ሰንበት፥ መዓልቲ “ትንሳኤ” ቃል ኣምላኽ ሰንበት፥ መዓልቲ “ትንሳኤ” ቃል ኣምላኽ 

ሰንበት፥ መዓልቲ “ትንሳኤ” ቃል ኣምላኽ

ቅዱስ ሄሮኒኖምስ ንቃል ኣምላኽ ዝነበሮ ዓቢይ ፍቕሪ ከም ኣብነት ክስዓብ እቲ ናይ መለኮታዊ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዘውጸኦ ሰነድ የተሓሳስብ፥

ናይ መለኮታዊ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ሰንበት መዓልቲ ቃል ኣምላኽ ብኸመይ ክበዓል ከምዘለዎ ዝሕብር ሰነድ ወግዓዊ ከምዝገበረን እቲ ሰነድ፥ “ኣብ ስርዓተ ቅዳሴ ዝንበብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ፥ እግዚኣብሔር ንሕዝቢ ዝዛረቦን  እቲ ዝብሰር ወንጌል ዘበስሮ ባዕሉ ክርስቶስ እዩ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 መስከረም 2019 ዓ.ም. “Aperuit illis - ንኣኣቶም ተኸፍተሎም (ተጋህደሎም) ብዝብል ኣርእስቲ ብዘለዎም ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት፡ ብላቲን ግጻዌ ኣብ ናይ ተራ ግዜ መርሓ ሊጡርጊያ ሳልሳይ ሰንበት በዓልን ኣስተንትኖን ምስፋሕን ቃል ኣምላኽ ንዝብል ሓሳብ ክወክፍ ከምዝወሰኑ ክዝከር እንከሎ፥ ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ቅዱስ መጽሓፍ ዘይምፍላጥ ክርስቶስ ዘይምፍላጥ እዩ ዝበለ ቅዱስ መጽሓፍ ናብ ቋንቋ ላቲን ዝተጐመ ቅዱስ ሄሮኒሞስ ኣብ ዝዘከረትሉን መበል 1600 ዓመት ምውላድ ኣብ ሰማይ ቤት ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት 30 መስከረም 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ዝበቕዔ ሰነድ እውን ምዃኑ ይዝከር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ናይ መለኮታዊ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዘውጸኦ ምምርሒ ኣበዓዕላ ሰንበት መዓልቲ ቃል ኣምላክ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ህይንተ ብጹዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራሕ ዕለት 17 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ክታሞም ዘንበሩሉ ኮይኑ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ኸኣ ምእመናን ኣብ ሕይወቶም ብፍላይ ከኣ ኣብ ሊጡርጊያ ምስ እግዚኣብሔር ህያውን ንቀጻሊ ዘዛትይ ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ኣገዳስነት ንኽስተውዕሉ ዝብል ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሰንበት መዓልቲ ቃል ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ገለ ገለ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰነዳት ብፍላይ እቲ ኣብ ዓሰርተ ነጥብታት ዝተዓንቀጸ Praenotanda dell’Ordo Lectionum Missae - መቅድማዊ ስርዓተ ንባባት ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰንበተ መዓልቲ ቃል ኣምላኽ ብኸመይ ኣገባብ ክበዓል ከምዘለዎ ዝሕብር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ንባባት ዘይምቅይያር

“ኣብ እዋን ሊጡርጊያ - መስዋዕተ ቅዳሴ ብዝንበቡ ምንባባት ኣቢሉ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ይዛረብን ወንጌል ዘበስር ከኣ ባዕሉ ክርስቶስ እዩ”፡ ሰንበት መዓልቲ ቃል ኣምላኽ፥ ቅዱስ መጽሓፍ ዝሓዘ ዑደት ክፍጸምን እዚ ዘይከኣል እንተድኣ ኮይኑ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ መንበረ ታቦት ክንበር ከምዘለዎን፡ ኣብዚ በዓል እዚ ኸኣ ናይ ዕለቱ ምንባባት ክቕየር ከምዘይብሉ ከመላኽት እንከሎ፡ ናይ ንባባት ግጻዌ ክስዓብ ከምዘለዎ ይምዕድ፡ እቲ ምንባብ ክንበብ እንከሎ ኣብቶም ዝሰምዕዎ ምእመናን ሓድነት የስርጽ፡ ቅድሚ ምንባብ ወንጌልን ድሕሪ ቀዳማይ ምንባብ ዘሎ ካብ መዝሙረ ዳዊት ዝውሰድ ንባበ ጸሎት ዘንብሮ ሕዝቢ ዝደግሞ ተደጋጋሚ ሓረግ ኣገዳስነቱ እውን የመላኽት፡ ስብከት፥ ካህን ጳጳስ ዲያቆንን እቲ ዝተነበ ወንጌል ብኹሉ ርዱእ ክኸውን እቲ ብቤተ ክርስቲያን ዝቐርበሉ ሓሳብ መሰረት ናብ ህዝቢ የቕርቦ፡ ድሕሪ ስብከተ ወንጌል ዝተነበን ዝተሰብከን ጸሎት ገርካ ንምቕራብ ክከኣል መታን ናይ ቁሩብ ደቓይቕ ናይ ጽሞና ህሞት ይግበር፡ ዝተነበ ቃል ኣምላኽ ንምውሳጥ ክከልኣ መታን ናይ ኣስተንትኖ ግዜ ክህሉን፡ እዚ ናይ ጽሞና ህሞት ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ ሰነድ የተሓሳስብ።

ቃል ኣምላኽ ዝንበበሉ ኣትሮኑስ

ካህን ዲያቆን ኣንባቢ ኵሉ ነቲ ኣብ ስርዓት ሊጡርጊያ ዝቐርብ ምንባብ እቐዲሙ ክሰናደወሉን ከንብቦን ክጽልዮን ምስቲ ዘበስሮ ቃል ድሮ ቤታዊ ኮይኑ ክርከብን፡ ምስንዳው ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ ሰነድ ብምዝኽኻር፥ እቲ ቃል እምላኽ ዝንበበሉ ስፍራ ወይ ኣትሮኑስ ክንክን ከምዘድልዮ እውን ይምዕድ፡ . . .

ኣርኣያ ቅዱስ ሄሮኒሞስ

ቅዱስ ሄሮኒኖምስ ንቃል ኣምላኽ ዝነበሮ ዓቢይ ፍቕሪ ከም ኣብነት ክስዓብ እቲ ናይ መለኮታዊ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዘውጸኦ ሰነድ የተሓሳስብ፥ ቅዱስ መጽሓፍ ናብ ቋንቋ ላቲን ዝተጐመ ቅዱስ ሄሮኒሞስ ኣብ ዝተስዘከረሉ ዕለት 30 መስከረም 2019 ዓ.ም. ተተሓሒዙ እውን መበል 1600 ዓመት ምውላድ ኣብ ሰማይ ቤት ዝተበዓለሉ ዕለት ቅዱስ ኣቦና፥ “ቅዱስ ሄሮኒሞስ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ተመራማርን ተንተናን ተርጓምን ጥልቂ ፍቕሪ ንቃል ኣምላኽ ዝነበሮን ኣስፋሒ ቃል ኣምላኽን” እንክብሉ ገሊጾም፡ ቃል ኣምላኽ ጽን ኣብ ምባል ገዛእ ርእሱ ዝፈለጠን ምስ ገዛእ ርእሱ ዝተራኸበን ናይ እግዚኣብሔርን ናይ ኣሕዋትን ወጅሂ ዘለለየን፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ጸኒዑ ሕይወቱ ምስ ማሕበራዊ ሕይወት ዘቓነየን እንክብሉ ብዝገለጽዎ ሓሳብ ከኣ እቲ ቅዱስ ማሕበር ወግዓዊ ዝገበሮ ሰነድ ከምዝድምድም ሰነድ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

21 December 2020, 15:04