ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች 

ቅድስቲ መንበር፡ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ጽኑዕ ትርጉም የድልዮ

ብዙሕ እዋን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጉዳይ ዝከታተል ኣካል እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘሳኹዕዎ ሓደስቲ ኣምር ብዙሕ ዘሻቕል እዩ

ናይ ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጉዳይ ዝሓልይ ኣካል ነቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ዝህቦ ትርጉም ኣማእኪሉ እቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ኣብ ዘይካየዱ ዘይመደበይና ዓውደ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣብ ጀነቭ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ብግቡእን ብትኽክልን ብጽንዓትን ክትርጎም - ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ፥ ካብዚ ወጻኢ ዝወሃቦ ካልእ ዓይነት ኣተረጓጉማ ኣዕናውን ዘይውጽኢታውን እዩ ዝኸውን” ከምዝበሉን ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ፥ ብጹዕ ኣቡነ ዩርኮቪች ኣብቲ ዕለት 2 መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ውሳኔ ሰነድ ከም ኵነታቱ ዘይበሃልን ኣብ ዝኾነ ይዅን እዋን ዝለዋወጥ ትርጉም ዝወሃቦ ከም ግዜን ኵነትን ዘይበሃል እዩ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከምዘመላኸቱ ኣፍሊጠን።

ናይቲ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ክብሪ ንሓደጋ ዘይምቅላዕ

ኣብ መንጐ ሃገራት ናይ ሕድ ሕዳዊ ርክባዊ ዘተ ክህሉው ከምዘለዎ ዘመላኸቱ ብጹዕነቶም ኣስዒቦም “ዝኾነ ይዅን ናይቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ውሳኔ ሰነድ ዝልውጥን ወይ ውን እቲ ዝተፈረመ ውዕል እቲ ፈራሚ ሃገር ከትግብሮ ዝግብኦ ብዘይ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ፍቓድ ናይቲ ውሳኔ ትሕዝቶ ክልውጥ ኣይኽእልን” ቢሎም ነዚ መሰረት ገይሮም፥ “ኣብቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣብ ሃገራትን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ሕግታትን ስሙር ኮይኑ ክትርጐምን ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ ውሕስነት የድልዮ” ከምዝበሉ ዝሓበራ ፒሮ ኣስዒበን፥

ብዙሕ እዋን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጉዳይ ዝከታተል ኣካል እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘሳኹዕዎ ሓደስቲ ኣምር ብዙሕ ዘሻቕል እዩ፡ እቲ ዘድሊ እምበኣር ከስ እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ በቲ ኣብ 1969 ዓ.ም. ኣብ ቪየና ዝተሓገገ መምርሒ መሰረት ጽኑዕ ትርጉምን ጽኑዕ ትግባሬን እዩ ዘድልዮ ከምዝበሉ የመላኽታ።

ናይ ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጉዳይ ዝሓልይ ኣካል ዝኽተሎ ተግባሪ ሜላ ዘሐይል ኣብ 2014 ዓ.ም. ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተደንገገ ውሳኔ 68/268 ጠቒሶም እዚ እውን ምስ ሃገራት ብዛዕባ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝምልከት ጉዳይ ኪደቱን ትግባሬታቱን ዘማእከለ ስሩዕ ርክብ ክህሉ የተሓሳስብ እንክብሉ ከምዘዘኻኸሩን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 22 ነሓሴ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብዚ ዓይነት ዕዮ’ዚ ግልጽነትን ስሉጥነትን ስኒትን ዝድግፍ ሜላ የድሊ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ምልስ ቢሎም ብምዝካር ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ፒሮ ሓቢረን።

ቅድስቲ መንበር፡ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ጽኑዕ ትርጉም የድልዮ
04 September 2020, 17:05