ናይ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናይ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ  

ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ቅዋመ ናይ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ - vatican.va

እንነብረሉ ዘሎና እዋን ተዘክሮ ዘህሰስን ዳርጋ ናይ ኣልቦ ተዘክሮ ግዜ ካብ ምዃን ሓሊፉ ክሳብ ናይ ገዛእ ርእስና ታሪኽ ዝርስዕ ኣብ ዝመስለሉ ዘሎ እዋን፥ ተዘክሮ ምንቅቓሕን ምትብባዕን መሰረታዊ እዩ፡ ምእንቲ`ዚ ናይ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ

ብብርቱዕ ድላይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 25 መስከረም 1995 ዓ.ም. ናይ ሃገረ ቫቲካን vatican.va ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ፥ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣናዊ ኣስተምህርቶታትን ሰነዳትን ብምቕራብ ኣሃዱ ዝበለ ኮይኑ፡ ሎሚ ንድሕሪት ምልስ ቢልካ ነቲ ዝሓለፈ 25 ዓመት ክትምልከት፡ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዝበጸሓሉ ደረጃ ዓቢይ ምዃኑ ተስተውዕል፡ ንእሽተይ ዘርኢ ሎሚ ዓቃቢ ተዘከሮ ንምዃን ዝበቕዐ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቡ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓዎሎ ሩፊኒ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እንነብረሉ ዘሎና እዋን ተዘክሮ ዘህሰስን ዳርጋ ናይ ኣልቦ ተዘክሮ ግዜ ካብ ምዃን ሓሊፉ ክሳብ ናይ ገዛእ ርእስና ታሪኽ ዝርስዕ ኣብ ዝመስለሉ ዘሎ እዋን፥ ተዘክሮ ምንቅቓሕን ምትብባዕን መሰረታዊ እዩ፡ ምእንቲ`ዚ ናይ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዝተሰረሓሉ መበል 25 ዓመት ክትዝክር፥ ንኽትዓብን ክትጸንዕን ንእዋናዊ ኵነት ናይ ዝለዓለ መጻኢ መቕረት ክህልዎን መታን ተዘክሮ ንኸይሃስስ ግዜ ዘቕርበልና ትዕግስቲ ነስተውዕል፡ ኣብ መልእኽቶም ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሩፊኒ ኣስዒቦም፥ ከም ሎሚ 25 ዓመት ዕለት 25 ታሕሳስ በዓለ ልደት ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለት እቲ vatican.va  ብዝብል  ኣድራሻ ከምዝቖመን፡ ኣብቲ እዋን ጋዜጣታት ከም ዜና ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ብዝብል ኣርእሰቲ ከምዘቕረበኦን፡ እቲ ሓቂ ኣብቲ እዋን ‘ንእሽተይ ዘርኢ’ ዝነበረ ኣብቲ ወትሩ ሓድሽ ኣብ ዝኸውን መሬት ተዘሪኡ ወትሩ ሓድሽ እናኾነ ይጥጥዕ ኣሎ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሎሚ ድሕሪ ርብዒ ዘመን እቲ ትምቢታዊ ተበግሶ እቲ ናይ ቫቲካን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ተራ መርበብ ዘይኮነ ናይ ተዘክሮን ናይ ሓባር ናይ ተዘክሮ ገጽ ኮይኑ ብዝተፈላለያ ቋንቋታት ብዅሉ ተበጻሕን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበርን ራዲዮ ቫቲካንን ዜና ቫቲካንን ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ምስ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣድራሻታት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰነዳትን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መልእኽታትን ሓዋርያዊ ምዕዶታትን ዓዋዲያን መልእኽትታትን ብዝቐልጠፈ ኣገባብ ንኹሉ ዘብጽሕ ኮይኑ ኣሎ።

ራዲዮ ቫቲካን ዝመጽእ ዘሎ ዓመት መበል 90 ዓመት ቅዋሜኡ ክበዓል እዩ፡ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ መበል 160 ዓመት ቅዋሜኡ ከብዕል እዩ፡ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ካብ ዝቐውም ሓሙሽተ ዓመቱ እዩ፡ ኣብ መንጐ እዚ ኹሊ ኪደት’ዚ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ ብዙሓት ኣንስትን ኣሰብኡትን ታሪኽ ኣሎ፥ ብድሆታት ዝገጠሙ ሰራሕተይናታትን ጋዜጠይናታትን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዓበየን እናተኣወነን ዝተፈላለየ ቋንቋ ኣብ ምጥቃምን ምስቲ እናማዕበለ ዝኸይድ ዕደ ጥበብ ብምቅርራብን ሎሚ መደባቱን ብመሰረት ደረት ሰገራውነት ትርጉም ከምዘለዎ የዘኻኽርን ኸኣ ዘለዎ ውስስነት ብዘይ ምስሓት ምዃኑ ሩፊኒ ኣብ መልእኽቶም የብርሁ።

ዘራኽብን ዝራኸብን፥ ርክብ እቲ እንነብረሉ ስፍራ እዩ፡ ናይ ቫቲካን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናጻን ኣብቲ ተዘክሮታትን ዝኽርን እናህሰሰ ዝኸይድ ዓለም ተዘክሮ ዘበራብርን ተዘክሮ ዝዕቅብን እዩ፡ ማሕበርሰብ ዘቕውም መርበብ ሓበሬታ፡ ስለዚህ መላግቦ ኣይኮነን፡ ማሕበርሰብኣዊ እዩ፡ ናይ ሓደ ታሪኽ ሓቀይና ምልኣቱ ዘራኽብ ብዝቐርብ ሓደ ከፊላዊ ጽማሬ ዘይረውይ እዩ፥ ምስቲ ኵሉ ውስንነቱ ምልኣት ሓቂ ዘቕርብ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

እታ መፍትሓዊት ዝኾነት ቃልን ዋልታዊ ኮኾብ ዘቕርብን፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍካሬታን ቃሎምን ስልጣናዊ ትምህርቶም ዘቕርብ፥ ነዚ ኹሉ ብዅሉ ተበጻሒ ኣብ ምግባር ዘገልግል፡ መበል 25 ቅዋሜ ወግዓዊ መረበብ ሓበሬታ ሃገረ ቫቲካን ከነብዕል ዝተፈጸመ ኪደትን ናይቲ ኪደት ጽባቔን ድኻሙን እቲ ዝኽየዶ ዘሎ መገድን ነስተንትንን ንቕድሚት ንብልን፡ ተበጺሑ ዝበሃል ኣይኮነን ወትሩ ኣብ ኪደትን ዕርያን ምዕባለን እዩ፥ እቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ እደ ጥበብ ዘይቀያየርን ዘይስጉምን ኣይኮነን። ነዚ ቀጻሊ ምዕባለ ንሰናይን ጽቡቕን ከብል መታን ናይ ሰባት ጽቡቕ ድላይ ኣገዳሲ እዩ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መበል 48 መልእኽቶም - መራኸቢ ብዙሓን “ናይ ምራኸብን ምትሕብባርን ስፍራ ኣብ መንጐ ኵሉ ንኽረጋገጽ ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ` ህያብ እግዚኣብሔር እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

24 December 2020, 16:27