ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር ኣብ ኢየሩሳሌም ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር ኣብ ኢየሩሳሌም  

ሳንድሪ፥ ህልው ኵነታት ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝገብሮ ምጽዋት ምእንቲ ቅድስቲ መንበር

ናእቲ ኵላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ምዃንና መሰረት ኣብ ቀራንዮ እዩ፡ ነዚ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብታ ዝለገሱልና ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ የብርሁልና

ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያ ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ዓርቢ ስቕለት ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ስነ ስርዓት ምእካብ ምጽዋት ምእንቲ ቅድስቲ መሬት ዝፍጸመሉ ዕለት ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ ህልው ኩነታት ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ክንክን ጥዕናን ኣብ ቅድስቲ መሬት ንዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ንኸቢድ ብሕትውና ከምዘቃልዖ ሓቢሮም፡ እዚ ኩነት እዚ ነቲ ምጽዋት ኣዚዩ ኣገዳሲ ይገብሮ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ሮበርታ ባርቢ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ሓመ ሞተ ተቐብረን ተንስኣ እሙታንን ዝብል ጭቡጥ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጢር ብቐረባ ንምስትንታንን ብመንፈስ እውን ናብ ኢየሩሳሌምን ንምንጋድ፡ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ መዓልቲ ዓርቢ ስቕለት ኣብ መላእ ክውላዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ቅድስቲ መሬት ምጽእዋት  እንእክበሉ ብምዃኑን እዚ ከም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን መደብ ክንሓብር ህልው ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ማሓድሮኣውን ሃይማኖታውን በቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ብዝነበሮን ብዝገለጾን ናይ ሕውነት ኣምር መሰረት ንኽንነብሮ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ተላብዮም ናእቲ ኵላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ምዃንና መሰረት ኣብ ቀራንዮ እዩ፡ ነዚ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብታ ዝለገሱልና ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ የብርሁልና።

ጸገማት ቅድስቲ መሬት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኾሮና ተሕዋስ እዚዩ ክብ ከምዝበለን

2020 ዓ.ም. ንኹሉ ናይ ዓቢይ ፈተና ዓመት ምንባሩ ኣብ መልእኽቶም ዝዘከሩ ብጹዕ ካርዲናል ሳንድሪ፡ እዚ ጽንኩር ኵነት’ዚ ኢየሩሳሌም ቅድስቲ ከተማን ኣብኣ ዝነብሩን ብጠቕላላ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ማሕበረ ክርስቲያን ህልው ኵነታት ከቢድ ከምዝገበሮን እቲ እነቕርቦ ሓገዝ “ወንጌላዊ ብርሃንን ጨውን መባዅዕትን” ክኸውን ዝደልይ ኵላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ዝምስክር እውን እዩ ከምምዝበሉ ዝሓበራ ባርቢ ኣስዒበን፥ . . . ማሕበረ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕ ካብ ነጋዶት ኣሕዋቱ ርሒቝን ተነጺሉን ብዙሓት እውን ነጋዶት ብምእንጋድ ዝመሓደር ብምዃኑ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ብዘይ በጻሕቲ ብምትራፉ ንስእነት ስራሕን ተቓሊዑ ይርከብ ከምዘሎን እቲ ለብዒ ብዘስዓቦ ዘሎ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ብተወሳኺ ኣብ 2020 ዓ.ም. እቲ ምእንቲ ቅድስቲ መሬት ዝእከብ ምጽዋት እውን ኣዚዩ ክጎድል ስለ ዝገበሮ፡ እዚ እውን ነቲ ናይቲ ከባቢ ማሕበረ ክርስቲያን ጸገም ከምዘብኣሶ ብጹዕነቶም ከምዘመላኸቱ ኣፍሊጠን።

ሕያዋይ ሳምራዊ ምዃን፥ ጐሲዮም ዝሓልፉ ኣይንዅን

ቅዱስ ኣቦና ማሕበረ ክርስቲያን ብኣብነት ሕይዋይ ሳምራዊ ፍቕሪ ዝምስክር ክኸውን የተሓሳስቡ፥ ተክለ ሰብነት ሕያዋይ ሳምራዊ ናይቲ ዘደንቕን ተሓባባርን ፍቕሪ ንኽንነብር ዘተባብዕን ኣብቲ ዝሳቐይ ሓውን ሓብትን ዘሎ መሰረታዊ ሕቶ ጽን ንኽንብልን ቀረባ ንኽንከውንን ዝጽውዕ እውን እዩ። ስለዚህ ሕቖና ሂብና እንሓልፍ ኣይንዅን፡ . . . እቲ ንሓው እነቕርቦ ሓገዝ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ከምዝብሎ ዝግብኦም ስለ ዝኾነ እዩ፡ እቲ ዘይብሉ ካብቲ ዘለዎ ተኻፊሉ ክነብር መሰሉን ግቡኡን እውን እዩ፡ . . .

ቅዱሳት ስፍራ ንከናኸን

ዝበሉ ብጹዕ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ መልእኽቶም፥ ቅዱሳት ስፍራ ምክንኻን ናይ ኵሉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሓላፍነት እዩ፡ ስለዝ ኣብዚ ኣግልግሎት’ዚ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክንዋሳእን እቶም ናይቲ ምእንቲ ድሕነትና ብፍቕሪ ስጋና ለቢሱ ናባና ናይ ዝመጸ ወልደ እግዚኣብሔር ትስብእቲ ዝምስክር ቅዱስ ስፍራ ማሕበረ ክርስቲያን ቀረባኦም ንኽንከውን ክርስቲያናዊ ሓላፍነትናን ጸዋዕታናን እዩ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ (2ቆሮ. 9 ፣ 6-7) “. . . እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዓጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዓጽድ። ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡ ከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሃበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ዚብሎ፡ ኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዅሉ ዅሉ ሳዕ ዚኣከል ኵሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዅሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባካትኩም፡ ጸብለል ኬብል ይከኣሎ እዩ” ብዝብል ቃል መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ባብሪ ሓቢረን።

ታሪኻዊ ኣመጻጽዓ ምጽዋት ዓርቢ ስቕለት ንቕድስቲ መሬት

ዓርቢ ስቕለት ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝእከብ ምጽዋት ንቕድስቲ መሬት ዝብል ሓሳብ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ምስ ቅዱሳት ስፍራ ዘለዎ ርክብ ከጽንዕ መታን ብዝብል ሓሳብ ጳውሎስ ሻድሻይ በታ  Nobis in Animo - መደባትና  ብዝብል ኣርእስቲ  ዕለት 25 መጋቢት 1974 ዓ.ም. ብዝደረሰው ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣቢሎም ዘበገስዎ ከምዝኾነን እዚ ኸኣ ቅዱሳት ስፍራ ንምክንኻንን ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ውሁዳን ማሕበረ ክርስቲያንን ንምድጋፍን ብዝብል ዕላማ ዘበገስዎ ከምዝኾነ ባርቢ የዘኻኽራ።

ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳት ስፍራ ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት ንፍራንቸስካውያን ኣሓው ዝተወሃበ ክኸውን እንከሎ በቲ እንእክቦ ምጽዋት ኣቢልና እውን ኣብቲ ፍራንቸስካውያን ኣሓው ኣብ ዘካይድዎ ኣገልግሎት ንተሓባበርን ንድግፎምን፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ መደብ ምእካብ ምጽዋት ናብ ዕለት 13 መስከረም ከምእተሰጋገረ ክዝከር ኣንከሎ ኣብታ ዓመት እቲኣ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ምስተን ንምስራቓውያን ብቢያተ ክርስቲያን ዝሓልያ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ብምትሕብባር ኣብ 24 ሃገራት ናይ ካህናትን ኣባይቲ ትምህርቲ ዕለታዊ መነባብሮ ካብ ምድጋፍ ሓሊፉ 303 ውጥናት ከምዘሳለጠ ባርቢ ሓቢረን።

12 March 2021, 14:47