ር.ሊ.ጳ. ንካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ፥ ንመጻኢ ተስፋ ዝኾኑ መንእሰያት ዝሓንጽ ር.ሊ.ጳ. ንካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ፥ ንመጻኢ ተስፋ ዝኾኑ መንእሰያት ዝሓንጽ 

ር.ሊ.ጳ. ንካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ፥ ንመጻኢ ተስፋ ዝኾኑ መንእሰያት ዝሓንጽ

በቲ ቃል ዝነበረን ስጋና ዝለበሰን ኢየሱስ ኣቢሉ እግዚኣብሔር ነቲ ስቓይ ኵሉ ናቱ ገይሩ ተበጀወና፡ እቲ እከይ በዚ መገዲ እዚ ጥራሕ ከምዝስገር ድማ ገለጸልና፡ እዚ ኸኣ ብምምላጥን ብሓይልን ዘይኮነ ብፍቕሪ

ዕለት 18 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ዕለቱ መበል 100 ዓመት ቅዋሜ ናይ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ መዓልቲ ዝዝከረሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም፡ እቲ መንበር ጥበብ ኣብ ናይ ሕንጸት ተልእኾኡ ንቕድሚት ክብል ተስፋኦም ገሊጾም፡ ንመላእ ናይቲ መንበረ ጥበብ ማሕበረሰብ ቡራኬኦም ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡ እቲ መንበረ ጥበብ ካብ ዝቐውም ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምኽንያት ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ዋና መንበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ሚላኖ ዋና መቐመጢኡ ዝኾነ ቅዱስ ልቢ ዘኢየሱስ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ንሚእቲ ዓመታት ሓድሽ ወለዶ ኣብ ምህናጽ ክቡር ኣገልግሎት ዝሃበን ዝህብን ዘሎ መበል 100 ዓመት ቅዋሜኡ  ዕለት 18 ሚያዝያ ከምእተበዓለን፡ ቅዱስነቶም ሰንበት ዕለት 18 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ዘኪሮም፥ “እቲ መንበረ ጥበብ ብናይ ሕንጸት ተልእኾኡ ኣቢሉ መንእሰያት ቀንዲ ናይቲ ብተስፋ ሃብታ ናይ ዝኾነ መጻኢ ተዋሰእቲ ክኾኑ ይሕግዝ፡ ንኹሎም ነቶም ኣብቲ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዝዓዩን መምሃራንን ተመሃሮን ብጠቕላላ ንኹሎም ኣባላቱ ቡራኬይ አቕርብ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥  

ካርዲናል ፓርሊን ኣብ ሚላኖ ንመበል 100 ዓመት ምስረታ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ

ዕለት 18 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብምኽንያት መበል 100 ዓመት ቅዋሜ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ዘኢየሱስ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ኣብቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ ኣውራ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንጐሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝሰሩዑን ብጹዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ብምኽንያት ናይቲ መንበር ጥበብ ምስረታ መበል 100 ዓመት ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ “እቲ መንበረ ጥበብ ካብቲ ምስረታኡ ንዝንበሩ ብድሆታት ንምግጣም  ካብ ዘካይዶ ጻዕሪ ንላዕሊ ኣብ መዳይ ስነ ምርምርን መጽናዕትን ብዝተሓደሰ ኣገባብን ከምኡ እውን ንቐጻሊ ምዕባሌታት ሕንጸት ብዝብል ተልእኾኡ እዋናውያን ብድሆታት ንኽገጥም ዝተጸውዐ እዩ” እንክብል ዘስመረሉ ሓሳብ ጠቒሶም ኣብ ተዘክሮ መበል ሚእቲ ዓመት እቲ መንበረ ጥበብ ዝፈጸሞ ምዕባሌታት ብሞሳ ዘኪሮም፡ መንእሰያት ናብ ፍልጠት ጥራሕ ዘይኮነ ኣእምሮኦም ነቲ ኢየሱስ ዝገለጾ ጥበብ ኣምላኽ ርህው ንምግባር እውን ዝድግፍ እዩ” ከምዝበሉ የመላኽት።

ፍርሂ ናይ ኢየሱስ ደቀ መዝሙርን ፍርህናን

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 24 ካብ ፍቕዲ 35-48 ዝተወስደ ምንባብ፡ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ፈሪሆምን ሰንቢዶምን ንዝነበሩ ቕዱሳት መጻሕፍቲ ክርድእዎ መታን ኣእምሮኦም ከምዝኸፈተሎም የመላኽተና፡ ካብ ሞት ዝተንስኤ ኢየሱስ ነቶም ስለ ዝኸሓድዎን ዝጠንጠንዎን ንኽጸባጾቦም ዝመጸ ምትሓተ መንፍስ መሲልዎም ፈሪሆም ነበሩ፥

ኣብዚ እቲ ጥልቂ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ፍርሒ እውን ዘሎ እዩ ዝመስል፥ ምኽንያቱ እቲ ከሃሌ ኵሉ ኣምላኽ ራዕድን ፍርህን ዘስርጽን ብዙሕ እዋን ካብ ውሽጥና ኣኽብሮት ጥራሕ ዘይኰን ፍርሒ እውን ዘለዓዕል ምስሊ ኣምላኽ ዘሎ እዩ ዘምስል፡ ሕማቕ ጠባይ እንተሎኒ እግዚኣብሔር እንታይ ኪገብረኒ ኮን ይኸውን፡ ኣብኡ እንተ ተኣሚነ እንታይ ቢሉ ክሓተኒ ኮን ይኸውን? ይፍትነኒ ዶ ይኸውን? ብሰንኪ ዘይፍጹም ሰብኣዊ ኩነትናን ፍርህናን ኣባና ዝተጋገየ ምስሊ እግዚኣብሔር ክንሓትም ይገብር፡ እዚ ኸኣ ኣብ ልባትና ኣቦ ዝኾነ ኣምላኽ ዘይኮነ ዝቆጻጸርን ልቢ ዝወግእን ጨካን ፈራዲ ዝኾነ ዘጨንቕን ዝጭቁንን ምስሊ እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጥና የንብር፣

እግዚኣብሔር ኣብ ድኻምነትና እውን ከይተረፈ የፍቀረና ኢዩ

ኢየሱስ ብምልክታን ቃላትን ኣቢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ናይ ኣምላኽ እውነተይና ወጅሂ የርእዮም፡ ክትንክፍዎ ይፈቕደሎምን ሓቢሩ ምሳታቶምእ ውን ይበልዕ፡ ቅንዋቱ ንኽርእዩ እውን ይዕድሞም፡ በዚ ኣቢሉ ከኣ ነቲ ኣብ መንጐ ኣምላኽን ሰብን ዝነበረ ርሕቐት ኣለዮ፡ ዝበሉ ብጹዕእነቶም ኣስዒቦም፥ ኢየሱስ ነቲ ብዝለዓለን መዳርግቲ ብዘይብሉን ደረጃ ተኣፋፍነት ሰብኣዊ ፍጥረት ኵሉ ናቱ ገበሮ ቢሎም፥

ናይ ኢየሱስ ስቓይ ክፉት ናይ ምሕረት መትረብ እዩ፡ ገንዛእ ርእስና ኣብኡ ንኸንጸባርቕን ተኣፋፍነትና ድኻምነትን ኣብኡ ንኸነንብርን ይዕድመና፡ ምኽንያቱ ኣብቲ እንሓፍረሉ ድኻምነትና ንድኽነትናን እውን ከይተረፈ ዝኣትው ስለ ዘፍቅረና እዩ፡  ናይቲ ሞት ስዒሩ ናይ ዝተንስኤ ኣቑሳል ዘይበርስ ናይቲ ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ መግለጺ ዘርእን፡ ዝኾነ ይኹን ናይ ሓጢኣት ምስማርን ናይ ሕይወት ኣቑሳልን ጣዕሳን ነቲ ኣብ ልዕሌና ንዘንብሮ ምሕረት ዕንቅፋት ከምዘይኰኖ ይገልጸልና፡  

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣

ኢየሱስ ናይ ዓለም ስቓይ ኵሉ ተሰከሞ

ይፈርሁ ጥራሕ ዘይኮነ ይጭነቑን ይጠራጠሩን እውን ከምዝነበሩ ወንጌል የመላኽተልና፡ ንደቀ መዛሙርቱ መሲሕ ብርቱዕን ዘይሰዓርን እዩ፡ ስለዚህ ድማ መስቀልን ሞትን ኢየሱስ የጨንቖም፡ ኢየሱስ ከምዝብሎ እቲ ኩሉ ብዛዕባኡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተነግረ ክፍጸም ከምዝነበሮ ይነግሮም፥

በቲ ቃል ዝነበረን ስጋና ዝለበሰን ኢየሱስ ኣቢሉ እግዚኣብሔር ነቲ ስቓይ ኵሉ ናቱ ገይሩ ተበጀወና፡ እቲ እከይ በዚ መገዲ እዚ ጥራሕ ከምዝስገር ድማ ገለጸልና፡ እዚ ኸኣ ብምምላጥን ብሓይልን ዘይኮነ ብፍቕሪ፡ እግዚኣብሔር ነዚ እዩ ዝገበረ፡ እዚ እቲ ተሰሚዑን ተራእዩ ናይ ዘይፈልጥ ዘደንጽው ዕብየቱ መግለጺ እዩ፡ ፍቕሪ ኩሉ ናብ ጽቡቕ ከምዝቕይሮ ምፍላጥ እዩ፡ ንዅሉ መከራን ስቓይን እውን ክይተረፈ፡ እምበኣር ንዓና ትርጉም ፋሲካ እዚ እዩ፡ ፋሲካ ንዅሉ እቲ ኣብ ሕይወትና እምንሕልፎ ናብ ፍቕሪ ኣምላኽ ምስጋር እዩ፡

ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝተወሃበኩም ናይ ሕንጸት ሓላፍነት ኣይትፍርሑ

እቲ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምቲ ኣብ ኩሉ እቲ ናይ ሕይወትና ውሳጣዊ ዝኾነ ማእዝን፥ ኣብቲ ፍርህናን ምጥርጣርናን ዕጽውን ዝኾነ ቦታ ኩሉ ንኢየሱሱ ምእንጋድ ዝብል እዩ ዝበሉ ብጹዕነቶም ሎሚ እውን ኣብቲ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዝነብሩን ዘጽንዑን ዝዓዩን ኵሎም - ኢየሱስ ኣይትፍርሁ እንክብል ዘቕርቦ ዕድመ እዩ፥

ዘየተኣማምንን ዘይርጉጽን ብብዙሕ ለውጢ ዝተመልኤን ህልው ግዜ ኣብ ምግጣም ኣይትፍርሁ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵንነት ዝተሞርኮዘ ኣብ እዋንና ዝርአይ ‘ዕንወት ሕንጸት’ እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ ኩላትና ከም ስድራ ቤትን ከም ማሕበረሰብ ኣባይቲ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ተቕዋማትን ሃይማኖታትን መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ‘ብሱላት ሰባት ንምሕናጽን መንእሰይ ናይ ሕድሽ ጉዕዞ ተዋሰኢ ንኸውን ንኽንዓዪ ይዕድሙና፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

መበል 100 ዓመት ቅዋሜ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ዘኢየሱስ
19 April 2021, 19:59