ኣህጉራዊ ተሓድሶ ብመፈስ ቅዱስ ማህበር ኣወሃሃዲ ዣን ሉክ ሞአንስ ሓላፍነቶም የረክቡ ኣህጉራዊ ተሓድሶ ብመፈስ ቅዱስ ማህበር ኣወሃሃዲ ዣን ሉክ ሞአንስ ሓላፍነቶም የረክቡ  

ኣህጉራዊ ተሓድሶ ብመፈስ ቅዱስ ማህበር ኣወሃሃዲ ዣን ሉክ ሞአንስ ሓላፍነቶም የረክቡ

እታ ወጋሕታ ነዛ ውሳኔ እዚኣ ዝወሰድኩላ ዕለት ምስቲ ኣብ ሮማ ዝርከቡ መሳርሕተይ ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ማሕበር ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ብሓባር ጸሎተ ዘነግህ እናደገምናን ‘እግዚኣብሔር ሓዳስ መገዲ የርህው’ ዘርእስታ መዝሙር እውን ዘሚርናን ድሕሪ እታ መዝሙርን ጸሎትን ዝወሰድክዎ ውሳኔ እዩ

ናይ መላእ ካቶሊካውያን ማሕበር ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ዝጥርንፍ ዓለም ሓቆፍ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ብውሳኔን ድላይን ቅዱስ ኣቦና ናይ ዝቖመን፡ በወሃሃዲነት ንኽመርሑ ብቕዱስነቶም ዝተመዙ ተወላዲ በልጂም ፕሮፈሰር ሞአንስ  ኣብዚ ጽንኩር እዋን’ዚ ንስድራ ቤተይ ቀረባ ክኸውን ብዝብል ግላዊ ውሳኔ መሰረት ብገዛእ ፍቓዶ ካብ ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማህተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሸውዓተ ደቂ ዘለውዎም ተወላዲ በልጂም ኣብ 2018 ዓ.ም. ቦኽሪ ጓሎም ብብርቱዕ ሓሚማን ድርብ ልምሰት ኣካል ዘጓነፋን ኣብዚ ህልውን ጽንኵር እዋን “ንስድራ ቤተይ ኣዚየ ብዘይ ካልእ ተወሳኺ ሓላፍነት ቀረባ ክኸውን” ቢሎም፡ ዝሓለፈ ዕለት19 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ምስ ቅዱስ ኣቦና ተራኺቦም ከምዝነበሩን ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ እውን “ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ቤተይን ደቀይን ሓቲቶምንን . . . ኣበረታቲዖምንን ምእንቲ ንናይ ቤተይ ሰናይነትን ስድራ ቤተይን ዘማእከለ ውሳኔ ብነጻነት ክወስድ ምዒዶምንን እዮም። ድሕሪ ብዙሕ ጸሎትን ኣስተንትኖን ንቤተሰበይ ቀረባ ምዃን ዝብል ውሳኔ እወስድ . . . እታ ወጋሕታ ነዛ ውሳኔ እዚኣ ዝወሰድኩላ ዕለት ምስቲ ኣብ ሮማ ዝርከቡ መሳርሕተይ ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ማሕበር ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ብሓባር ጸሎተ ዘነግህ እናደገምናን ‘እግዚኣብሔር ሓዳስ መገዲ የርህው’ ዘርእስታ መዝሙር እውን ዘሚርናን ድሕሪ እታ መዝሙርን ጸሎትን ዝወሰድክዎ ውሳኔ እዩ፥ ኣብ ውሽጠይ ዓቢይ ህድኣት እውን ነገሰ” . . . ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ካብ ናይ ኣወሃሃዲ ሓላፊነቶም ክለቁ ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካንታላመሳ፥ ኣብነት ዣን ሉክ ሞአንስ ብፍጹን ዘይርሳዕ እዩ

ናይ ማሕበራት ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ኤቅለሳዊ ተራዳኢ ብጹዕ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላመሳ፥ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዣን ሉክ ሞአንስ ዓቢይ ኣብነት ዝሓደጉ እዮም . . . ብጸሎተይ ኣሰንየኩም ዝብል ሓሳብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፡ ካሪስ ዝብል መጸውዕ ስም ዝተወሃቦ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት ምንቅስቓስ ተሃድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ብውሳኔን ኣብ ከርሲ ኵላዌት ቤተ ክርስቲያን ዝምራሕ ብናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መሰረት ዕለት 8 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዝቖመ ኮይኑ፡ ናብቲ ዕለት 8 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ናይ መላእ ማሕበር ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ መርሕነት ኣካል ጉባኤ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ማሕበር ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ዘስተንፈሶ ጸጋ እዩ፡ ንዝተወሰነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጭቡጥ ኵነታት ዘገልግል ዘይኮነ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዘገልግል እዩ . . . ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጥምቀት ብመንፈስ ቅዱስ ዝኣምንን ዘረጋግጽን ንናይ ኣካል ክርስቶስ ሓድነት መጋበርያን ንኽርስቶስ ኣብ ድኻታትን ዝተናዕቁን ዘገልግል እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

31 March 2021, 23:34