ጋላንቲኖ፥ “ነቲ ሕዳሴ ምስጋና ይዅን ዝለዓለ ግልጽነት ክህሉ እዩ” ጋላንቲኖ፥ “ነቲ ሕዳሴ ምስጋና ይዅን ዝለዓለ ግልጽነት ክህሉ እዩ” 

ጋላንቲኖ፥ “ነቲ ሕዳሴ ምስጋና ይዅን ዝለዓለ ግልጽነት ክህሉ እዩ”

እቲ ቅዱስ ኣቦና ብዘለዎም ፍሉይ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን መሰረት ዝደንገግዎ ሓድሽ ሕጊ ናይ ነዊሕ መጽንዕትን ምኽክርን ውጽኢት እዩ፡ ካብ ርሑቕ ዝተበገሰን

ናይ ሓዋርያዊ መንበር ንብረት ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖ፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናይ ሃብቲ ገንዘብን ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረትን ናይ ምምሕዳር ስልጣን ናብቲ ናይ ሓዋርያዊ መንበር ንብረት ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ክመሓላለፍ ዝብል ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝብል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደንገግዎ ሓድሽ ሕጊ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ምሕደራ ለውጢ ምትእትታው ኣገዳሲ እዩ ነይሩ፡ እዚ ኸኣ ግልጽነትን  ወጻኢታን ሃብቲ ገንዘብ ምውፋርን ብርትዓዊ ኣገባብ ተፈጻሚ ክኸውን ዝብል እዩ”፥ ሃብቲ ገንዘብን ቁጠባን ናይ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ምሕደራ ማእከላይ መስመር ክሕዝ ኣብ ምግባር ወሳንን ኣገዳስን እዩ፡ ብዙሑ ጸገም ዝገፍፍ ርሑቕ ኣማቲ ውሳኔ እውን እዩ ኢሎም።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ብዘለዎም ፍሉይ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን መሰረት ዝደንገግዎ ሓድሽ ሕጊ ናይ ነዊሕ መጽንዕትን ምኽክርን ውጽኢት እዩ፡ ካብ ርሑቕ ዝተበገሰን በነዲክቶስ መበል 16 ዘይሕጋዊ ሓብቲ ገንዘብ ዘይሕጋውነቱ ንምኽዋል ኣብ ሕጋዊ ኤኮኖሚ ንምውዓል ዝግበር ዘይሕጋዊ ተግባር ንምቅጽጻር ብሓጺሩ ረሳሕ ሓብቲ ገንዘብ ንምሕጻን ዝግበር ገበን ንምቅጽጻር እንክብሉ ዘንበርዎ ውሳኔ መሰረት ዘበገስዎ ናይ ሕዳሴ ኪደት እዩ፡ ስለዚህ ካብ ርሑቕ ዝተበገሰ ሕዳሴ ኮይኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተግበርዎን ዝትግብርዎን ዘለዉ መደብ ሓዳሴ እዩ እንክብሉ ይገልጹ።

ካብቲ ሓድሽ ናይ ስልጣን ምትሕልላፍ ዝብል ውሳኔ እቲ ብልጫ ወይ ረብሓ እንታይ እዩ ትብሉ?

እቲ ረብሓ ኣብቲ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምልኩት እዩ፡ እዚ ኸኣ ግልጽነትን ሃብቲ ገንዘብ ምውፋር ብርትዓዊ ኣገባብ ተፈጻሚ ክኸውን ዝብል ምሕደራ እዩ እክብሉ የብርሁ።

እቲ ሕዳሴ ብርግጽ ካብ ርሑቕ ዝተበገሰ እውን እንተነበረ ክቀላጠፍን ኣብ ግብኡን ቅኑዕን እዋን ተፈጻሚ ክኸውን ዝደረኹ ጉዳያት እውን ኣጋጢሙ እዩ፥ እቲ ዘጋጠመ ጉዳይ ናይቲ ሕዳሴ መሰረት እውን እንተዘይኮነ ደራኺ ክትብሎ ዝከኣል እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን ጉዳያት እናመዛዘኑ ዘተኣታተዎ ሕዳሴ እዩ፥ እቲ ሕዳሴ ባዕሎም ኣቐዲሞም ዝሓቀንዎን ንምታይ ምዃኑ ኸኣ ነገራትን ኪደታትን እናንበብካ እትርድኦ ውሳኔ እዩ እንክብሉ ይምልሱ።

ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልእኾ መሳለጢ ብዝብል ዕላማ ዝእከብ ምጽዋት?

ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልእኾ መላእ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናን ይሳተፉ፡ እዚ ኸኣ ንኣስፍሆተ ወንጌልን ናይ ፍቕሪ ስራሕን - ግብረ ሰናይን ንዝብል ዕላማ እዩ፥ እዚ ዝእከብ ምጽዋት’ዚ እውን ር.ሊ.ጳ. ብዝህብዎ መምርሒ መሰረት ብናይ ሓዋርያዊ መንበር ንብረት ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈትን ዝመሓደርን ብናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝካየድን ምዃኑ ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

29 December 2020, 20:46