ቅድስቲ መንበር ንሕ.መ. ኣመሪካን እስራኤልን ሓደ ጎድናዊ ውሳኔ ስግኣት ንማእከላይ ምብራቕ ቅድስቲ መንበር ንሕ.መ. ኣመሪካን እስራኤልን ሓደ ጎድናዊ ውሳኔ ስግኣት ንማእከላይ ምብራቕ 

ቅድስቲ መንበር ንሕ.መ. ኣመሪካን እስራኤልን ሓደ ጎድናዊ ውሳኔ ስግኣት ንማእከላይ ምብራቕ እዩ

ከምቲ ዕለት 20 ሕዳር 2019 ዓ.ም.ን ከምኡ እውን ዕለት 20 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ እስራኤልን ሃገረ ፍልስጥኤምን ብዓለም ሓቆፍ ፍሉጥ ኣብ ዝኾነ ዝተሓንጸጸ ዶባተን ውሽጢ ብሰላምን ጸጥታን ደሕንነት ናይ ምንባር ህልውናኤን ኣብ ሕቶ ዘየአትው ሕጋዊ መሰልን ክብርን እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጽዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ናይ ሃገረ እስራኤልን ሃገረ ፍልስጥኤምን ብዓለም ሓቆፍ ፍሉጥ ኣብ ዝኾነ ዶባተን ውሽጢ ብሰላምን ጸጥታን ደሕንነት ናይ ምንባር ህልውናኤን ኣብ ሕቶ ዘየእትው ሕጋዊ መሰልን ክብርን እዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ቅድስቲ መንበር ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ንናይ እስራኤልን ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ደጊሞም ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 30 ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ምስ ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ንናይ እስራኤልን ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ግብረ ውሳኔ ሓደ-ጐናውነት ነቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤን ዝካየድ ርክብ ድልያ ሰላምን ነቲ ስንኩፍ ኩነት ማእከላይ ምብራቕን ስግኣት እዩ ዝብል ናይ ቅድስቲ መንበር ሻቕሎት ከምዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓፍሊጡ።

ከምቲ ዕለት 20 ሕዳር 2019 ዓ.ም.ን ከምኡ እውን ዕለት 20 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ እስራኤልን ሃገረ ፍልስጥኤምን ብዓለም ሓቆፍ ፍሉጥ ኣብ ዝኾነ ዝተሓንጸጸ ዶባተን ውሽጢ ብሰላምን ጸጥታን ደሕንነት ናይ ምንባር ህልውናኤን ኣብ ሕቶ ዘየአትው ሕጋዊ መሰልን ክብርን እዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ናይ ዕለት 30 ሰነ 2020 ዓ.ም. ዘካየድዎ ርክብ ደጊሞም ከምዘረጋገጹ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ነዚ መሰረት ገይሮም ብጹዕነቶም እስራኤልን ፍልስጥኤን ቀጥታዊ ናይ ሰላም ዘተ ብመሰረት ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውሳኔ ብዘይ ቅድመ ኵነትን ቅድመ ፍርድን ብሕድ ሕዳዊ ምትእምማን“ ኣይፋል ንግጭት ሕራይ ንምርኻብን ኣይፋል ንዓመጽ ሕራይ ንዘተን ኣይፋል ንተጻብኦነትን፥ (ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮኢ ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ዕለት 8 ሰነ 2014 ዓ.ም. ምእንቲ ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጸሎት ምህለላ ዝበልዎ) ቢለን ቀጥታዊ ናይ ሰላም ዘተ ከበግሳ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ብኣጽንዖት ከምእተላበዉ ኣፍሊጡ።

ቅድስቲ መንበር ንሕ.መ. ኣመሪካን እስራኤልን ሓደ ጎድናዊ ውሳኔ ስግኣት ንማእከላይ ምብራቕ
02 July 2020, 23:13