ሶሪያን ዒራቕን፥ ካርዲናል ሳንድሪ ንመንእሰያት መጻኢ ምቕራብ ሶሪያን ዒራቕን፥ ካርዲናል ሳንድሪ ንመንእሰያት መጻኢ ምቕራብ 

ሶሪያን ዒራቕን፥ ካርዲናል ሳንድሪ ንመንእሰያት መጻኢ ምቕራብ

ኣብ 2019 ዓ.ም. ብጹዕ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ ዒራቕ ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩ እውን ዘኪሮም እቲ ዝተገበረሎም ኣቀባብላ ብዅለን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ሃይማኖታት ዝተንጸባርቐ ከምዝነበረን፡ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዒራቅ ብመላእ ሕዝቢ እታ ሃገር እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝበሃሎም ከምዝኸውን ርግጸይና እየ

ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጽዕ ካሪዲናል ሳንድሪ፥ ነቶም ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ንነጀው ኣብ ዞማ ማእከላይ ምብራቕ ብዝረአይ ግጭት ምኽንያት ባህሎም ክቕበር ዝርእዩ ንዘለዉ ማሕበረ ክርስቲያንን ሕዝቢ ሶሪያን ዒራቕን እናሓሰቡ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸሶ ናብ ዒራቕ ንኸካይድዎ ብመደብ ተታሒዙ ዘሎ ሓዋርያዊ መገሻ ንማእከላይ ምብራቕ ሰብኣውን ታሪኻውን ሃብቲ ዳግም ዝሃንጽ ተስፋ ከምዝኸውንን ኣብቲ ከባቢ ተስፋ ዘነቓቕሕ ከምዝኸው ዘለዎም እምንቶ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ንኸካይድዎ ተወሲኑ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ብዓንተውኡ ንምድላውን ናይቲ ከባቢ ህልው ኩነታት ብዕምቆት ንምምልካት ዝሳለጥ ዘሎ መደብ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝካየድ እውን እንተኾነ ኩሉ ከምዝፈልጦ ማእከላይ ምብራቕ ሎሚ እውን ኣብ ውግእን ግጭትን ከይደለኻ ንስደት እትግደደሉን ኩነት ዘሎ እውን እንተኾነ፡ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ዒራቕ ታሪኻዊ ጥራሕ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ፡ ናይ ዝለዓለ ትብዓት መግለጽን ናይ ዘተን ዕርቅን መገዲ ዝጸርግን እቶም ምእንቲ እዚ ክብሪ እዚ ሕይወቶም ዝኸፈሉ መስዋዕትቶም ዘለዎ ልዑል ትርጉም ብኣጽንዖት ዘመላኽት እዩ ኢሎም።

ኣብዚ ብዝመነ ምጽኣት ምኽንያት ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ካንታላመሳ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 11 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፥ ነቢይ ኢሳያስ ንህዝበይ ኣጸናንዑ ኣጸናንዑ ይብል ኣምላኽኩም! ዝበሎ ቃል ኣዘኻኺሮምና ነይሮም፥ ንኣይ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናብ ዒራቕ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ነታ ብውግእን ኣሳዶን ተነጽሎን ብፍላይ ማሕበረ ክርስቲያን ንስደት ዝዳረገላን  ሃገርን ሕዝባን ብጠቕላላ ንዅለን ሃይማኖታትን ባህልታትን ሃገረ ዒራቕን ናይ መጸናንዒ ወስታ እዩ።

ኣብ 2019 ዓ.ም. ንናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ናብ ዒራቕ ምብጻሕ ከካይድ ዓቢይ ድላይ ኣሎኒ” እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ ካርዲናል ሳንድሪ ዘኪሮም፥ ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዙ እቲ ምጽንናዕን ምትብባዕን ዘቕርብ ናይ ቅዱስነቶም ድላይ ክተግብር ዘኽእል ተስፋታት ክርህዉ ከምዝጀመረን ገሊጾም፡ እቶም ምስቲ ዅሉ ስቓይን መከራን ኣሳዶን ምስ ሕዝበይ ኣብ ቅድሚ ዝበሉ ጓሶት ድንን ክንብል እዩ ዝግብኣና፡ ናይቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣባጊዑ ጠንጢኑ ዘሃድም ኣብነት ብቓልን ተግባርን ዝነብሩ ስለ ዝኾኑ፡ እዚ ንካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዝምልከት ጉዳይ እዩ፡ ብዙሓት ምስ ሕዝቦም ኣብኡ ኣለዉ፡ ኣብ ማዕበልን ነውጽን እምነት ናይ ምንባር ኣብነት እያቶም፡ ስለዚህ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ምብጻሕ እቲ ኢየሱስ ዝጽግምዎ ምጽንናዕ ኣብ ማሕበራዊ ክውንነታትን በርገሳውያንን ፓለቲካን ንመላእ እታ ሃገር ዘቕርብ እዩ፡ ንመላእ እቲ ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ተስፋ ደወል እዩ ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይታ ሃገር ማዕቅፍ ናይ ሱታፌን ናይ ፍቕሪ እግዚኣብሔር መሰኻኽር ኣብ ምዃን ዘተባብዕ ምብጽሕ እዮም ዘካይዱ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ከባቢ ሒዞምዎ ዝኸዱ ናይ መንነት ወረቐቶም ኵላትና ኣሕዋት ዝብልን እቲ ናይ ኣቡ ዳቢ ሰብኣዊ  ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ እዩ፡ ኣጽዋሮም ናይ ምርኻብን ፍሽኽታን ናብቶም ድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተሓረጉን ዝብል እዩ፡ ነዚ ሒዞም እዮም ዝኸዱ፡ ሓድሽ ፍትሕን ሰላምን ናጽነትን ምኽባር ናይ ሰብኣዊ  መሰልን ክብረትን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ዳግም ንምሕናጽ ዘተባብዕ እዩ፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. ብጹዕ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ ዒራቕ ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩ እውን ዘኪሮም እቲ ዝተገበረሎም ኣቀባብላ ብዅለን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ሃይማኖታት ዝተንጸባርቐ ከምዝነበረን፡ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዒራቅ ብመላእ ሕዝቢ እታ ሃገር እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝበሃሎም ከምዝኸውን ርግጸይና እየ እንክብሉ ይገልጹ።

ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተስዱ ማሕበረ ክርስቲያን ከም ኵሉ ዜጋ ጸጥታን ደሕንነትን ውሑስ ኮይኑሎም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተስፋ እገብር፡ መብዛሕቲኦም ንኽምለሱ ዝደልዩ እያቶም፡ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ቅዱስ ማሕበር እውን ኣብዚ መዳይ’ዚ ዘድሊ ድጋፍ የቕርብን መንእሰያት ምእመናን ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ይሓንጽን፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሎም እውን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ክነጥፉን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ገዛእ ሃገሮም ኣብ ምሕናጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ግደኦም ከበርቱ ይተባብዑን፡ እዚ ኸኣ ብመሰረት ወንጌላዊ መትከል ኣቢሉ ዝኽወንን፡ ኣብ ኢየሱስን ወንጌሉን ኣስተንፍሶ ገይሩን ኵላትና ኣሕዋት ኢና ዝብል እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም። 

15 December 2020, 16:09