ኮኽ፥ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ንምንቕቓሕ ንኡስ ሓባሪ ሰነድ

እቲ ናይ መወከሲ ሰነድ ብላቲን ቋንቋ Vademecum - ቫደመኵም (መወከሲ ሰነድ) ዝብል ኣርእስቱ መሰረተ ቃሉ Vieni mecum - ንዓ ምሳይ ዝብል እዩ እንክብሉ ኣብሪሆም፥ እዚ መወከሲ ሰነድ እዚ ንጳጳሳት ኣብ ጉዕዞን መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ኢየሱስ ጸሎቱ ዝገበሮ ምሉእ ሱታፌ ንምብጻሕ ንዝግበር ጉዕዞ ዝድግፍ

ናይ ዝተፈላለይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ንናይ ጳጳሳት ተልእኾ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ኣብ ምንቕቓሕ ዝድግፍ ግብራዊ ሓበሬታ ዘመላኽት Vademecum ecumenico - ንናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት መወከሲ ሰነድ ወግዓዊ ከምዝገበረ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓደ ጳጳስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ምንቕቓሕ “ግቡእ ሓላፍነታውን ግድነታውን” እምበር ንናይ ሓላፍነት ንጥፈታት ዝሕግዝ “ኣማራጺ” ኣይኮነን። እቲ ሰነድ ኣብዚ ኣምር እዚ ትሕዝቶኡ ዘስፍሕ፡ እቲ ሰነድ ዕለት 4 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይዅንታ ዝሃብሉን ጳጳስን ሓድነት ዝተፈላለያ ኣቢያተ-ክርስቲያንን፥ ናይ መወከሲ ሰነድ ብዝብል ኣርእስቲ ወግዓዊ ዝገበሮ ሰነድ ኣነጺሩ ዘቕርቦ ክኸውን እንከሎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ጓሳ ድጋፍን መልስን ክኸውን ዝደልይ ቅድሚ ዓመታት ካብ ዝተኻየዱ ርክባት ዝቐረበ ሓሳብን ምዕዳንን እዩ፡ ብዛዕባ ንንይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ምንቕቓሕ ተልእኾ ዝብል ሓሳብ ሓደ ክኾኑ መታን ዘርእስቱ ናይ 1995 ዓ.ም. ዓዋዲ መልእኽቲ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምኽንያት ናብቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘስመሩሉ ኮይኑ፥ ኣብ መልእኽቶም፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ይብሉ - እቲ ወግዓዊ ክኸውን ዝኾነ ሓድነት ዝተፈላለያ ኣቢያተ-ክርስቲያንን፥ ናይ መወከሲ ሰነድ ጳጳሳት ኵሉ ኣካለ ክርስቶስ ናብ ሓድነት ንኽብል ኣብ ዝፍጽምዎ ህርኵት ጻዕሪ ዘተባብዕን ዝመርሕን “ንመላእ ቤተ ክርስቲያን” ዝምልከት ከምዝኾነ ኣብቲ ሓባሪ ሰነድ ኣስተዋጽኦ ተመልኪቱ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብድሆ ንካቶሊካውያን

እቲ ሰነድ ክልተ ክፍሊ ዘለዎን እቲ ቀዳማይ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ምንቕቓሕ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለን እቲ ካልኣይ ኣብ መንጐ ያኣቢያተ ክርስቲያን ዝካየድ ርክብ ተኻኣሊ ዝገብሮ መገድታት ዝሕብር እዩ፡ ብኻልእ መዳይ እውን እቲ ናይ ሓባር ዘተ ናይ ሓበሬታ ኣገባባት ዝምዕብለሉ መቓንን ንምንቕቓሕ ዘገልግሉ መሳለጥያን ኩሉን ግብራእዊ ኣፈጻጽማኡን እዚ ኸኣ ኣብ ኩሉ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ናይ ቲዮሎጊያ መናብርተ ጥበብን ብዛዕባ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ስነ ዘተ ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ሕንጸት መደብ ክኸውን የተሓሳስብ`

ንቐዳማይ ስጉምት ስንድውነት

ናይቲ ሰነድ ካልኣይ ክፍሊ እንታይነት “ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ምንቅስቓስ” ይትንትን፥  ብዝተፈላለዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅርጽታትን ናይ ኤቅለስያን ሕይወት ደረት ትርኢት መሰረት እውን እንተኾነ “ሓንትን ዘይትገማማዕን” ዘማዕድውን ዝምስክርን ክኸውን ከምዘለዎ ብሰፊሕ የብርህ፥ ምእንቲ ሓድነት ምስ ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ብሓባር ምእንቲ ሓድነት ምጽላይ እቲ ሰነድ ነዚ ኪደት እዚ “ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር መንፈሳውነት” እንክብል ይገልጾ፡ ብዝተፈላለየ ናይ ሓባር መንፈሳውያን ዓበይቲ ሊጡርጊያውያን በዓላትን ባህላውን መደባት መሰረት ዝካየድ እውን ክኸውን የመላኽት፡ ኣስዒቡ እውን ብዛዕባ ናይ “ሓልዮት - ፍቕሪ ዘተ”ን ናይ ምርኻብ ባህሊ ዘነቓቕሕን ኣብ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ካልኦት መጺኦም ክራኸቡኒ ዘይብል ቀዳማይ ስጉምቲ ካባይ ዝብል ኣነባብራ ናይ ምርካብ ባህሊ ክነብር መታን። ተተሓሒዙ እውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ፥ እቲ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ሓዋርያው ግብረ ኖልዎ ዝተሳዅዔ ኮይኑ እቲ ናይ ሓባር ዘተ ግብራዊ ምግባር፥ ምትሕብባር ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ምእመናንን፥ ንኣብነት ሕይወት ኣብ ምክልኻልን ኣድልዎ ኣብ ምውጋእን፡ እቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ናይ ገዛእ ርእሱ ማሕታ ክህልዎን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ዝምስከር ክኸውን ከምዘለዎ እቲ ሰነድ ኣብሪሁ፥ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ - ባህሊ ክኸውን ዘኽእሎ መገድታት እውን ይሕብር።

ብዛዕባ እዚ ሰነድ እዚ ኣመልኪቶም ስም ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ናይቲ ሰነድ ኣድላይነት መዓዝ እዩ ዝተሓሰበ፡ ዕላማኡ ኸ እንታይ እዩ?

ንናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንናይ ሓባር ዘተ መወከሲ ሰነድ ኣብ 2016 ዓ.ም. ካብቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝነቐለ ሓሳብ ከምዝነበረ እዚ ጳጳሳት ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርትያን ንሓድነት ኣሚቱ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ኣገልግሎቶም ነዚ ሓድነት ኣብ ምንቕቓሕን ክስዕብዎን ክትግብርዎን ዝግባእ ኪደት ንምሕባርን ኣብዚ ጉዕዞ እዚ እውን ንምትብባዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ካብ ዝብል ምስትውዓል ዝተበገሰ እውን እዩ፡ እዚ ሓሳብ እዚ እቲ ሰነድ ወግዓዊ ብምግባር ኣብ ግብሪ ክውዕል እንከሎ በዚ ኣገባብ’ዚ እታ Ut unum sint - ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝኽሪ መበል 25 ዓመትን ነቲ መበል 70 ዓመት ቅዋሜ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ንዝክር።

ብፍሉይ ናብ ጳጳሳት ዝብል ሰነድ ስለምታይ ኣድለየ?

ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ኣብ ምንቕቓሕ ናይ ጳጳሳት ሓላፍነት ኣብ ሕገ ቀኖና ተመልኪቱ ኣሎ፡ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ንሓደ ጳጳሳት ናይ ክህነታዊ ተልእኾኡን ኣገልግሎትን ደረት ትርኢት ኣማራጺ ኣይኮነን፡ “ግቡእ ሓላፍነታውን ግድነታውን” እዩ።

እቲ ናይ መወከሲ ሰነድ ንምስንዳው ዝተኸወነ ኪደት እንታይ ይመስል?

እቲ ምስንዳው ኣስታት ሰለስተ ዓመት ዝወሰደ እዩ፥ ቀዳማይ ሓርፋፍ ሰነድ ብናይቲ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣባላት ዝቐረበን ስዒቡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይቲ ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ቀሪቡን ንዅሉ ናይ ኩሪያ ሮማና - ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅዱሳት ማሕበራትን ተመሓላሊፉን ዘድሊ ዝተወሃቦ ርእይቶን ሓሳባትን ኣሳዂዑ ምስ ተሰናደው ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተላኢኹን ይዅንታ ሂቦም ዘጽደቕዎን እዩ፡ ቅዱስነቶም ነቲ ሰነድ ናይ ሓባር ዘተ ንናይ ጳጳሳት ሓላፍነት ዘተባብዕን መርሓን እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎን ብጹዕ ካርዲናል ኮኽ ኣዘኻኺሮም፥ ነቲ ናይ 1993 ዓ.ም. ናይ ሓባር ዘተ መምርሒ መሰረት ዝገበረ እውን እዩ፡ ነቲ ናይ 1993 ዓ.ም. ሰነድ መሊሱ ዘቕርብ ናይ መወከሲ ሰነድ ዘይኮነ ጽማሬን ተኣዊኑን ናይ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዛዕባ ናይ ሓባር ዘተ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሃብዎ ምዕዳን ዝጸመረን ንጳጳሳት መምርሒ ክኽውን ብዝኽእል ኣገባብ ዝቐረበን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርቲያን ንናይ ሓባር ዘተ ግብራዊ ምዕባሌታቱ ኣስተንፍሶ ክኸውን ብዝኽእል ኣገባብ ዝቐረበ ምዃኑ የብርሁ።

ነቲ መወከሲ ሰነድ ጽማሬ ብኸመይ ትገልጽዎ?

እቲ ሰነድ ክልተ ክፍሊ ዝቖመን እቲ ቀዳማይ፥ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምንቕቓሕ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ እዩ፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኪደት ውህደት ተልእኾኣ እንታይ ትምሳሌኡ ዘብርህ እዩ፥ ኣብ ኪደት ናይ ሓባር ዘተ ዝዋስኡ ተቕዋማት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሰበኻን ብብሔራውን ደረጃን ብናይ ሰበኻታት መራኸቢ ብዙሓን ብኸመይ ይንበርን ይግለጽን ብሓፈሻኡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ መምርሒ ዘቕርብ እዩ፡ እቲ ካልኣይ ክፍሊ ኸኣ ርክብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ዝብል ኣራእስቲ ዘለዎ ኮይኑ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ካልኦት ማሕበረ ክርስቲያን መስተጋብራታ በርባዕተ ኣገባብ ይቕርብ፡ እቲ ቀዳማይ ኣገባብ መንፈሳውነት ናይ ሓባር ዘተ ዝብል ክኸውን እንከሎ እዚ ነቲ ንናይ ሓባር ዘተ ምንቅስቓስ ሕመረት እዩ፡ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝሕብሮ፡ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍትን ናይ ቅዱሳት ውህደትን ናይ ደም ውህደትን መሰረት ተዘክሮ ምንጻሕን ዘለዎ ኣገዳስነት የብርህ፡ እቲ ካልኣይ ኣገባብ፥ ናይ ዝስዋእ ፍቅሪ ዘተ ዝብል እዩ፡ ናይ ሓባር ርክብ ዘነቓቕሕ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ብቐጥታዊ ርክባትን ምትሕብባርን ዝነቓቕሕ፡ እቲ ሳልሳይ ኣገባብ ዘተ ኣብ ሓቂ (ሓቂ ዘማእከለ ዘተ)፥ እዚ ብቐጥታ ቲዮሎጊያዊ ዘተ ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ዘመላኽት እዩ፡ እቲ ሳልሳይ ኣገባብ ከኣ፥ ሕይወት ዘማእከለ ዘተ እዩ፥ ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ሰለስተ መሰረታውያን መትከላት፥ ክንክን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ምስክርነት ኣብ ዓለምን ባህልን ኣብ ዝብል መዳይ ምትሕብባርን ሓሳብ ምልውዋጥን ጉዳይ ዝምልከት እዩ።

ናይቲ ናይ መወከሲ ሰነድ ግብራዊ ጐድኑ ዝገልጽ ቃል እንታይ እዩ ትብሉ?

እቲ ሰነድ ናይ ዝሓለፉን ዝካየዱን ዘለዉ ናይ ሓባር ዘተ ታሪኻዊ ኪደት ዝትንትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንትግባሬኡ ዝድግፍ መርሕ እውን ዘቕርብ እዩ፡ ሓደ ጳጳስ ብሰበኻ ደረጃ ኣብ ጉዳይ ናይ ሓባር ዘተ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ክስዕቦ ዝግብኦ ግብርአዊ መገዲ ዘቕርብ እዩ፡ ከም መመላእታ እቲ ሰነድ ኣብ ዙሪያ ዓለም ሓቆፋዊ ቲዮሎጊያዊ ናይ ሓባር ዘተ ኪደታቱን ዝተመልከቶም ቲዮሎጊያውያን ኣርእስታት ሕጽር ብዘበለ ኣገባብ ዘመላኽት እውን እዩ።

ብጹዕነትኵም በቲ ሕትመት ናይ መወከሲ ሰነድ ኣቢልኵም እንታይ ትላበዉ?

ብዙሕ እዋን ደጋጊሞምን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ሓድነት - ውህደት ዝኽወን ኣብ ጉዕዞ እዩ” ከምዝብልዎ ምስ ክርስቶስ ብሓባር ኣብ ምጉዓዝና ንሱ ባዕሉ ነቲ ሓድነት ይኽውኖ፥ “ውህደት - ሓድነት ኣብ ፍጻሜ ዝብጻሕ ተኣምር ኣይኮነን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ዝኽውኖ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ዝረጋገጽ እዩ” (ዕለት 25 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ኣብ ክፍለ ከተማ ፎሪ ለ ሙራ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስነቶም ብምኽንያት ንናይ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ጸሎት ሰሙን ተረኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ዘስመሩሉ ሓሳብ)፡ እቲ ናይ መወከሲ ሰነድ ብላቲን ቋንቋ Vademecum - ቫደመኵም (መወከሲ ሰነድ) ዝብል ኣርእስቱ መሰረተ ቃሉ Vieni mecum - ንዓ ምሳይ ዝብል እዩ እንክብሉ ኣብሪሆም፥ እዚ መወከሲ ሰነድ እዚ ንጳጳሳት ኣብ ጉዕዞን መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ኢየሱስ ጸሎቱ ዝገበሮ ምሉእ ሱታፌ ንምብጻሕ ንዝግበር ጉዕዞ ዝድግፍ ክኸው ምንዮተይ እዩ እንክብሉ ለበዋኦም ገለጾም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።    

05 December 2020, 22:13