ታግለ፡ ኣብዚ እዋን ፈተና ናይ እናቴ ተረዛ መንፈስ ምርካብ

ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣቦ መንበርን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ካርዲናል ታግለ፥ እቲ ዘይዓርብ ኣብነት እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ብፍላይ ኣብዚ ለበዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ 2020 ዓ.ም. ዕለት 5 መስከረም ብምኽንያት ዕለት ዝኽሪ ቅድስቲ ተረዛን ኣኽብሮት ንተኸለ ሰብነት ቅድስቲ ተረዛን ኣብነትን ዓቢይ ግምት ብምሃብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መዓልቲ ግብረ ሰናይ ተባሂሉ ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን ክውስን

ብምኽንያት ዓመታዊ ዝክረ ልደት ኣብ ሰማያዊ ቤት እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተረድኦ ማሕበራትን ዝጥርንፍ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣቦ መንበር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ንእናቴ ቅድስቲ ተረዛ፥ “ናይ ድኻታት ኣደ” ብዝብል ሓሳብ ገሊጾም፡ ኣብዚ ሓሳብ እዚ ኣሞርኪዞም ሰፊሕ ኣስተንትኖ ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምሉእ ሕይወትነገልግሎት ድኻታት ዝተወፈየት፥ እዚ ናይ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኵታ ሕይወት ኣብነት እዩ፡ ሎሚ እውን ኣብ መላእ ዓለም ናይ ብዙሓት ኣማንያንን ኢኣማንያንን ክርስቲያንን ዘይክርስቲያንን ሕይወት ዝማርኽ ኣብነት እያ፡ ጭቡጥ ንዅሉ ዝማርኽ ናይ ዝስዋእ ፍቕሪ ምልክታ፡ ዕለት 5 መስከረ 1997 ዓ.ም. እናተ ተረዛ ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወለዳሉ መዓልቲ ክኸውን እንከሎ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 5 መስከረም ዓመታዊ ሊጡርጊያዊ ዝክረ በዓል ቅድስቲ ተረዛ እዩ፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 17 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ኣብነትን ናይ ሕይወት ታሪኽን ቅድስቲ ተረዛ ምኽንያት ዕለት 5 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ግብረ - ሰናይ ኮይኑ ክሕሰብ ውሳኔ ከምዘመሓላለፈን ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶንዮ ታግለ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብሪሆም፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ግብረ ሰናይን ዝስዋዕ ፍቕርን ሓልዮትን ልግስን ንምንቕቓሕ ኣብ ዓመታዊ ዝኽሪ ቅድስቲ ተረዛ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ግብረ ሰናይ ዝዝከረሉ ዕለት ክውስን ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን፥ እቲ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ እትምስክሮ ዝነበረ ዝስዋኦ ፍቕሪ ሓቛፊ እምበር ዘይንጽል ንሓደ ወገን ዘይኮነ ንኹሉ ክንየው ኑዛዜ እምነትን ሃይማኖት ዝኸይድ ምዃኑ ዝምስክር እዩ፡ እናቴ ተረዛ ኣብ መላእ ዓለም ተፈላጥነት ዘለዋ ቅድስቲ ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚት ኣብ ድኻታት ኢየሱሱ ምግልጋል ዝበለትን ዝነበረትን እያ ኢሎም።

ካርዲናል ታግለ፥ ካብቶም ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ሓለውቲ ቅዱሳት ሕንቲ እውን ምዃና ገሊጾም፥ ቅድስቲ ተረዛ ኣብ 1950 ዓ.ም. ማህበር ደናግል ልኡካነ ፍቕሪ ዘቖማን መጀመሪያ በይነን ደሓር በቲ ዘቖሞኦ ማሕበር ኣቢለን ኣብ ኩሉ ዓለም ናብ ዝርከቡ ድኻታት ዝበጽሓን ዝስዋእ ፍቕሪ ዝመስከራን ፍቕሪ ብዓበይቲ ጫውጫው ብዝብል ተግባራት ኣብ ረኣዩለይን ስምዑለይን ዘይኮነ ዕለት ብዕለት ብንኣሽቱ ተግባራት ዝመስከራ እየን፡ ናይ ዝስዋእ ፍቕሪ ምንጪ እግዚኣብሔር እዩ፥ ፍቕሪ ህልዎትን ስም እግዚኣብሔርን እዩ፡ ምንጪ ፍቕሪ እውን እግዚኣብሔር እዩ! እዚኣብሔር ሕይወት ይህብ ሓጢኣት ይምሕር ድኻታት ይከናኸንን ይከላኸልን መሬትን ፍጥረትን ዝዕንግልን፡ ምስ ድኻታት ዝሳቐይ - ናይ ስቓይ ተኻፋልን ዝተነጸሉን ዝተሓረጉን ዘሰንይ እብ ኢየሱስ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ሞት ዝሰዓረን  እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ (ቀዳመይቲ መልእክቲ ዮሓንስ. 4, 8)። ሰብ ኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር እዩ፥ ስለዚህ ናይቲ ፍቕሪ ወጅሂ ንምዃን ዝተፈጥረ እዩ! ነቲ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ ዝብል መንነትን ሓቅነትን ምዃናዊ እግዚኣብሔር፡ እናቴ ተረዛ ናይ ህላዌኣ ምኽንያትን መጋበርያን ዝገበረትን፡ መጋበርያ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ኣገልግሎት ንድኻታት ኣመክንዮ ሕይወታ ዝገበረት ምዃኑ ካርዲናል ታግለ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የብርሁ።

ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣቦ መንበርን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ካርዲናል ታግለ፥ እቲ ዘይዓርብ ኣብነት እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ብፍላይ ኣብዚ ለበዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ 2020 ዓ.ም. ዕለት 5 መስከረም ብምኽንያት ዕለት ዝኽሪ ቅድስቲ ተረዛን ኣኽብሮት ንተኸለ ሰብነት ቅድስቲ ተረዛን ኣብነትን ዓቢይ ግምት ብምሃብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም  መዓልቲ ግብረ ሰናይ ተባሂሉ ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን ክውስን ምድግጋፍን ምትሕብባርን ንምንቕቓሕ ኣሚቱ እዩ፥ ኩሉ ብሓባር ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምብዳህን ናይ ካልእ ስቓይን ከበድን ንምእላይን ሰላምን ምርግጋእን ማዕርነትን ፍትሕን ኣብ ፍቕሪ ብዝብል መንፈስ ተዘኪሩ ከምዝወዓለን፡ በዚ መንፈስ’ዚ እውን ከምእተዘከረ ሓቢሮም እዚ ዝኽሪ’ዚ ንከፍሲ ወከፍና እንታይ ዓይነት ሰብ እየ? እንታይ ዓይነት ሰባት ኢና እንሓንጽ ዘሎና፥ ንናይ ጽባሕ ወለዶ እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና እንሓድገሉ ዘሎና? ብኸመይከ ንሓንጾ ኣሎና? ዝብል ሕቶ ንኸነቕርብ ይድርኸና፡ እቲ ለብዒ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ፍቕሪ ወይ ከኣ ዘይተገዳስነት ድዩ ዝለዓዕል ዘሎ? ሎሚ ካብ ቀደም እውነተይና ግብረ ሰናይ ሓቀይና ሰባት ዝጠልብ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

07 September 2020, 22:07