ሰነድ ዛዕባ ማክካሪክ፥ ዘሳቕይ ሰነድ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ትምህርቲ ሰነድ ዛዕባ ማክካሪክ፥ ዘሳቕይ ሰነድ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ትምህርቲ  ርእሰ ዓንቀጽ

ሰነድ ዛዕባ ማክካሪክ፥ ዘሳቕይ ሰነድ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ትምህርቲ

ንፈለማ ግዜ ኣብቲ እዋን ትሕቲ ዕድመ ዝነበረ ዜጋ ክሲ ምስ ኣቕረበ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቐጥታ ነቶም ክስ ዝቐረበሎም መክካሪክ ኣብ 2006 ዓ.ም. ካብ ብሓላፍነቶም ንኽለዓሉ ህጹጽን ቆራጽን ውሳኔ ኣመሓላሊፎም እዮም፡ ቅድም ማዕርገ ካርዲናልነቶም ክለዓል ደሓሪ ካብ ሓላፍነቶም ኵውገዱን ማዕርገ ክህነቶም ክቕንጠጥን ገይሮም እዮም

ዛዕባ ነበር ካርዲናልን ናይ ዋሽንግቶን ሊቀ ጳጳሳትን ማዕርገ ክህነቶም ዝተቐንጠጡን ብንጹር ዘብርህ ኣብ ዝተወሃቡ ምስክርነት ዝተሞርኮዘ ተግባራቶም ብሰፊሕ ዝሕብር ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዝተሰናደወ ሰነድ ወግዓዊ ከምዝኾነን ነቲ ሰነድ ኣማእኪሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ - Andrea Tornielli ኣብ ዘቕረብዎ ናይቲ ሰነድ ጽማሬ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2000 ዓ.ም. ተኦዶረ መክካሪክ ናይ ዋሽንግተን ሊቀ ጳጳሳት ንኽኾኑ ቅድስቲ መንበር ከምዝሰመየቶምን ይዅን ደኣ እምበር ሕጂ ንድሕሪት ምልስ ቢልካ ኵነታቶም ክትመዝኖ እንኮለኻ፡ ቅድስቲ መንበር እቲ ኣብ ልዕለኦም ዝቐርብ ዝነበረ ሓበሬታ ክፊላውን ዘይምልኡን ምንባሩ ኢኻ ተረጋግጽ፡ እቲ ዘሕዝን ከኣ ግድፈታት ከምዝነበረን ትሕተ ግምት እውን ይወሃቦ ከምዝነበረ፡ ኣብ ሎሚ ኰይንካ ንድሕርቲ ክትጥምት እተስተውዕሎ ሓቂ። ደሓር ጌጋ ምዃኑ ዝተጋህደ ምርጫ ተገይሩ እዩ። ጉዳዮም ኣብ ሮማ ክጻረ ኣብ ዝተኻየደ መርመራን ደሓር እውን ብዙሓት ብዛብኦም ዝቐረበ ሕቶ ዝሃብዎ መልሲ ብሓቂ ዘሰምብድ ኮይኑ እዩ ዝተረኽበ። ክሳብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ናይ ወሲብ ዓመጽ ፈጺሞም ዝብል ንጹርን ክሲ እውን ኣይቀረበን።

ንፈለማ ግዜ ኣብቲ እዋን ትሕቲ ዕድመ ዝነበረ ዜጋ ክሲ ምስ ኣቕረበ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቐጥታ ነቶም ክስ ዝቐረበሎም መክካሪክ ኣብ 2006 ዓ.ም. ካብ ብሓላፍነቶም ንኽለዓሉ ህጹጽን ቆራጽን ውሳኔ ኣመሓላሊፎም እዮም፡ ቅድም ማዕርገ ካርዲናልነቶም ክለዓል ደሓሪ ካብ ሓላፍነቶም ኵውገዱን ማዕርገ ክህነቶም ክቕንጠጥን ገይሮም እዮም፡ እዚ መሰረታዊ ሓሳብ’ዚ ኣብቲ ሰነድ ብዛዕባ ነበር ካርዲናል ተዎዶረ ኤድጋር ማካሪክ (1930 – 1917 ዓ.ም.) ናይ ቅድስቲ መንበር ተቛማዊ ኣፍልጦን ውሳኔ ናይ ምትሕልላፍ ኪደት ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ሰነድ ተመልኪቶ ኣሎ።

ግዚኡ ሓልዮ ዝተወሃበ እዋናዊ መልሲ

እቲ ሰነድ ንገዛእ ርእሱን ኣብ ገዛእ ርእሱን ንውሓቱን ትሕዝቶኡን ኣብ እዋኑ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጉዳይ ማክካሪክ ክጻረ ዓሚቕ መርመራ ክካየድ ብዝፈጸምዎ ህርኵት ጻዕሪ መሰረት ቆራጽ ምለሲ ዝህብ ክኸውን እንከሎ፡ ኣተሓሒዙ እውን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝተላበውዎ ነቶም በቲ ብመክካሪክ ዝተፈጸመ ገበን ብቐዳምነት ዝቖሰለ፡ በደላት ዝፈጸምዎ ግምት ብምሃብ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣን ከመይ ገይሮም እዮም ኣብ ዓቢይ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ክበጽሑ ዝኸኣሉ እንክብሉ ሕቶ ንዘቐርብ ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክንክን ክወሃብ ሓደራ እንክልብሉ ዝሃብዎ ምዕዳን መሰረት እውን ዝገበረ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ካብ 2018 ዓ.ም. እቲ ጉዳይ ብዕምቆት ተጻርዩ ዓሚቕ መርመራ ተገይሩሉን እነሆ በዚ መሰረት ከኣ እቲ ሰነድ ክቐርብን ንንባብ በቒዑን ኣሎ፡ . . . ።

ክሳብ 2017 ዓ.ም. ናይቲ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዓመጽ ዝብል ናይ ዝቐረበ ክሲ ሕመረት

ናይቲ ሰነድ ሓይሊ ኣብ ዕምቆቱን ሓደ’ኳ ዕሽሽ ከየይለ ብምልኣት ኣብ ዘቕረቦም . . . ዝተፈጸመን ደሓር ቤተ ክርስቲያን ሓደስቲ ሕግታት ንኽትድንግግ ዝደረኻ “ጌጋታትን ግድፈታቱን ይእመን” እንክብሉ ኣብ ዘስፈሮ ሓሳብ እዩ፡ እቲ ሰነድ ጉዳይ መክካሪክ ክሳብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፈጸምዎ ዓመጽ ብፍላይ ዝተኻየደ መርመራ መሰረት ዝገበረ እዩ፡ ኣብ ተስዓታት ካብ ዋሽንግቶን ካብ መን ዘይፍለጥ ናብ ካርዲናልትን ኣብ ዋሽንገቶን ናብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ዝለኣኹ መልእኽታት ነይሮም፡ ኣልቦ ጭቡጥ መርትዖታት እውን ብምዃኑ ዘይእመን ኰይኑ ተሪፉ እዩ፡ ብትኽኽል ኣብ ልዕሊ ሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝምልከት ክሲ ብንጹር ዝቐረበ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ክሲ እዚ ምስ ቀረበ እውን ብሕገ ቀኖና መሰረት መርመራ ክካየድን ክጻረን ድማ ውሳኔ ተመሓላለፈ፡ ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መሰረት . . . ኣቐዲሞም ናይ መክካሪክ ካርዲናል ማዕርጎም ኣልዒሎም ክህነቶም ክቕንጠን ገይሮም . . . እቶም ክሲ ዘቕረቡ ብሕገ ቀኖና መሰረት ሓቂ ክትወጽእ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎም ኣፍልጦ ምሃብ ይግባእ . . . ።

ቅድሚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ መገሻ ናይ ምጽራይ ኪደት

ኣብ 1977 ዓ.ም. መክካሪክ ጳጳስ ንኽኾኑ ስሞም ቀሪቡን፡ ኣብ 1981 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ናይ መቱቸን ሰበኻ ጳጳስ ደሓር እውን ኣብ 1986 ዓ.ም. ናይ ነዋርክ ጳጳስ ከምእተሰምዩን፥ ከምቲ ልሙድ ቤተ ክርስቲያን ንሓደ ጳጳስ ቢላ ንኽትሰምእዮ ብዛዕባ እቲ ሕጹይ ንማዕርገ ንጵጵስና እተካይዶ ሓበሬታ ናይ ምእካብ ስርዓት ዝተኸተለ እዩ ዝነበረ፡ ብዛዕማባ መክካሪክ ግብረ ገባዊ መርሓ ጠባይ ዝምልከት ምንም ዓይነት ኣሉታዊ ሓበሬታ ኣይበጻሓን። ኣብ ነዋርክ ኣብ ልዕሊ ናይታ ብጵጵስና ዝመርሕዋ ኣብ ዝነበረት ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ካህናትን ኣብ መፋርቕ ተስዓታት ዓመጽ ከምዝፈጸሙ ክስምዕ ምስ ጀመረ ኸኣ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብታ ከተማ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅድሚ ምክያዶም ዝተፈጸመ ብምዃኑ፡ ናይ ኒው ዮርክ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ንብጹዕ ካርዲናል ጆን ኦኮንር ብዛዕባ መክካሪክ ንኻልኦት ናይ ሕቡራት መግንስታት ኣምሪካ ጳጳሳት ሓበሬታ ከምዝሓተቱን፡ በዚ መሰረት ከኣ ጳጳሳ ንኸይኾኑ ዝዓግት ዝቐረበ ሓደ’ኳ ኣሉታዊ ሓበሬታ ከምዘየቕረቡን ዮሓንስ ጳውሎስ ከኣ ኣብታ ብመክካሪክ እትምራሕ ሰበኻ ሓዋርያዊ  ምብጻሕ ኣካይዶም ንኸካይዱ ገይርዎም እዩ።

ናይ ካርዲናል ኦኮኖር መልእኽቲ

ማክካሪክ ናይ ዋሽንቶን ሊቀ ጳጳስ ንኽስየሙ ማለት ናብተን ብናይ ቤተ ክርስትያን ባህሊ መሰረት ብካርዲናል ናብ ዝምርሓ ዓበይቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማታት ሓንቲ ናብ ዝኾነት ሰበኻ ክቕየሩ ዝብል ሓሳብ ምስ ቀረበ፡ ኣብቲ እዋን ከምቲ ልሙድ ናይ  ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጳጳሳት ብዛዕባ ማክካሪክ ዘቕረብዎ ምንም ዓይነት ኣሉታዊ ሓበረታ ኣይነበረን ካርዲናል ኦኮኖር ግና ኣሉታዊ ሓሳብ ኣቕሪቦ ከምዝነበሩ ምዝካር የድሊ፡ ዕለት 28 ሕዳር 1999 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ኣብ ዋሽንግቶን ናብ ዝርከቡ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ጭቡጥ መርትዖ እውን ኣይሀልዎም ነዚ ስሜት ክበቕዑ ምግባር ጌጋ ምዃኑን ንብዙሓት ከሰናኽሉን ንቤተ ክርስያን ዝጐድእ ውሳኔ እውን ክኸውን ከምዝኽእል ሓበሬታ ከምዘመሓላለፉ እቲ ሰነድ የዘኻኽር።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቀዳማይ ውሳኔ

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝወሰድዎ ቀዳማይ ስጉምቲ ምዝካር ኣገዳሲ ይኸውን፡ ኣብ ዋሽንግቶን ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መክካሪክ ቀሪቡ ዝነበረ ክሲ ንኸጻርይ ከምዝሓተቱን፡ እቲ ዝተኻየደ መርመራ ኣብ ጭቡጥ መረጋግጾ ኣየብጸሔን፡ እቶም ናይ ነው ጀርስይ ኣርባዕተ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ ክሲ ዘለዎም ርእዮቶ ተሓቲቶም ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብቲ “ዘይጭሙትን ዘይምሉእን” ከምዝነበረ ኣብቲ ሰነድ ተገሊጹ ይርከብ። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1976 ዓ.ም. ንመክካሪክ ኣብ ሕቡራት መንግስታታ ኣመሪካ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ከምዝተራኸብዎም ዝፈልጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ዝነበሩ ብጹዕ ኣቡነ ጋብሪኤለ ሞንታልቮን ከምኡ እውን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ዋላ’ዃ ጭቡጥ መርትዖታት ኣይሃልዎም፡ መክካሪክ ንጵጵስና ሕርየቶም ውድቂ ክኸውን ዝሓሸ እዩ ዝብል ርእዮ ኣቕሪቦም እዮም፡ በዚ ምኽንያት’ዚ መክካሪክ ኣብ ነዋርክ ክተርፉ ዝብል ውሳኔ ከማተመሓላለፈ ኣብቲ ሰነድ ተመልኪቱ ኣሎ።

ናይ መክካሪክ መልእኽቲ ናብ ር.ሊ.ጳ.

መክካሪክ ብዛዕባ ናይ ዋሽንግተን ጳጳስ ንኽኾኑ ዝብል ዝነበረ ሓሳብ ብዛዕባ ጉዳዮም ንጹር ዘይኮነ ነገረ ከምዘሎ ዝበሃል ዝነበረ ኩሉ ምስ ሰምዑ፡ ዕለት 6 ነሓሰ 2000 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ግሊ ዋና ጸሓፊ ንዝነበሩ ንብጹዕ ኣቡነ (ካርዲናል) ስታኒስላዊ ድዝዊች መልእኽቲ ጽሒፎም፡ እቲ ኣብ ልዕለኦም ዝበሃል ኰነ ዝቐርብ ዝነበረ ክሲ ኵሉ ብጭራሽ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ምስ ተባዕታይ ይኹን ኣንስት ምስ መንእሰይን ይዅን ምስ ትሕቲ ዕድመን ምስ ዓለማውያን ይዅን ምስ ካህናት ዝፈጸመዎ ናይ ወሲብ ርክብ ኮነ ዝፈጸምዎ ካልእ ዓመጽ ብፍጹም ከምዘየለ “ኣረጋግጽን እምሕልን” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ከምዘምበቡን መክካሪክ ዝበልዎ ክእመን ዝኽእል እዩ ቢሎም፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ፖላንድ እንከለዉ ኣብ ልዕሊ ካህናት ድዩ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ውሉደ ካህናትን ጳጳሳትን ኣልቦ ዝኾነ ክስን ምጽላም ስምን ይካየድ ከምዝነበረ ብቐረባ ካብ ዝነበሮም ተመክሮ መሰረት ተለዓዒሎም ኣብ መክካሪክ ዝቐርብ ዝነበረ ክሲ በዚ መልክዕ ኣነብዎ፡ ክሲ ይቐርብ ነይሩ ጭቡጥ መርትዖታት ግና ኣይቀረበን፡ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበሃል ዝነበረ ዝቐርበን ክሲ ሓሶትን ስም ምጽላምን ክኸውን ይኽእል ቢሎም መክካሪክ ካብቶ ንማዕርገ ካርዲናል ዝተሓጽዩ ሓደ ክኾኑ ንናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ንዝነበሩ ንኣንጀሎ ሶዳኖ ብጽሑፍ ውሳኔኦም ኣመሓላልፉ፡ ሰበኻ ዋሽንግቶን እውን መንበሮም።

ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ውሳኔ 

መክካሪክ ክሳብ ናይ ዋሽንግቶን ሊቀ ጳጳስ ዝኾኑ ብኣኦም በደልን ዓመጽን ተፈጺሙኒ ዝብል ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝኾነ ሓደ’ኳ ናብ ቅድስቲ መንበር ኮነ ኣብ ዋሽንግቶን ናብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ዘቕረቦ ጥርዓን ኮነ ክሲ ኣይነበረን፡ ብኣኦም ተዓሚጸ ዝብል ክሲ ንፈለማ ግዜ ዝቐረበ ኣብ 2005 ዓ.ም. እዩ፡ ሓድሽ ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ዝተሓርዩ በነዲክቶስ መበል 16 ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ነዊሕ መርመራ መክካሪክ ብፍቓዶም ማዕርገ ካርዲናል ይትረፈኒ ክብሉ ከምዝሓተትዎምን ኣብ 2006 ዓ.ም. ነቲ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ሕቶ ተቐቢሎም ካብ ናይ ዋሽንግቶን ሊቀ ጵጵስናኦም ብፍቓዶም ከምዝለቐቑን ኣብቲ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ዝነበሩ ቪጋኖ እውን ብወገኖም ብዛዕባ ማክካሪክ ዝቐረብ ዝነበረ ክሲ ጽኑዕ ምዃኑ ንቕድስቲ መንበር ከምዝሓበሩን እንተኾነ ግና ጭቡጥ መርትዖ ከምዘይረኸቡ ባዕሎም ቪጋኖ ኣብ መልእኽቶም ዘስፈርዎ ሓሳብ እዩ፡ ኣብቲ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ነዚ ጉዳይ እዚ ንበነዲክቶስ መበል 16 ምስ ኣቕረብዎ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብፍላይ ዝፈጸምዎ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ክሲ እውን ዘይቀረበሎም ብምዃኑ ድሮ እውን ካብ ናይ ዋሽንግቶን ሊቀ ጳጵስንኦም ለቒቖም እውብ ምንባሮም ኣብ ልዕሊኦም ብመሰረት ሕገ ቀኖና መርመራ ክካየድ ዝብል ውሳኔ መሰረት ዘይብሉ ኮይኑ እዩ ዝተረፈ።

ማዕቅብ ዘይኰን ምዕዶ

ናይ ብጹዓን ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር መክካሪክ ካብ ዝኾነ ይኹን ማብራዊ ጉዳያት ክርሕቑን ካብ ዝኾነ ይኹን ሓላፍነትን ከንሳሕቡን ኣብ ግላዊ ሕይወት ክጽመዱ ምዕዳን ከምእተወሃቦም ኣብቲ ሰነድ ተመልኪቱ ኣሎ፡ ይኹን ደኣ እምበር መክካሪክ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ሮማ ሓዊስካ ንምቅስቓስ ኣየቋረጹን፡ እዚ ኸኣ ብውሳኔ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዋሽንገቶን ይኹንታ ዝተወሃቦ እዩ ዝመስል ዝነበረ፡ ቪጋኖ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኖም ምስ ተሰምዩ ኣብ 2012 ዓ.ም. ካብ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ብወግዒ ኣብ ልዕሊ መክካሪክ ዝቐርብ ክሲ ከጻርዩ ከምእተሓበሮምንይ፡ ይኹን ደኣ እምበር መክካሪክ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ጉዕዞ ንኸየካይዱ ዝገብሮም መርትዖታት ከምዘይተረኽበ እዩ ዝፍለጥ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ልዕሊ መካሪክ መርመራ ክካየድ ብወግዒ ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ

ማክካሪክ ብሔራውን ዓለም ሓቆፋውን ጉዕዞታት ዝዓግት ውሳኔ እውን ኣይመሓላለፍ፡ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓረየ ኣብቲ ናይ 2013 ዓ.ም.  ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ጉባኤ ከይሳተፉ ውሳኔ ተመሓላለፈ፡ ብዛዕባኦም ዝቐርብ ዝነበረ ከቢድቲ ክስታትን ናይ ጽሑፍ ምስክርነትን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮከ ከምዘይቐረበን፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝምልከት ከምዘይቀረበን፡ መክካሪክ ናይ ዋሽንግቶን ሊቀ ጳጳስ ንኽኾኑ ቅድሚ ምሕራዮም ኣብ ልዕሊ በጽሒ ኣልቦ ግብረ ገባዊ ዝኾነ ተግባር ኣርእዮምን ፈጺሞምን ዝብል ንዝቐርብ ዝነበረ ክሲ ዘረጋግጽ መርትዖ ስለ ዘይነበረ፡ ዮሓን ጳውሎስ ዳግማዊ ነቲ ክሲ ውድቂ ከምዝበልዎን  ደሓር እውን በነዲክቶስ መበል 16 ዝተኸተልዎ ውሳኔ ኮይኑን፡ ፍራንቸስኮ እውን ነዚ መስመር’ዚ ይስዕቡ፡ ደሓር ግና ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝምልከት ክስ ምስ ቀረበ ፍራንቸስኮ ብቐጥታ ሕገ ቆኖናዊ መርመራ ክካየድ ከምዝወሰኑ እቲ ሰነድ የረጋግጾ።

ቤተ ክርስቲያን ዝተመሃረቶ

ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ምጽራይ መርመራ ስዒቡ ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዝቐረበ ሰነድ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እዋንና ዘሕዝን ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ከምዝኾነ ቤተ ክርስቲያን ካብዚ ምዕራፍ እዚ እውን ዓቢይ ትምህርቲ ከምዝረኸበትን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ Vos estis lux mundi - ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢዅም፥ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ናይ ድሙቕ ጽድቅን ኩለንተናዊ ቅድስናን ኣብነት ንኽንውን ይጽውዕ፡ ዝብል ቃለ ወንጌል ቃል ኣርእስቲ ገይሮም ዝደረስዎን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጊ ክኽውን ዝደንገግዎ ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ ሕጊ ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፍጽሙ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ንፍርዲ ዘቕርብ ጥራሕ ዘይኰነ ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸሙ ገበናቶም ንዝኸዋውሉን ወይ ውን ከይርከቡ ንምግባር ሕግ ንምጥፍፋእ ንዝፍትኑ ጳጳስት ይኹን ናይ ገዳማውያንን መንፈሳዊ ማሕበራት ኣሕሉቕን እውን ዝምልከት ደንጊጎምን እዚ ሕጊ እዚ ናይቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመኸረ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ገዳማውያንን መንፈሳዊ ማሕበራትን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዓውደ ጉባኤ ጽማሬ እዩ።

ትሕትናን ንስሓን

እቲ ኣብ ላዕሊ ተመልኪቱ ዘሎ ዝርዝር ሃሳብ ናይቲ ወግዓዊ ዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ሰነድ መቓን እዩ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ብዝተጠቕዑን ኣደዳ ብዝኾኑን ዘይንገር ዝነበረ ዘሕዝን ኩነት ብፍላይ ናይቶም ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም በጽሒ ወለዶን ሓልዮትን ምክንኻንን ውሑስ ንምግባር ነቲ ጸያፍ ተግባር ንምውጋእ ዘብቕዕ ሕግታት ኣገዳስነቱ ብዕምቆት ከምዘስተውዓለትን . . . ናይ ተኦዶረ መክካሪክ ጉዳይ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሮማን ዓቢይ ቁስሊ እዩ፡ እዚ ቑስሊ እዚ ጽኑዕን ስሉጥን ሕግታት ብምጽዳቕ ጥራሕ ዝሓውይ ዘይኮነ . . . ኣብ ቅድሚ እቲ ዝምሕርን ካብ ዝወደቕካሉ ዘተንስእ እግዚኣብሔር ትሕትናን ንስሓን ዝሓትት እውን እዩ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ነቲ ሰነድ ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

11 November 2020, 21:01