ም. ጉባኤ ንቅያ እውን ዝተጠቐመሉን ዓውደ ኣዋርሕ ዩሊዮስ ከምዝስዕባ የዘኻኽር።

ጉባኤ ኒቅያ ማሕበረ ክርስቲያን ናብ ምክፍፋል ገጹ ኣብ ዘብለሉ ዝነበረ እዋን ኣብ እምነት ዝጸንዔ ሓድነት ሓጽያዊ ግዝኣቱ ንምድልዳል ንጉስ ቆስጣንጢኖስ ቀዳማዊ ዝጸወዖ ከምዝነበረን፥ ንገዛእ ርእሱ በዓለ ትንሳኤ እውን ዘከራኽር ነጥቢ ስለ ዝነበረ ነዚ ሕቶ እዚ እውን ግምት ዝhaበ ጉባኤ ምንባር ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኾክ ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዘኪሮም፡ ማሕበረ ክርስቲያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ንኡሰ እስያ ዝነበረ ምስ ናይ ኣይሁድ እምነት በዓለ ፋሲካ ብምትሕሓዝ ኣብ መበል 14 ወርሒ ኒሳን የብዕል ከምዝነበረን ኣብ ሶርያን መሰጶጣሚያን ዝነበረ ማሕበረ ክርስቲያን ደድሕሪ ናይ ኣይሁድ እምነት በዓለ ፋሲካ ስዒቡ ኣብ ዝውዕል ሰንበት የብዕሎ ከምዝነበረን ኣብሪሆም፡ እቲ ቀዳማይ ጉባኤ ኒቅያ በዓለ ፋሲካ ኣብ ሓደ መዓልቲ ንኽበዓልን ነቲ ዝነበረ ፍልልይ ንምውጋድን ዝፈተነ እውን እዩ፡ “ኵሎም እቶም ክሳብ ሕጂ በዓለ ትንሳኤ ምስ በዓለ ፋሲካ ኣይሁድ ዘብዕሉ ኣብ ምብራቕ ዝርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ሕጂ ንደሓር ምስ ሮማውያን ብምስምማዕ ከምቲ ኣብ ጥንቲ ዝነበረ ብሓባር ከብዕሉ እያቶም” ዝብል ውሳኔ ምስ ተመሓላለፈ፡ ካብቲ እዋን ንደሓር እቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣይሁድን ዝነበረ ሓባራዊ ዕለት በዓለ ትንሳኤ ከምእተፈላለየን በዓለ ፋሲካ ኣብ እምነት ክርስትና ወትሩ ደድሕሪ እታ ናይ መጀመርታ ጽድያ ምልእቲ ወርሒ ዘላ ሰንበት ክብዕል ከምዝጀመረ እውን ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ 2025 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ጉባኤ ኒቅያ ክበዓል እዩ፡ ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ ኣብ ምብራቓውያንን ምዕራባውያንን ኣቢያተ ክርስቲያን ዕለት 20 ሚያዝያ እንደገና በዓለ ትንሳኤ ብሓባር ከብዕላ እያተን፡ ስዚህ ነዚ ዓቢይ ኢዮበልዩ ዓመት ኒቅያ በዓለ ፋሲካ ቀጻሊ ብሓባር ንምብዓል ንዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ከም ጽቡቕ ደራኺ ኣጋጣሚ ንምጥቓም ዝብል ንዘሎ ባህጊ ዘበራብር ክኸውን ከምዝኽእል ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ኣመላኺቶም፥ ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ ምብራቓውያንን ምዕራባውያንን ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር በዓለ ትንሳኤ ከብዕላ ኣብ ዝብል ሓሳብ ብወገን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማዊ ዝሰማማዕ ሓሳብ ከምዝቐረበን እቲ ናይ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ናይ ቲዮሎጊያ ናይ ሓባር ኣህጉራዊ ድርገት ካልኣይ ኣቦ መንበር ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ጆብ ገትቻ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ እውን ንጹር ሓሳብ ከምዘቕረቡ ብጹዕነቶም ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብጹዕነቶም ተኦፊሎ ሳልሳይ ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ምስቲ ናይ ሊቀ ጳጳሳት ገትቻ ዝሰማማዕ ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ ሓባራዊ ዕለት በዓለ ትንሳኤ ኣገዳሲ እዩ እዚ ኸኣ ንሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እውን ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥ በዓለ ፋሲካ ኣብ ክርስትና እምነት እቲ ኣዚዩ ጥንታዊ ዝኾነ በዓልን ሕመረት እምነት ክርስትናን እዩ፡ ስለዚ ሓባራዊ ዕለት በዓለ ትንሳኤ ንገዛእ ርእሱ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ንዝግበር ጉዕዞ ዘጽንዕ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን ኣብ እምነት ዝነበረ ሓድነት ዳግም ንኽምለስ ዝድርኽ እውን እዩ ከምዝበሉ የመላኽት።

ነቲ ሰፊሕ ኣርኣእያ ብጹዕነቶም ተኦፊሎ ሳልሳይ እውን ስለ ዘቃልሕዎን ንብጹዕነቶም ከመስግን እፈቱ ዝበሉ ብጹዕ ካርዲናል ኮኽ ኣብቲ ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣስዒቦም፥ በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ብስም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢየሩሳሌም ንናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕነቶም ተኦፊሎ ሳልሳይን ንዅለን ነቲ ዕለት 2 ግንቦት በዓለ ፋሲካ ንዘብዓለ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ርሑስ በዓለ ፋሲካ እምነይ፡ . . . ናይ መወዳእታ ቃል ሞት ዘይኮነ እግዚኣብሔር ንኹሉ ዝዓቀባ ሕይወት፥ ኣብ ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን እዩ እንክብሉ ካርዲናል ኮኽ ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 May 2021, 22:24