ፓሮሊን ንቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፥ ክርስትያን ናይ ኤውሮጳ ሕመረት ይዅኑ ፓሮሊን ንቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፥ ክርስትያን ናይ ኤውሮጳ ሕመረት ይዅኑ 

ፓሮሊን ንቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፥ ክርስትያን ናይ ኤውሮጳ ሕመረት ይዅኑ

እቲ ንኤውሮጳ ኣብዚ እዋናዊ ዘይተረጋገጸን ኵለ መዳያዊ ጸገምን ለብዒ ኾሮናን ነዚ ስዒቡ እውን ዝርአይ ዘሎ ቅልውላው ክንክን ጥዕናን ኤኮኖምን ማሕበራውን እትነብሮ ዘላ ህልው ኵነት ዝትንክፍ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ኩነት እዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ብዓቢይ ቀናእነት ተልእኾኣ ንኽተካይድን ናይ እምነትን ሓድነትን ምትሕብባርን ተስፋን መልእኽቲ ብምቕራብ ኣበርክቶኣ ንኽተቕርብ ዝተጸወዔት ምዃና

ግደ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማሕጸን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብዛ ጥንታዊት ክፍለ ዓለም ሓቀይና ክርስቲያናዊ ምስክርነት ኣብ ተቕዋማት ኤውሮጳ ንምቕራብ ኣብ ምትሕብባር ዓውዲ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያትን ዝብሉ ኣርእስታት ኣማእኪሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 28 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ንናይ መላኣ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ቅዋመ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ዝተኻየደ ምሉእ ሓፈሻዊ ጠቕላሊ ዓውደ ጉባኤ ብመርበባዊ ውሕዘት ኣቢሎም ብዘስምዕዎ መደረ ከምዝኸፈቱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ንናይ መላኣ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ብዝኽሪ ቅዋሜኡ መበል 40 ዓመት ምኽንያት ንዘካየዶ ምሉእ ሓፈሻዊ ጠቕላሊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ መኽፈቲ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላምታን ቡራኬን ወሃቢ ቃል ኮይኖም ብዘስምዕዎ መደረ ከምዝኸፈቱ ዝሓበራ ቸራዞ ኣስዒበን፥

ቤተ ክርስቲያንን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ኵለንተናዊ ኤውሮጳን

እቲ ናይ ካርዲናል ፓሮሊን መደረ፥ እቲ ንኤውሮጳ ኣብዚ እዋናዊ ዘይተረጋገጸን ኵለ መዳያዊ ጸገምን ለብዒ ኾሮናን ነዚ ስዒቡ እውን ዝርአይ ዘሎ ቅልውላው ክንክን ጥዕናን ኤኮኖምን ማሕበራውን እትነብሮ ዘላ ህልው ኵነት ዝትንክፍ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ኩነት እዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ብዓቢይ ቀናእነት ተልእኾኣ ንኽተካይድን ናይ እምነትን ሓድነትን ምትሕብባርን ተስፋን መልእኽቲ ብምቕራብ ኣበርክቶኣ ንኽተቕርብ ዝተጸወዔት ምዃና ከምዘመላኸቱ ይሕብራ።

ብጹዕነቶም ኣብ 1950 ዓ.ም. ናይ ሮበርት ሹማን ውሳኔ ንናይ ኤውሮጳ ውህደት መሰረት ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኸኣ ሓድነት ሰገር ብሔራውነት ዝብል መደብ ዘበገሰ እዩ፡ ናይ ሰላምን እቲ ንኤውሮጳ ዘድመየ ብሔርተይናነትን ንምስናፍ ዝመርሔን፡ እዚ ብፒዮስ መበል 12 ዝተደገፈን ደሓር እውን ብጳውሎስ ሻድሸይን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ናይ ኤውሮጳ ሓለውቲ ቅዱሳት ክህልዉ ብዝገበሩ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 11 ጥቅምት 1988 ዓ.ም. ደሓር እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ዘካይድዎ ምብጻሕን፥ ቅርበት ቤተ ክርስቲያን ንኤውሮጳ ዘረጋገጽን ዘጽንዕን ኮይኑ፡ ፍራንቸስኮ ድሕር ካብ ሽሕ ዓመታት ንላዕሊ ዘይኤውሮጳዊ ር.ሊ.ጳ. ምዃኖም እውን ብጹዕነቶም በዚ ኣጋጣሚ እዚ ከምዘዘኻኸሩ ቸራዞ ይሕብራ።

ናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ሽማግለ

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ዕለት 3 መጋቢት 1980 ዓ.ም. ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ቡጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረትን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ድርገትን ምስ ተቕዋማት ዘለዎ ርክብን ሕድ ሕዳዊ ግልጽን ክፉት ዝኾነ ምቅርራብን ኣብ ኤውሮጳ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሕውነታዊ ምትሕብባር ምስ ሕብረት ኤውሮጳን፡ እዚ ምትሕብባር’ዚ ብመንጽር ናይ ክርስቶስ ናይ ወንገል ሓሴት ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምንቕቓሕን ንምክልኻልን፡ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ናይ ኤውሮጳ ተቕዋማትን መቓርቦ ስነ ሜላው ተራኽቦ ከምዝኾነን፡ ኣብዚ ርክብዚ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረትን እቲ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዝሓቁፍ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ድርገትን ቀንዲ ዕላማኡ ኸኣ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከምዝኾነን ስነ መላዊ ርክባት እውን ዝድምር እዩ ከምዝበሉ ችረዞ የመላኽታ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኤውሮጳ ራእይ

እቲ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ፥ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ብዘስምዕዎ መደረ ዝኸፈቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን፥ እቲ ጉባኤ ንመላእ ኤውሮጳ ብዛዕባ እዋናዊ ብድሆታት ዝዛረብ ድምጺ ኣብቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድምጺ ዝሓብር ናይ ቤተ ክርስቲያን ድምጺ እዩ፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማራኺ ሓሳብ፥ ኤውሮጳ ኣብ መጻኢኣ ንኽተስተንት ዝዕድም ኮይኑ፡ እዚ ኸኣ ኤውሮጳ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ታሪኽ ዘለዋ ማእከላዊ ግደ ተሓሳቢ ዝገበረ እዩ። ቅዱስነቶም ንኤውሮጳ መምርሒ ንምሃብ ዘይኮነ ኤውሮጳ ክትዋሳኣሉ ኣለዋ ዝብልዎ መሰረታዊ ባእታ ዘማእከለ ሓሳብ የቕርቡ።

ንበይኑ ዝድሕን ሓደ’ኳ የሎን

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣንፊ ረቂቕ ወይ ዘይጭበጥ ኣይኮነን፡ ወትሩ ሰብ ዘማእከለ እዩ፡ ኣብ ናይ ኤውሮጳ ዘተ ሰብ ክማእከል ዝብል እዩ፡ ሰብ፥ ኣብ ማሕበራዊ ኣካሊት ዝተሳኾዔን እዚ ኽኣ ብናይ ምሕደራ ሜላ ዘይመክን ናብ ብሓንሳብነት ዘይጐድል መንነት ዘለዎ እዩ፡ ስለዚህ ሰብ ብጦብላሕታኡን ተስፋታቱን ዝምድናታትን ጭቡጥ ብምዃኑ ናይ መሰልን ክብርን በዓል-ቤት ከምዝኾነ ዘነጽር እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝመልዎ፥ “እቲ ዓቢይ ስግኣት ከኣ ናጽነት ዝብል ቃል ኣብዚ እዋን ዝወሃቦ ጉጉይ ኣገላልጻ ከምዝኾነን፡ ካብዚ ጉጉይ ርድኢት ናጽነት ዝምንጭው ሰብ ብይኑ ከምዘሎ ካብ ዝኾነ ይኹን ምትእስሳር ዝተነጸለን ነዚ ስዒቡ ትርጉም ኣባልነት ዘጥፍኤ ሕብረተሰብ እዩ”።

እቲ ተኸሲት ዘሎ ለብዒ ሎሚ ናይ ሕይወት ኣገባባትና ንኽንቅይርን ጸገማትናን ምግምምዕን ንኽንሰግር እንኰ ብቕዓት ዝኾነ ማሕበረ-ሰብኣዊ መንነትና ንኽንረክብ ይዕድመና፡ እቲ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረትን ናይ ህብረት ኤውሮጳ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ድርገትን፥ ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ዓቢይ ግደ እዩ ዘለዎም፡ ቅድም ቀዳድም ኤቅለሲያዊ ሱታፌ ኣባል እንኮ ማሕበረ-ሰብ ምዃንን ንምባርን ንምጽናዕን ኮይኑ እቲ ኣብ መንጐ ሕዝብታት ዘሎ ብዝሑነታዊ ፍልልያት ንምብርታዕ ዘይኮነ፡ ናይ ክፍለ ዓለምና ሃብትታት ንምፍላጥ ዝድርኽ እዩ ከምዝበሉ ቸራዞ ሓቢረን።

ክርስቲያናዊ ምስክርነት ኣብ ኤውሮጳ

ሎሚ እውን ክርስቲያናዊ ምስክርነት ናይ ኤውሮጳ ኣካሊት ኣተኣሳሳሪ እዩ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናይቲ ምስክርነት ኣርባዕተ መርሖ የመላኽቱ፥ እዚ እቲ ቀዳማይ ሕልሚ፥ ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት መሓዛን ሰብ ( . . . )፥ እቲ ካልእይ ሓንቲ ስድራን ሓደ ማሕበረ-ሰብን ( . . . )፥ ተሓባባርነት ለጋስነትን ( . . . )፥ ጥዑይ ዓለማውይነትን ( . . . ) ዝብል ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ብጹዕነቶም ኣስዒቦም፥ ኤውሮጳ መሓዛ ሰብን ብፍላይ ከኣ ሓንቲ ኤውሮጳ፡ ሰብ ኣብ ሓቅነቱን ኵለንተናውነቱን ክብሪ ሰገርነቱ እተኽብርን እተፍቅርን” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም፡ እዚ መሰረተ እዚ እቲ ናይ ፖለቲካ ኣካል ዝህቅኖ ስርዓተ ሕጊ ዘመስርቕን ዝሕንጽጽን ዝትንትንን ገምጋም ዝገብርን እዩ፡ እዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ  ፍጥረት ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምኽባር ዝብልን ኣተሓሒዞም እውን፡ ነታ ናይ ሕብረተሰብ ሕመረት ዝኾነት ኣብ ጽኑዕ ውህደት ሰብኣይን ሰበይትን እትጸንዕ ስድራ ቤት እተከላኸልን እንተነቓቕሕን መታን ክትከውን ከምዝበሉ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ሚሳል “ፍሉይነት ሰብ” ዘተሓሳስብ ሕጊ የቕርብ

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ሓጋጊ ኣካል ይብሉ ብጹዕነቶም፥ ብናይ መንግስቲ ድላይ ጥራሕ ዝድረት ናይ “ውልቀ-ሰብ ናይ ግሊ መሰል” ዝብል ክልሰ ሓሳብ ዘቃልሕ እዩ ዝመስል፡ በዙሕ ግዜ ጸጥታን ደሕንነትን ኣሸበርትን ዘይሕጋዊ ሃብቲ ገንዘብ ንምሕጻብ ዝግበር ገበናዊ ኪደት ንምውጋእ ብዝብል ኣመለኻኽታ ኣብ ግብሪ ክውዕል ይረአ። ንኣብነት ስቓይ ዘይብሉ ሞት ዝብል ኣመለኻኽታን መርዓን ካልእ ዝተፈላለዩ ዓይነት ጥምረት ኣብ ማዕረ ጽፍሒ ንምቕማጥን ካብቲ ብህብረ በዓል ቤታውነት ናይ ዝቐውም ኩሉ ዜጋ ብማዕረ መሰልን ግቡእን ዝነብረሉ ናይ ሕብረተ-ሰብ ኣባል ምዃን ካብ ዝብል ሓቂ ዘባትኽን፡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ “ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መሰረት ሰብን ማሕበረ-ሰብን እዩ፡ ከም ክርስቲያን ኣብ ሕንጸት ግደ ዘለዎን፡ ኣብዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ካብ ወንጌል ዝምጭው፡ ንሰብ ፍቕርን ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ጽንኩር ኩነትን ሕማምን ከቢድ ጾርን ዝርከቡን ስደተይንታትን . . . ካብ ወንጌል ዝምንጭው ፍሉይ ሰብኣውነት ትምስክር። . . . ካብ ወንጌል ዝምጭውን ብወንጌል ዝኹላዕ ፍቕሪ ትምስክር፡ ሓቂ ንኽትምስክር እውን ዝተጸውዔት እያ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ግደ ናይ ፖለቲካ ሉኣላውነት ብምኽባር ዝድግፍን ዝሓንጽን . . . ንናይ ሓባር ረብሓ ዝብል ምዃኑ ከምዝብርሁ ኣፍሊጠን።

ናይ መላኣ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብጽዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጥምረት ምስ ናይ ኤውሮጳ ተቕዋማት ዝተሓባባር ኣካል እዩ፡ ከም ኣብነት ኣብዚ እዋን እዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ዝቖመ ናይ ቫቲካን ኮቪድ - 19 ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ጠቒሶም፥ እዚ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ሕውነታውነት ዳግም ንምርካብ ዝድግፍን ክንክን ጥዕና ንዅሉን ጸረ ኮቪድ ናይ ክትባት መድሃኒት ክርከብ ንዝግበር ጻዕሪ ዓቕምን ሃብቲ ገንዘብን ምውፋርን እቲ ዝርከብ መድሃኒት እውን ንዅሉን ናይ ኵሉን ንኽኸውን ንምትብባዕ እዩ፡ . . .

ስደተይናታት፥ ናይ ዱብሊን ውዕሊ ዳግም ምምልካት

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም፥ ብዛዕባ እቶም ዝበለጸ መጻኢ ንኸናድዩን ወይ ውን ካብ ኣሳዶን ውግእን ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ዝስደዱ ጠቒሶም ናይዞም ኣሕዋትና ጸገም ነተን ዝኣትዉለን ሃግራት ምሕዳግ ነተን ዝኣትውለን ሃገራት ከቢድ ጸገም እዩ፡ ምእንት’ዚ እቲ ናይ ድብሊን ውዕሊ ስደተይናታት ዝምልከት፡ ስደተይናታት ኣብ ዝኣትውለን ሃገራት ኤውሮጳ ጉዳዮም ይፈታሕ ዝብል መምርሒ ዳግም ምምልካት የድሊ፡ ከምዚ ክኸውን እናተገበኦ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ብዛዕባ ጸጥታን ደህንነት ዶባት ብዝብል ኣመለኻኽታ ነቲ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ተመልኪቱን . . . ምእንጋድ ዘድልዮም ክነሶም ናብ ዝመጹለን ሃገራት ንምስጓግ ኣብ ዝብል ሓሳብ ምምይጥ ከምእተኻየደን እዚ ኸኣ ነቲ ጸገም ዝፈትሖ ዘይኮነ ዘብእሶ ምዃኑ ከምዘብርሁ ዝሓበራ ቸራዞ ኣስዒበን፥

ከባቢ፥ ሓምላይ መደብ ዘርብሕ እዩ

ቅዱስ ኣባና ማሓድራኣዊ ለውጢ ከምዘድሊ ደጋጊሞም ጻውዒት የቕርቡ፥ እዚ ኸኣ ንድኻታትን ንመጻኢ ወለዶ ፍትሒ ምዃኑ የብርሁ፥ ነዚ መሰረት ገይሮም፥ ሓምላይ መደብ ዘርብሕ ከምዝኾነ ኣመላኺቶም፡ ክሳብ 2050 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ መላኣ ኤውሮጳ ሓምላይ ኤኮኖሚ ሰዓቢት ክትከውን ዝብል ውጥን ከምዘሎ ዘኪሮም፡ ብርግጽ ኣገዳሲ እዩ፡ ኤውሮጳን መላእ ዓለምን ዘርብሕ እውን እዩ፡ . . . ህልው ኩነታት ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ፈጣን ምቅይያር ናይ ከባቢ ኣየር ጠባይን ናብ ሓምላይ ኤኮኖሚ ዝድርኸና እዩ ክኸውን ዘለዎ ከምዝበሉ ቸራዞ ይሕብራ።

ብስነ ኣሕዝ ዝተራቀ ኪደት ንዘስዕቦ ስግኣት ኣትኵሮ ምግባር

ብጹዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ኪደት ዘኪሮም፡ ኩሉ ስነ ኣሃዛዊ ክኸውን ዝግበር ጻዕሪ ዝነኣድ እዩ ይኹን ደኣ እምበር ከስዕቦ ዘኽእል ጸገምን ስግኣትን ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም፥ ምዕሩይ ተጠቓምነት ክህሉን ኵላዊ ክኸውንን ናይ ኣጠቓቕማ ስነ ምግባር የድልዮ፡ . . . እቲ ናይ ስነ ኣሃዝ ባህሊ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዘዕድይ ከይኸውን ምጥንቃቕ የድሊ . . .

ምስ ኣፍሪቃ፥ ኵለንተናውን ምሉእን ጸንባርን ምዕባለ

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ነተን ናይዚ ሕብረት ኣባላት ንኽኾና ንዝዳለዋ ሃግራት ቆላሕታ ከምእትገብርን እቲ ሕብረት ምስ ኣፍሪቃ ጥብቂ ርክብ ክህልዎን ትላበው፡ ኤውሮጳ ስደተይናታት ኣብ ምቕባል ጥራሕ ከይተሓጸረት ምስ ኣፍሪቃ ጥብቂ ምትሕብባር ክህልዋን ኣብ ኣፍሪቃ ኵለንተናዊ ምዕባለ ክህሉ ኣብ ምድጋፍን ምትሕብባርን ክትተግህ ኣለዋ፡ . . .

ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ኤውሮጳ መጻኢ ተሳታፍነት

ኣብ መንጐ ተቕዋማትን ሕዝብን ርክብ ክህሉን ናይ ሕዝብን ብፍላይ ከኣ ናይ መንእሰያት ሕልምን ተስፋን ከይከሓድ መታን . . . እቲ ናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብጽዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጥምረትን እቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ሕብረትን ኣብ ሕንጸት ናይ ኤውሮጳ መጻኢ ዓቢይ ግደ ከምዘለዎን እዚ ኸኣ ሕብረት ኤውሮጳ ብመንጽር እዋናዊ ብድሆታት ዳግም ምስትውዓል ኣብ ዝብል ኪደት ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘለዎ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም . . . ዘተን ግልጽነትን እተነቓቕሕን እዚ ብመሰረት ናይ ሕብረት ኤውረጳ ዓንቀጽ 17 መሰረት ምዃኑ ሓቢሮም . . . ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ቸራዞ ሓቢረን።።

02 November 2020, 21:10