ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ናይ መቆጻጸሪ ኵላዊ ናይ ሕጋዊ ኪደት ሰነድ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ናይ መቆጻጸሪ ኵላዊ ናይ ሕጋዊ ኪደት ሰነድ  

ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ናይ መቆጻጸሪ ኵላዊ ናይ ሕጋዊ ኪደት ሰነድ

ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ዝፍጸምን ገበን ዝርጋሔ ጸያፍ ኣሳልእልን ዝምልከት ዝቐርብ ምስክርነትን ክስን ዝዀነ ይኹን ጳጳስን ናይ ገዳማትን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ኣሕሉቕ ብቐጥታ ንዝምልከቶ ኣካል ክሲ ከቕርቡ

ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ብኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ሓቅነቱ ናይ ምጽራይ ኪደት ብኸመይ ክካየድ ከምዘለዎ ዝመርሕ ናይ መቆጻጸሪ ሰነድ ዕለት 16 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ወግዓዊ ከምዝገበረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ካርዲናል ላዳሪያ ፈረር

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ መምርሒ ናይ መቆጻጸሪ ሰነድ ብጠቕላላ 30 ገጽን 9 ምዕራፍ ዘለዎን ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ብኸመይ ክግጠምን ክጻረይን ከምዘለዎ ሕጋዊ ኪደታቱ ዝመርሕ ኮይኑ፡ ብመሰረቱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽን ከምኡ እውን ገበን ዝርጋሐ ጸያፍ ኣሳእል ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ናይ ዝዀኑ ሕጻናት ዝምልከት ኣብቲ delicta graviora - ከበድቲ ገበናት ኣብ ዝብል ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ዓንቀጽ መቕጽዒ ሕጊ ክሳዃዕ ዝእዝዝ ክልተ ሓደስቲ ዕለት 4 ታሓሳስ 2019 ዓ.ም. ዝተደንገገን ዕለት 16 ታህሳስ 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝዀነ ሓድሽ ሕጊ ብዛዕባ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸምን ዝምልከት ኣብቲ Vos estis lux mundi - ናይ ዓለም ብርሃን ኢኻትኩም ብዝብል ኣርእስቲ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ስልጣን ኣብ ዝደንገግዎ ናይ ሕጊ ዓንቀጽ ምልኩት ዝዀነ፡ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ዝፍጸምን ገበን ዝርጋሔ ጸያፍ ኣሳልእልን ዝምልከት ዝቐርብ ምስክርነትን ክስን ዝዀነ ይኹን ጳጳስን ናይ ገዳማትን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ኣሕሉቕ ብቐጥታ ንዝምልከቶ ኣካል ክሲ ከቕርቡን እቲ ዝተፈጸመ ገብን ካብ ምሕባእ ክቑጠቡ ዝእዝዝ እዩ፡ ስለዚህ እዚ ሓድሽ ሕግ’ዚ ነቲ ጳጳሳዊ ስቱርነት ዝብል ሕጋግ ዝሓክኽ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ ሓድሽ ሕጊ ብጭቡጥ ዝትርጉም እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተኻየደ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመኸረ ናይ መላእ ሃግራት ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዓውደ ጉባኤ ዘቕረቦ ሕቶ ግምት ዝሃበ እውን ምዃኑ ዝሓበራ ፒሮ ኣስዒበን፥ እዚ እውን እቲ ንሓቅን ፍትሕን ንምግልጋል ዝብል እቲ ኤቅለስያዊ ማሕበረሰብ ዘቑስል ገበን ዝምልከት ሕጊ ብጥልቂ ዘብርህ እውን ምዃኑ የመላኽታ።

ናይ ሕጊ መወከሲ ምንጪ

ነቲ ኣብ 2001 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዝነበሮም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት Sacramentorum sanctitatis tutela -  ናይ ቅዱሳት ምስጢራት ቅድስና ምክልኻል ብዝብል ኣርእስቲ ዝደንገግዎ ሕግን ስዒቡ እውን ኣብ 2010 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ብዝነበሮም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ብዘተኣታትውዎ ሰለስተ ዓንቀጻት ዝተሓደሰ ሕግን ስዒቡ እውን ዕለት 16 ታህሳስ 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝዀነ ሓድሽ ሕጊ ብዛዕባ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸምን ገበናት ዝምልከት ኣብቲ Vos estis lux mundi - ናይ ዓለም ብርሃን ኢኻትኩም ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ስልጣን ዝደንገግዎ ሓድሽ ሕጊ እቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ብኸመይ ክጻረን ናይ መቕጽዒ ፍርዳዊ ኪደት መርመራ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎን እቲ ሓድሽ ሰነድ ናብቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ሕጊ ብትኽክል ዝመርሕ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ እውን ኣብ መንጐ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተልን ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላን ኣቢያተ ቤተ ክርስትያን ናይ ነፍሲ ወከፈን ሕገ ቀኖና ግምት ዝህብ እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ካብ ቀዳማይ ምዕራፍ ክሳብ ምዕራፍ ሰለስተ ዘመላኽቶ ሓሳብ እውን ከምዝኾነ ፒሮ ይሕብራ።

ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝኾኑ ምእንገዳን ምስማዕን ምስናይን

ኣብቲ ናይ መምርሒ ሰነድ ብቐዳምነት ሰብኣዊ ፍጥረት ምክልኻል ዝብል ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾነን ስድራ ቤትን ብኣኽብሮት መንፈስ ጉዳዮም ምክትታልን ክእንገዱን ክስምዑን ንበይኖም ከይሕደጉ ምስናይን ከከም ኩነታቶም ድማ መንፍሳውን ስነ ኣእምሮኣውን ኣገልግሎት ምቕራብ ኣገዳሲ ምዃኑን የተሓሳስብ። ቅርሕንትን ቂምን ሽምጠጣን ከይህሉ ዝቐርብ ክሲ ብሓቂ ዝተፈጸመ ድዩ ወይ ስም ንምጽላምም ንሓሜታን ንበለካን ለኸዓካን ዝንዛሕ ምዃኑ ብጥልቂ ንምጽራይን እቲ ሓቂ ካብ ሓሶት ፈሊኻ ንምልላይ ናይ ዝምልከቶ ኣካል ናይ ምክልኻል መሰል ክሕሎን፡ ክሳብ ዝቃረን ንፍርዲ ዘቕርብ መርትዖታት ተኻሳሲ ናይ ንጽሕና ዝብል ግምታውነት ክህሉ ባህርያውን ሕገ ቀኖናውን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መትከል ምክልኻልን ምኽባርን ይግባእ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ ናይ ተኸሳሲ መዝገብ ዝሰፈሩ መንነት ድዩ ኣስማት ኣብ ሰበኻ እውን ይዅን ቅድሚ ናይ ቤት ፍርዲ ኣብ መንጐ ከሳስን ተኸሳስን ዘበግሶ ናይ ምጽራይ ከይድን ናይ መወዳእታ ብይን ክሳብ ዝወሃበሉን ናይ ተኸሰስቲ መንነት ምዕቃብ እውን ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ ናይ መምርሒ ሰነድ ከምዘተሓሳስብ ፒሮ ይሕብራ።

ናይ ተኸሳሲ መሰል

ኣብ መወዳእታ እቲ ሰነድ ኣብ ታሽዓይ ምዕራፍ፥ እቲ ገበን ዝተፈጸመ እውን እንተኾነ ናይ ምክልኻል መሰሉ ውሑስ ክኸውን ኣለዎ። ተኸሳሲ እቲ ገበን ዝፍጸመ ምዃኑ ዘረጋግጽ መርትዖ እውን እንተሎ እቲ ተኸሳሲ ኣባል ውሉደ ክህነት ድዩ ገዳማዊ፡ ክህነተይ ይለዓለለይ ክብልን ካብ ናይ ንጽሕና ማሓላ ናጻ ክኸውንን ገዳማዊ እንተድኣ ኮይኑ ካብ ናይ ገዳማዊ መብጽዓታቱ ናጻ ክኸውን ሕቶ ከቕርብ ከምዝኽእልን እቲ ሕቶ ብናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኣቢሉ ር.ሊ.ጳ. ክመሓላለፍ ኣለዎ፡ብተወሳኺ ተጠርጣሪ ኣብ ልዕሊ ናይ ገበን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቤት ፍርዲ ኣሰራርሓ ድዩ ወይ ኣብ ልዕሊ ገበን ዝከታተል ቤት ምሕደራ ኣሰራርሓ ዘይተኣማመን እንተድኣ ኮይኑ ይግባይ ክብል መሰሉ እዩ፡ እቲ ር.ሊ.ጳ. ዝህብዎ ውሳኔ ግና ይግባይ ዘይበሃሎ ምዃኑ የመላኽት።

ዝቐርብ ክሲ ብዕምቆት ምጽራይን እቲ ክሲ ይቕረብ ኣይቕረብ ብዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ማንነቱ ብዘይሕብር ምንጪ ጠቒሱ ዝተሓበረ እውን እንተኾነ፡ እቲ ተፈጺሙዎ ዝበሃል ገበን ክጻረይ ከምዘለዎ እቲ ሰነድ የተሓሳስብ እቲ ናይ ምጽራይ ጉዳይ እውን ይበገስ ብስቱር ኣገባብ ክፍጸም ከምዘለዎን ኣብ ምስጢረ ንስሓ ዝተነገር እንተድኣ ኮይኑ ናይ ምስጢረ ንስሓ ስቱርነቱ ሕልው ኮይኑ ኣናዛዚ ነቲ ዝተናዘዘ ብዛዕባ እቲ ዝበሎ ጉዳይ ብርእሰ ድፍኢት ንዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ ኽህብ ከእምኖ ክኽእል ከምዘለዎ እውን የመላኽት።

ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትስን ምትሕብባር ክህሉን እዚ ምትሕብባር’ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ዘሎ ቅዋም ሃገርን ሕግን ዘኽብር ክኸውን እቲ ሰነድ የዘኻኽር ዝበላ ፒሮ ኣስዒበን ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ተጠርጣሪ ዝመሓላለፍ ውሳኔ ቅድመ ጥንቃቐ እምበር ፍርዲ ከምዘይኮነን ክስትውዓልን ተሓታቲ ካህን ናብ ካልእ ቦታ ክቕየር እውን ክልኩል ምዃኑ ክምዘመላኽት ኣፍሊጠን።

ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ናይ መቆጻጸሪ ኵላዊ ናይ ሕጋዊ ኪደት ሰነድ
17 July 2020, 15:54