ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19  

ብመራኸቢ ብዙሓን እትከታተሎ ቅዳሴ ነቲ ብኣካል እትሳተፎ ፈጺሙ ኣይትክእን! ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራ

ንኣሰራርዓ መለኮታዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትከታተል ማሕበር ቅድስት መንበር ናብ መላእ ዓለም ዝርከባ ጉባኤታት ረኪበ ጳጳሳት ሓለፍቲ ኣብ ዝጸሓፈቶ መልእኽቲ ሓላፊ እቲ ማሕበር ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራ ናብ ንቡር ሕይወት ክርስትና ምምላስ ግድን ከምዝኾነ ነቲ ብምኽንያት ሓደጋ ለበዳ ኮቪድ 19 ብመራኸቢ ብዙሓን ዝግበር ዝነበረ ክትትል መሥዋዕተ ቅዳሴ ብኣካል ንምስታፍ ፈጺሙ ክትክኦ ኣይክእልን እንክብሉ ናብቲ ንቡር ብኣካል ናይ ምስታፍ ክንምለስ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ዘይንቡር ኩነት እንከጋጥም ምናዳ ናብ ኩሉ ዝላባዕ ሓደጋ ከም ዘሎናዮ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 እንከጋጥም ሓዲስ ቅዲ መነባብሮን ነቲ ብልማድ ትገብሮ ዝነበርካ ኣገባባት ምልዋጥን ግዲ ብምዃኑ ኩልና ከምዝተኸታተልናዮ ብኣካል ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስታፍ ሓደገኛ ኰይኑ ኣብ ዝተረኽበሉ ሁመት ር.ሊ.ጳ ከይተረፉ ንሰለስተ ወርሒ ምስ መመላእታ ናብ መላእ ዓለም ብመራኸቢ ብዙሓን ዝመሓላለፍ ዝነበረ መሥዋዕተ ከምዘዕረጉ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ነቲ ብኣካል ብምስታፍ ዝርከብ ጸጋን ፍረን ጸጋን ምናዳ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝትክኦ ምንም ነገር ብዘይምህላው ንኣሰራርዓ መለኮታዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትከታተል ማሕበር ቅድስት መንበር ሓላፊ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራ ኣሰራርዓ ሥርዓተ ቅዳሴ ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 ከምኡ እውን ድሕረ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዝብል ኣርእስቲ ናብ ኩሎም ሓለፍቲ ጉባኤታት ረኪበ ጳጳሳት ዘቅንዔት መልእኽቲ እንክጽሕፉ እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ከኣ ነቲ ብኣካል ብምስታፍ እነቀድሶ ቅዳሴ ዝትክእ ምንም ከምዘየለ ምናዳ ኣብ ግዜ ለበዳ ዝተኣታተወ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝመሓላለፍ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምክትታል ነቲ ብኣካል ምስታፍ ክትክኦ ከምዘይክእል ገሊጾም። እዛ ዝሓለፈ ዕለት 3 መስከረም 2020 ዓም ናብ ኩሎም ፕረሲደንታት ረኪበ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተላእከት መልእኽቲ ‘ብታሕጓስ ናብ ቅዱስ ቊርባን ንመልስ’ ዝብል ኣርእስቲ ከምዝተዋህባ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ማሕበራዊ ጐድኒ ሕይወት ክርስትና!

ብፁዕነቶም ኣብ መልእኽቶም ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን ገሊጾም ምስ መረቁ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ዝተገመተን ዘይተገመተን ጸገማት ንኩነታትን ማሕበረሰብን ስድራቤታትን ጥራይ ዘይኮነ ነታ ኣብ ምድሪ ኰይና ሰማያዊ ነገራት ብምብሳር ንኩሉ እተጣምር ቤተክርስትያን እውን ብሕሱም ስለዝጸለወ ኣብ ሕይወት ማሕበረ ክርስትያን ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ከይተረፈ ጸገም ምፍጣሩ ይገልጹ። ሥርዓተ ኣምልኾ ብሓባር ኣብ ዝፍጸመሉ ዝለዓለ ተሎግያዊ ትርጉም ከምዘለዎ እዚ ከኣ ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ኣካላት ቅድስት ሥላሴ ንዘለዎ ርክብ ኣብ መንጎ ደቂሰባት ከምዝገልጽ ሰብኣይን ሰበይትን ከምዝወሃሃዱ ገሩ ምስ እግዚአብሔር ርክብ ከምዝህልዎም ይገብር። ስለዝኾነ ከኣ ኣረማውያውን ቤተመቅደሳት እንክሃንጹ ነቶም ዘምልኽዎም ኣማልኽቲ መንበሪ እንክሓስብዎ ክርስትያን ግን ድሕሪ ስደትን መከራን ነጻነት እምነት ምስ ረኸቡ ኣብያተ ክርስትያን ክሃንጹ እዚ ኣብያተ ክርስትያን እዚ ከኣ ማሕደር እግዚአብሔርን ማሕደር ማሕበረክርስትያን ምዃኑ ብምግላጽ እቶም ምእመናን ከም ማሕበር እግዚአብሔር ከም ቤተክርስትያን ንገዛእ ርእሶም ክገልጹ ክኢሎም። ስለዚ እታ ቤት ኣምላኽ እንብላ ቤተክርስትያን ግድን ሕዝበ እግዚአብሔር ሕዝበ ክርስትያን ውሉድ እግዚአብሔር ክህልውዋ እንከለው እያ ገዛ ኣምላኽ ገዛ ርክብ ገዛ ክርስትያን እትኸውን ኢሎም። ነዚ ንምግባር ግን ይብሉ ብፁዕነቶም ቤተክርስትያንን ሰብሥልጣን መንግሥትን ክተሓባበሩ ከምዘለዎም የመልክቱ።

ምትሕብባር ቤተክርስትያንን ሰበሥልጣንን!

ብፁዕነቶም ካብዚ ብምቅጻል ባህርይ ማሕበረ ክርስትያን ንምግላጽ ዚኣክል ‘ማሕበረ ክርስትያን ብተነጽሎ ዝገበሮ ወይውን ማዕጾኣ ዓጽያ ጸምያ ኣይትፈልጥን። እዞም ብመንፈስ ማሕበራዊ ሕይወት ዝቆሙን ዝተዀስኰሱን ኣባላት እዛ ማሕበር ሓባራዊ ሠናይ ነገር ሃሰስ ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓለትን ምስቶም ከቢቦማ ዘለው ማሕበራት ብሰላምን ብሕብረትን ንምንባር እውን ምስ ተቃለሱ ነበረ። ነዚ ከኣ ኣብ ጥዑም ግዜ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ግዜ ለበዳታትን ካልእ ሓደጋታትን እውን ግቡኦም ብሓላፍነት ከምዘበርክቱ ነዚ ንምግባር ከኣ ምስ ሰበሥልጣንን ሊቃውንትን ብምትሕብባርን እሂን ምሂን ብምባልን እዩ። ኣብዚ ዘጋጠመና ለበዳ ኮቪድ 19 እንተተመልከትና መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ዝኾኑ ኣቡናት ከቢድን ዘሰቅቅን ውሳኔታት ክወስዱ ከምዝተገደዱ እዚ ከኣ ንዘይተወሰነ ግዜ ሱታፌ ምእመና ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴን ቅዱስ ቊርባንን ዕረ እናጠዓሞም ደው ከብሉ ተገዲዶም’ እንክብሉ ዝሓለፈ ኩነታት ምስ ገለጹ ሕጂ ግን ብዝቀልጠፈ ግዜ ናብ ንቡር ሕይወት ክርስትና ክንምለስ ኣሎና ኢሎም።

ናብ ንቡር ሕይወት ክርስትና ምምላስ ህጹጽ ጉዳይ እዩ!

ቅዱስ ጉባኤ ዝብል ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ቊ.10 ‘ኩሉ ተግባር ቤተክርስትያን ዝዓልበሉ ጥርዝን ካብኡ ኩሉ ሓይላ እትረኽበሉን ሥርዓተ ኣምልኾ ምናዳ ኸኣ ቅዱስ ቊርባን እዩ’ ንዝብል ዝጠቀሱ ብፁዕነቶም ንህልው ኩነታት ብምዕዛብን ዘድሊ ጥንቃቄ ብምግባርን ኩነታት ኣብ ዘፍቀደሉ ብዘይወዓል ሕደር ናብ ንቡር መነባብሮ ክርስትና ክንምለስ ጻውዒቶም የቅርቡ። እዚ ሕሱም ግዜ ዘስተምሃረና ነገር እንተልዩ ይብሉ ብፁዕነቶም ‘ሕሱም ፈተናን ግዜን እውን እንተኾነ ፍረ ጸጋ ክህበና ይኽእል ከመይ እግዚኣአብሔር ንፍጡሩ ፈጺሙ ኣይሓድግን።  ርግጽ እዩ ንጥንቃቄ ክንብል ካብቲ ፈጺምና ካብኡ ክንፍለዮ ዘይብልና መንበረታቦት ጐይታ ክንርሕቅ ሕራይ ብምባል ንውሱን ግዜ ካብቲ ሕይወትና ዝኾነ ቅዱስ ቊርባን ክንጸውም ተገዲድና። ሕጂ ግን ብዝተኻእለ መጠን ብዝቀልጠፈ ግዜ ዘድሊ ጥንቃቄ ገርካ ናብቲ ምንጪ ሕይወትና ዝኾነ ቅዱስ ቊርባን ተመሊስና ንጐይታ እንረኽበሉን ምሳኡ እንኾነሉን ኩነታት ብምፍጣር ክንቅበሎን ነሕዋትና እምነትን ፍቅርን ተስፋን ዝመልኣ ሕይወት ንክንምስክር ንሰናዶ ኢሎም። ከመይ ኩልና ኣብ ቅዳሴ ብኣካል ክንሳተፍ ግዱዳት ኢና።

ቅዳሴ ብኣካል ናይ ምስታፍ ግድነት!

እቲ ጐይታ ‘ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ እውን ዝሰቲ ኣባይ ይነብር ኣነ ኸኣ ኣብኡ እነብር’ (ዮሓ 6,56) ዝበሎ ብሓቂ ብኣካል ኣብ ቅዳሴ ብምሥታፍ ቅዱስ ቊርባን ምቅባል ምስ ጐይታ ብኣካል እሂን ምሂን ብምባል ዝግበር ሓቀኛ ተዋስኦ እምበር ብመራኸቢ ብዙሓን ዝግበር ኣይኮነን እንክብሉ ነቲ ምእንቲ ድሕነትና ሥጋ ብምልባስ ሰብ ዝኾነን ሥጋኡ መግብና ደሙ መስተና ክኸውን ዝኣዘዘ ጐይታ ትእዛዝ ኣብ ቦታኡ ምህላው ዝገለጹ ብፁዕነቶም እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘደንቅ ምህዞታት ዝበሎ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ጒስነት ንዝሓመሙስ ይኹኑ ንዝተጸገሙ ቃል ኣምላኽ ንምስማዕን ኣብ ሥርዓታት ብመንፈስ ኣብ ምስታፍን ዘበርክቶ ዓቢ ረድኤት ኣብ ግምት ብምእታው ምናዳ ኸኣ ኣብዚ ግዜ ዕጽዋ ብዙሕ ኣበርክቶ ምግባሩ ብምስማር እዚ ግን ነቲ ብኣካል ኣብ ቅዳሴ ምስታፍን ሥጋኡን ደሙን ምቅባልን ፈጺሙ ክትኮኦ ከምዘይክእል ኣስሚሮምሉ። ስለዚ ነዚ ምንም መታካእታ ዘይብሉን ብሕይወት ንክነብር ከኣ ግድነት ዝኾነ ጉዳይ ቀዳምነት ሂብና ካብ ምልባዕ ናይቲ ታህዋስ ዘድሊ ጥንቃቄ ብምግባር ኩሎም ምእመናን ኣብ ቤተክርስትያን ቦታኦም ዳግም ዝሕዙሉን ሕውነቶም ዘደልድሉሉን ኩነት ክፍጠር እሞ ነቶም ተስፋ ዝቆረጹን ብፍርሂ ዝተሸቊረሩን ዳግም ንምትብባዕ ንተዓጠቅ ኢሎም።

ሥርዓተ ቅዱስ ቊርባን ንምፍጻም ዝሕግዙ መምርሒታት!

ብፁዕነቶም ንዝሓለፈ ጸገማትን ሕጂ ክግበር ኣለዎ ንዝብልወን ምስ ዘርዘሩ ብከመይ ንዝብል መልሲ ንምሃብ ዘንቀዱ እንክመስሉ ‘ብዝቀልጠፈ ግዜ ናብ ሥርዓተ ቅዱስ ቊርባን ንምፍጻም ውሑስ ብዝኾነ መንገዲ ንክንጅምር ዘደልዩ መምርሒታት ምሃብ ግድን ስለዝኾነ ንጥዕናን ምክንኻኑን ዝምልከት ውሕስነት ግድን እኳ እንተኾነ ነቲ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ እንገብሮም ነገራት ተጠንቂቅና ክንፍጽሞም እኳ እንተሎ ብዝርኤ መንገዲ ክነምክንዶ ክነጽርዶ ክንብል ኣይንኽእልን ኢሎም። ስለዚ ኣቡናት ኣብ ዘዘለውዎ ምእመናኖም ኣብ ቅዱስ ቊርባን ከምዝሳተፉ ኣብ ዝገብሩሉ ዘድሊ ጥንቃቔ ክገብሩ ዘለዎም እምነት ይገልጹ። መምርሕን ሕግን ሥርዓተ ኣምልኾ እንትርፊ ሰበሥልጣን ቤተክርስትያን ማንም ካልእ ሥልጣን ሲቪላዊ ይኹን ካልእ ኢድ ከእቱ የብሉን እንክብሉ ነቲ ቅዱስ ጉባኤ ሰነደ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ቊ.22 ዝእዝዞ ብምዝኽኻር ንኩሉ ሕግታት ሥርዓተ ኣምልኾ ብግቡእ ክከታተሉ ኩሎም ንኣቡናቶም ክእዘዙ ንውሕስነት ሥጋዊ ጥዕና እናተጠንቀቁ ነቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝኸውን ነገራት ንከውሕሱ ክጋደሉ ብምምሕጻን መልእኽቶም ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

15 September 2020, 10:31