“ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽሰዱ ዝተገዱ”፥ ንምሕናጽ ምትሕብባር

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በቢ ዓመቱ ካብ 1914 ዓ.ም. ኣትሒዛ እትዝክሮ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተገዲዶም ዝንቀሳቐሱ ክጽለይን ነዚ ብድሆ እዚ ንምግጣምን ኣብ ዓለም ብዛዕባ እዚ ክፍሊ ሕብረተሰብ እዚ ኣስተውዕሎ ክግበርን

ዕለት 29 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልቲ፥ በዚ ምኽንያት`ዚ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ፥ ኣብ 2020 ዓ.ም. ምእንቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝተፈላለየ ጐስጓስ የነቓቕሕ ከምዘሎ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“መንግስቲ ኣምላኽ ምሕናጽ ናይ ኵሉ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጻዕሪ እዩ፡ ምእንቲ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝምዕዶ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብ ፍጹም ስኒት (1ቆር.1,10) መሰረት ምትሕብባር ክንመሃር ይግብኣና” ዝብል ሓሳብ ዘቃልሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መበል 106 ዓመት ናይ 2020 ዓ.ም. ሰንበት ዕለት 29 መስከረም ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፥ ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽስደዱ ዝተገዱ” ብዝብል ኣርእስቲ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ይዝከር።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በቢ ዓመቱ ካብ 1914 ዓ.ም. ኣትሒዛ እትዝክሮ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተገዲዶም ዝንቀሳቐሱ ክጽለይን ነዚ ብድሆ እዚ ንምግጣምን ኣብ ዓለም ብዛዕባ እዚ ክፍሊ ሕብረተሰብ እዚ ኣስተውዕሎ ክግበርን እቲ ካብኣቶም ዝኾነ ዝቐርብ ዕድል እውን እንጉድ ክኸውን ብቓልን ተግባርን ጻውዒት ብምቕራብ ዘበገሰቶ መደብ እዩ።

ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣትሒዙ ብመዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምኽንያት ዝተፈላለየ ጐስጓስ ከምዘነቓቐሔን ንኣብነት ናይ ሎረና ማርጋሪታ ካብ ኮሎምቢያ ቁሸት ቺቦሎ ንኽትስደድ ዝተገደትን ድሕሪ ናይ ወላዲኣ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ብሓዊ ክባራዕ ምስ ተገብረን በዝን ብዝተፈላለየ ዓመጽ ተገዲደን ገዛእ ርእስን ንኸድሕና ዝተሰዳን ንማሕበር ኢየሱሳውያን ምስጋና ይኹን ሳን በኒቶ ናይ ሕርሻ ትካል ንኸበግሳ በቒዔን ሕይወተን ዳግም ኣብ ምሕናጽ ከምዝርከባ ነዚ ታሪኽ ዘዘንተው ዘመሓላለፎኦ ናይ ምስማዐ ርእየት ምስክርነት ይጥቀስ። “ሕልምታትካ ንምዃን ምቅላስ” እዚ ናይ ሎረና ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዘቕረበኦ ጻውዒት ክኸውን እንከሎ ኩሉ ደልሃመት ኮይኑ ኣብ ዝስመዓካ እውን ይኹን ዘይምብርካኽ ንቕድሚ ምባል ከምዘድሊ ይላበዋ።

“ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽሰዱ ዝተገዱ”፥ ንምሕናጽ ምትሕብባር
26 September 2020, 23:10