ተመዛበልቲ ሕጻናት ተመዛበልቲ ሕጻናት  ርእሰ ዓንቀጽ

ገዛእ ርእስናን ዓለምን ንኸነድሕን ንኻልኦት ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ምጥማት

እታ ሓዳስ ዓዋዲት መልእኽቲ፡ ኣብ ዓውዲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንናይ ሓባር ዘተ እተተሓሳስብ ጥራሕ ኣብ ዝብል ትንታነ ወሲንካ ምንባብ ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ምንእኣስ እዩ ዝኸውን፡ እቲ ናይታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ - መልእኽታ ንነፍሲ ወከፍና ዝምልከት እዩ

ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ወግዓዊት ዝኾነ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓዳስ ማበረሰብኣዊ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ሓደ’ኳ ንበይኑ ኣይክድሕንን እዩ፡ ብውግእን ጽልእን ዓመጽን ብዘይተገዳስነትን ብሓደስቲ ፈላላይ መናድቕ ከይዕብለል እማም ማሕበራዊ ሕውነት እተቕርብ ምዃና ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ብጽላሎት ዝተዓጸወ ዓለም” ዝተኸበብና ኮይንና ንርክበ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ቅድሚ እቲ ዝሰፍሕ ነቲ ጸልማት ዘይምብርከኽን ዝሓልምን ተስፋ ዝግብርን እጄታኡ ዓጺፉ ሕውነታውነትን ማሕበረሰብኣዊ ምሕዝነትን ንምፍጣር ዝዓዪ ኣሎ። እናተኾላለፈ ዝካየድ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ድሮ ተበጊሱ እዩ፡ ኣብ መኽሰብ ዘማእከለ ናይ ንግድ ስነ መጐትን ኣብ ልዕሊ ሰናይ ዝኾነ ፖለቲካ ሰዓሪ መሲሉ ይርአይ፡ ጓሓፋይ ባህሊ ጸብለል ዝብል ኣብ ዝመስለሉን ብጥምየት ናይ ዝሳቐይ ሕዝቢ ገዓር ዘይስማዕ ኣብ ዝመስለሉ እዋንን ካብዚ ዝተፈልየን ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ዓለም ንምሕናጽ ጭቡጥ መገዲ ዝሕብር ኣሎ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባህ  ዘርእስታ ዓዋዲት መልእክቶም ደሪሶም ኣብ ዓለም ኣብ መንጐ ማሓድሮኣውን ማሕበራውን ቅልውላውን ውግኣትን ስደትን ድኽነትን ዘሎ ምትእስሳር የመላኽቱን ሃብቲ ገንዘብ ናብ ተመላኺ ጣዖት ክብ ዘየብል ናይ ኣደና መሬት ዓቃቢ ዝኾነ ሰብ ማእከል ዝገብር ቅኑዕን ፍጥረት ዘኽብርን ስርዓት ኤኮኖምን ሕብረተሰብኣውን ሸቶ ዝገበረ መገዲ የመላኽክቱ። ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምቲ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘመላኸቶ፡ ኩሉ ኣብ ሓንቲ መርከብ ምዃኑን ናብቲ ኩላ ሓውን ሓብትን ኣሕዋት ናይ ምዃን ኣገዳስነቱ የመላኽት፥ ምኽንያቱ ኸኣ ንሓድ ሕዱ ዝከናኸን ምዃኑ ኣፍልጦ ንምግባር ዘብቅዖ ሎሚ በታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣቢሎም ጭቡጥ መገዲ ይሕብሩ። ነቲ ሰብ ንሰብ ተዅላ ዝብል ናይ ሓደስቲ ፈላላይ መናድቕን ተነጽሎን ፈተና ብዘይምብርካኽ` ነቲ ሎሚ ካብ ቀደም እዋናውን ካብ ዝኾነ ይኹን ሜላ ወጻኢ ዝኾነ ወንጌላዊ ቅንስል (icon) ሕያዋይ ጓሳ ምርኣይ ከምዘድሊ የመላኽቱ።

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመላኽትዎ ኪደት ኣብቲ ዝኾነ ይኹን ዓይነት መጻእተይናነት ውድቒ ኣብ ዝገብር ኢየሱስ ዝጸንዔ እዩ። ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ “ክርስቶስ ንኸለልይ” ዝተጸውዔ እዩ፡ ኣብቶም ዝተጠንጠኑን ኣብዚ ዓለም ዝተረስዑን ስቑል ኢየሱስ ንምስትውዓልን ኣብቲ ንኽትንስእ ኣእጋሩ ደው ዘብል ትንሱእ ክርስቶስ ንምስትውዓልን”። እቲ መልእኽቲ ሕውነታውነት ብናይ ካልእ ሃይማኖታት ሰዓብትን ብኢኣማእንያንን ክእንገድን ሓባራዊ ምዃኑ ክስትውዓል ዝኽእል እዩ። 

እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድምር ስልጣናዊ ትምህርቲ ዛዕባ ማሕበረሰብኣዊ ኮይና ትቐርብ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓት ዓመታት ኣብ ዝበልዎን ዘስምዕዎን ኣስተምህሮን መደረን ዘቕርብዎ ዝነበረ ኣምር ቅጥዓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ዘቕርቡላ እያ። እቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ምስ ናይ ኣል - ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ “ሰብኣዊ  ሕውነት ኣብ ዓለም ምእንቲ  ሰላምን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን” ሓደ ከም ኣናስርን ኣስተንፍሶን ይጥቀስ። ካብቲ ንናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዓንዲ ዝኾነ ሰነድ ንደሓር ር.ሊ.ጳ. ዘተ ከም ፍኖት ብኹሉ ሓለፋ ክበሃልን ሓባራዊ ምትሕብባር ከም መርሓን ሕድ ሕዳዊ ምፍላጥ፥ ኣገባብን መምዘንን ክኸውን ከም ሓሳብ የቕርቡ።

ይኹን ደኣ እምበር እታ ሓዳስ ዓዋዲት መልእኽቲ፡ ኣብ ዓውዲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንናይ ሓባር ዘተ እተተሓሳስብ ጥራሕ ኣብ ዝብል ትንታነ ወሲንካ ምንባብ ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ምንእኣስ እዩ ዝኸውን፡ እቲ ናይታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ - መልእኽታ ንነፍሲ ወከፍና ዝምልከት እዩ። ናይ ሮማ ጳጳስ እቲ ሓድሽ ናይ ሰናይ ፖለቲካ ውጥን ዘመላኽት ናይ ምድረ በዳ ድምጺ ገርካ ምርኣይ ስግንጢር ክመስል ይኽእል፡ እቲ ብዙሕ እዋን ንናይ ቁጠባን ኤኮኖምንንኹሉ ድሕነትን ረብሓን ዝብል ኩሉ ዘዕግብ ካብ ሕጋግ ወጻኢ ዝኾነ ንናይ ዕዳጋ ጽውዋይ ጠለባት ዝተዓጽፈ ፖለቲካ፡ ካብዚ ዓይነት ኵነት ወጺኡ እቲ ቀንዲ ዕማሙ ዳግም ክስዕብ ይምዕዱ። ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብዛዕባ ተግባር ሰናይ ፖለቲካ፥ ፖለቲካ ከም ኣገልግሎትን ምስክርነት ናይ ዝስዋእ ፍቕርን ኮይኑ ብዓበይቲ ሚሳልን ክብርታትን ዝዕንገልን ንናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓ ኣብ ዝብል ሓሳብ ከይወረደ ንናይ ሓባር ረብሓን፡ ብፍላይ ንናይ ሓድሽ ወለዶ መጻኢ ዘማዕድው ጽባሕ ዝውጥን ኮይኑ ዝንበር ፖለቲካ ዝምልከትን ዝትንትንን ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ምዕራፍ ኣብታ ዓዋዲት መልኽቲ ንረክብ፡ ኣብዚ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ገዛእ ርእሰን ኣብ ዝዕጸዋሉ ዘለዋሉ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓያላን ጥራሕ ጸብለል ዘይብልሉ ኣገባብ መሰረት ዕርያ ዘድልዮን እውን ይኹን ነቲ ዘድልይ ዕርያ ከይሰሓትካ ኣብተን ዕርያ ዘድልየን ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት እምነት ምግባር ኣድላይነቱ ብልክዕ ቀመራዊ ርእየት የነጽሩ።

ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ውግንእ ናይ ሞት ፍርድን ብብርቱዕ ኩኑን ምዃኑ ዘብርህ ገጻት ንረክብ። እዚ ኸኣ ነታ ናይ ዮሓንስ መበል 23 ሰላም ኣብ ምድሪ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣሰር ዝኽተል ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ብዙሓት ብሚልዮናት ናይ ዝቑጸሩ ንጹሓን ዜጋታት ሕይወት ንሞት ዝዳረጉ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ዝተራእዩ ግጭታትን ውግኣትን ብጩቡጥ ካብ ዝምልከት ኣረኣእያ ዝነቐለ፥ ፍራንቸስኮ ሎሚ ነቲ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ብዝነበሩ ምኽንያታዊ መምዘንታት መሰረት “ቅኑዕ ወግእ” ዝብል ኣመለኻኽታ ቅቡል ምግባር ከምዘይከኣል የብርሁ። ከምኡ እውን ናይ ሞት ፍርዲ ዘይቅኑዕን ተቐባልነት ዘይብሉን ከምዝኾነ ነስተውዕል፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሞት ፍርዲ ክስረዝ ኣለዎ።

ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመላኽትዎ፡ “ኣብ እዋናዊ ዓለም ብማዕረ ናይ ሓደ ልክዕ ናይ ዝኾነ ሰብኣውነት ኣካል ምዃን ስምዒት ዝዳኸም ዘሎ እዩ ዝመስል፡ ኣብ መንጐ እዚ ዓይነት ኩነት እውን፡ ፍትሕን ሰላምን ብሓባር ናይ ምሕናጽ ናይ ካልእ ግዜያት ሕልሚ “ዘይጭበጥ ትምኒታዊ - ጦቢያ” ይመልስ። ስለዚህ ደሓር ዝተደንጐየ ከይኮነ እንኮሎ፡ ናብ ምሕላም ምምላስን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ከኣ እቲ ሕልሚ ብሓባር ምኽዋን ይግባእ። ብዝብል ሓሳብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኔየሊ እታ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብወግዒ ዝለገስዋ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ ሓታት ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

04 October 2020, 13:23