ቫቲካን፥ ጸብጻብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓልዮ ሓበሬታ ሃብቲ ገንዘብ በዓል ስልጣን ቫቲካን፥ ጸብጻብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓልዮ ሓበሬታ ሃብቲ ገንዘብ በዓል ስልጣን 

ቫቲካን፥ ጸብጻብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓልዮ ሓበሬታ ሃብቲ ገንዘብ በዓል ስልጣን

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓልዮ ሓበሬታ ዛዕባ ሃብቲ ገንዘብ በዓል መዚ፥ 4 ስጉምትን ሓደ 240 ሺሕን ብተወሳኺ እውን 178,970,65 ኤውሮ ዝሓዘ ናይ ባንኪ ሒሳብ ከምዝዓገተን ካብ ናይ ሕግን ፍትሕን ዘነቓቕሕ ቤት ጽሕፈት 15 ናይ ጸብጻብ ሓበሬታ ከምዝበጸሖን

ኣብ 2019 ዓ.ም. 64 ዝተፈላለዩ ናይ ጥርጣረን ጥርዓንን ሓበሬታ ከምዝበጸሖን ኣርባዕተ ስጉምቲ ከምዝወሰደን ልዕሊ 370 ዝልምልከቱ ጉዳያት ምስ ናይ ውሽጥን ዓለም ሓቆፍን ናይ ሓልዮ ሓበሬታ ሃብቲ ገንዘብ በዓል ስልጣን ሓበሬታ ብምልውዋጥ ናይ መርመራን ምጽራይን ዕዮ ከምዘሳለጠን፡ ኣብዚ መዳይ ዘሳልጦ ናይ ምትሕብባር ዕዮ ጽኑዕን እናዓበየን ይኸይድ እውን ምህላዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓልዮ ሓበሬታ ዛዕባ ናይ ሃብት ገንዝብ በዓል ስልጣን ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ናይ 2019 ዓ.ም. ናይ 2020 ዓ.ም.  መፋርቕ ኣማእኪሉ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ከምዘመለኻተ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓልዮ ሓበሬታ ዛዕባ ሃብቲ ገንዘብ ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ ዘይንጹርን ካበይን ብኸመይን ዝተኣከበን ናይ መንን ዝብል ሕቶ መሰረት ዝገበረ ብምኽንያት ዘካይዶ ናይ ምጽራይ ዕዮ 64 ናይ ጠርጠራ ጥርዓን ሓበሬታ ከምዝበጸሖን ካብዚኣቶም እቶም 55 ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ተቖጻጻሪ ኣካል ዝነቐሉን እቶም ኣርባዕተ ካብ ናይ ቫቲካን ስልጣናትን ዝተረከቦ ሓበሬታ ምዃኑ ኣብቲ ናይ 2019 ዓ.ም. ጸብጻብ ተመልኪቱ ከምዘሎ ነቲ ናይ ጸብጻብ ሰነድ ወግዓዊ ንምግባር ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጓራሺ ኣፍሊጦም።

ምስ ናይ ሕግን ፍትሕን ዘነቓቕሕ ኣካል ምሉእን ዝለዓለን ምትሕብባር

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓልዮ ሓበሬታ ዛዕባ ሃብቲ ገንዘብ በዓል መዚ፥ 4 ስጉምትን ሓደ 240 ሺሕን ብተወሳኺ እውን 178,970,65 ኤውሮ ዝሓዘ ናይ ባንኪ ሒሳብ ከምዝዓገተን ካብ ናይ ሕግን ፍትሕን ዘነቓቕሕ ቤት ጽሕፈት 15 ናይ ጸብጻብ ሓበሬታ ከምዝበጸሖን ዕለት 11 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ካብ ወጻኢ ብዝበጽሖ ሓበሬታ መሰረት ዕቃበ ኣብ ዝብል ውሳኔ ምስ ናይ ሕግን ፍትሕን ዘነቓቕሕ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ስርዓትን ስጉምትን ጽኑዕ ንምግባር ዝብል ስምምዕ ከምእተፈራረመ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ ከምዘሎ ጓራሺ ሓቢሮም።

ናይ ዝቐርቡ ሓበሬታዊ ጥርዓን ጽፈት

እቲ ሓልዮ ሓበሬታ ሃብቲ ገንዘብ በዓል መዚ ዝበጽሖ ጥርዓት ይኹን ሓበሬታ ትክክለይናን ጽፈት ዘለዎ ኣብ ምዃን እናዓበየ ይኸይድ ከመዘሎን እዚ ኸኣ እቲ በዓል መዚ ዘለዎ ሓላፍነትን ኩነታት እውን ሕጋዊ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ምስትውዓል ክብ ይብል ምህልዉ ዘመላኽት ተፍጻም ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመላኽት።

ምስ ወጻኢ ዝግበር ምልውዋጥ ሓበሬታ ጭቡጥ ውጽኢቱ

እቲ በዓል መዚ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዘካይዶም ስምምዕ ጭቡጥ እዩ፡ 370 ዝተፈላለየ ስምምዕ እዚ ኸኣ ሓበሬታ ኣብ ምልውዋጥን ምስ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ሓበሬታ ሃብቲ ገንዘብ በዓል መዚ ዘካይዶ ከምዝኾነን ኣብ 2012 ዓ.ም. 60 ዝተፈላለየ ስምምዕ ከምእተፈራረመ እቲ ጸብጻብ ከምዘመላኸተ ዝሓበሩ ጓራሺ ኣስዒቦም፥

ኣብ ናይ ሃይማኖት ተግባር ተቕዋም (Ior) ዝተኻየደ መርመራ ንምኽባር ሕጊ

እቲ ሓልዮ ሓበሬታ ዛዕባ ሃብቲ ገንዘብ በዓል መዚ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖት ተግባር ተቕዋም (Ior) ኣብ ወርሒ ሰነ 2019 ዓ.ም. እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2019 ዓ.ም. መርመራ ከምዘካየደን እቲ ዘካየዶ መርመራ ሃብቲ ገንዘብ ካብ መን ናይ መን ካበይን ናበይን ዝብል ግልጺ ሓበሬታ ዘለዎን ረሳሕ ሃብቲ ገንዘብን ንግብረ ሽበራ ዝፍፈስ ሃብቲ ገንዘብን ናይ መቁጽጸሪ መምርሒ ምሉእ ብምሉእ ዘኽበር ምዃኑ ከምዘረጋገጸ ኣፍሊጦም።

ትሑትን ዳርጋ የሎን ክትብሎ ዝከኣል ስግኣት ሃብቲ ገንዘብ ንግብረ ሽበራ

ንግብረ ሽበራ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ምቁጽጻር እቲ ቀዳማይን ዝዓበየን ዕዮ ኮይኑ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከት ሓበሬታ እውን ዝበጽሖ እንተኾነ ብዘካየዶ መርመራ ብግልጺ ንግብረ ሽበራ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ከምዘይኮነ ከምዘረጋገጸን ንግብረ ሽበራ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ዝብል ስግኣት ከምዘየለ እውን እቲ ጸብጻብ ከምዘመላኽቱ ጓራሺ ሓቢሮም።

ረሳሕ ሃብቲ ገንዘብን - ዘይሕጋዊ ሃብቲ ገንዘብ ዘይሕጋውነቱ ንምኽዋል ዝግበር ዝተፈላለዩ ከይድታት ዝቆጻጸርን ንግብረ ሽበራ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብን ኣብ ዝግበር ምቁጽጻር ውሽጣዊ ምትሕብባር ዘዕግንብ ጽኑዕን ከምዝኾነ እቲ በዓል መዚ ሓልዮ ሓበሬታ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ዘውጸኦ ሰነድ ኣመላኺቱን ካብ ክፍሊት ግብሪ ካብ ዘይምኽባር ዝእከብ ሃብቲ ገንዘብ የለን፡ ኣብ ናይ ግብረ ሃይማኖት ተቕዋም እውን የሎን፡ ስለዚህ ግብሪ ክፍሊት ግብኡን ግዴታን እውን እዩ፡ ነዚ ሕጊ እዚ ብምጥሓስ ዝእከብ ሃብቲ ገንዘብ ከይህሉ ዝግበር መርመራ ጽኑዕ ምዃኑ እቲ ሰነድ ከምዝሕብር ጓራሺ ኣፍሊጦ። 

ቫቲካን፥ ጸብጻብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓልዮ ሓበሬታ ሃብቲ ገንዘብ በዓል ስልጣን
04 July 2020, 19:25