ምእንቲ ንእምነት ድጋፍ ዝፈርስ ሓዳር ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘመእከለ ዓውደ መጽናዕቲ ምእንቲ ንእምነት ድጋፍ ዝፈርስ ሓዳር ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘመእከለ ዓውደ መጽናዕቲ 

ምእንቲ ንእምነት ድጋፍ ዝፈርስ ሓዳር ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘመእከለ ዓውደ መጽናዕቲ

እቲ ስልጣነ ቤተ ክርስቲያን ዘርእስቱ ሰነድ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተሰርዐ ምስጢረ ተክሊል ፍቱሕ ይኹን ዝብል ውሳኔ ንኽትህበሉ ዘድሊ ቅድመ ኵነታት ብሰፍሒ ዘመላኽትን ዘብርህን ኰይኑ ነዚ ጉዳይ እዚ እውን ምስ ሕገ ቀኖና ኣዛኒቑ

ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ምስ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ብምትሕብባር ዝመጽእ ዘሎ ሰሉስ ዕለት 27 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ንዝኽሪ መበል 20 ዓመት ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር Potestas Ecclesiae - ስልጣነ ቤተ ክርስቲያን ብዝብል ኣርእስቲ ሓላፈ ንእምነት ብምግባር ዝተኣሰረ ምስጢረ ተክሊል ዘንብሮ ማእሰር መጻምድቲ ፉቱሕ ንምባል ዘድሊ ክውነትን መስርሕን ኣመክንዮታት ብዝርዝር ዘብርህ ኣብቲ እዋን ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ዝነበሩ ራትዚንገር ክታም ዝተነብሮ ሰነድ ምኽንያት ፍሉይ መደብ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዘሰናደወ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ንተመሃሮ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብን መምሃራንን ተመራመርትን ኣብ ሰበኻታት ኣብ መዳይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምስጢረ ተክሊል ዘገልግሉ ኵሎም ብመረብታዊ ውሕዘት ብዝተሰነየ ኣገባብ ዘሳትፍ ከምዝኾነን እቲ ስልጣነ ቤተ ክርስቲያን ዘርእስቱ ሰነድ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተሰርዐ ምስጢረ ተክሊል ፍቱሕ ይኹን ዝብል ውሳኔ ንኽትህበሉ ዘድሊ ቅድመ ኵነታት ብሰፍሒ ዘመላኽትን ዘብርህን ኰይኑ ነዚ ጉዳይ እዚ እውን ምስ ሕገ ቀኖና ኣዛኒቑ ኣገባባት ዘንበረሉ እዩ፥ ሓላፋን ድጋፍን ንእምነት ብዝብል መሰረት ዝተኣስረ ምስጢረ ተክሊል ፍቱሕ ዝብል ውሳኔ ዝተነብሮ ከምዝኾነ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዕለት 27 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ካብ ናይ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ቪንቸንዞ ቡዎንዎም ብዝካየድ መረብታዊ ውሕዘት ብወግዒ ተኸፊቱን ኣብቲ ቲዮሎጊያውን ሕጋውን መዳይ Potestas Ecclesiae - ስልጣነ ቤተ ክርስቲያን ቅዋም ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ቀዳማይ ክፍሊ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳረታ ፈረር ኣስተምህሮ ከቕርቡ ከምዝኾኑን፥ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ካብ ዘቕርቡ እውን ናይ ኵርያ ሮማና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዋና ተቖጻጻሪ ብጹዕ ኣቡነ ጆርዳኖ ካበርለቲን ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባኒያኑም መምህር ልዊጂ ሳባረዘን ኣብ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር በዓል መዚ ዮሃነስ ፉርንክራንዝን ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ መምህር ፍራንቸስኮ ካቶዘላን ከምዝርከብዎም ኣፍሊጡ፡ ነዚ መደብ እዚ ብናይ ጳጳሳዊ ላተረናነንሰ መንበረ ጥበብ ኣብ ዩቲዩብ ኣብ ዝርከከብ : https://youtu.be/H-m1BjkSsMs. ኣድራሻኡ ብቐጥታ ንምክትታል ዝከኣል እውን ምዃኑ የመላኽት።

24 April 2021, 22:55