2014 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ ዓቢ ረቢ ዕብራውያን ኣብ ኢየሩሳሌም 2014 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ ዓቢ ረቢ ዕብራውያን ኣብ ኢየሩሳሌም 

ኖስትራ ኤታተ ዘመንና/ዘሎናዮ ግዜ! ንውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ እምነታት በሪ ዝኸፈተ ሰነድ 2ይ ጉባኤ ቫ

55 ዓመት ይገብር ኣበው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነቲ እኖና ድንግል ማርይም ኣብ ፋጢማ ዝሃበቶ መልእኽቲ ሸለል ምባል ኣብ ዓዘቅቲ ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ምህላቅ ንቊርብ ዘምለጠን እስትንፋስ ረኺቡን ክንዲ ብውግእን ወረ ውግእን ናብ ንቡር ተመሊሱ ብዛዕባ መሰላት ደቂሰባት ክዛተን ክቀራረብን ዝጀመረን ሓዲስ ጒዕዞ ዝሓዘን ዝመስል ዝነበረ ናይቲ ግዜቲ ሕዝብታት ዝኸውን መምርሒ ምናዳ ኣብ ብዝሒ ሃይማኖታትን ጸገማቶምን ብዝርኢ እቲ እንኮ ፍታሕ ዘተ ምዃኑ ንምምልካት ኖስትራ ኤታት ዘመንና ዝብል ምስ ካልእ እምነታት ንምዝታይ በሪ ዝኸፍተ ኣዋጅ ኣዊጃ።

 ዜና ቫቲካን

ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን ኣንድረያ ቶርንየሊ ነቲ ብዕለት 28 ጥቅምቲ 1965 ዓም ብመሪሕነት ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ኣበው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ድሕሪ ብዙሕ ኣስተንትኖን ጸሎትን እንካ ሃባን ዝኣወጅዎ ንሽዑ ዘመና ወይውን ዘሎና ግዜ ብማለት ዝኣወጅዎ ሎሚ እውን ኣድላይነቱ ብግቡእ ንምርዳእን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን ከም ብሓዲሽ ክነጽዖን ክንመራመረሉን ግድን ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ናብ ታሪኽ ምልስ እንተቢልና ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ ከቢድ እዋን ነቲ ብብዙሕ መንገዲ ብውሽጥን ብደገን ኣብ ዓቢ ጸገም ዝነበረት ቤተክርስትያን ብዓንቀጸ እምነትስ ይኹን ብካልእ ምሕደራ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣጽኒዖም ክመርሑ ድሕሪ ምጽናሕ ምስ ሓለፉ ንመታካታኦም ዝኾኑ ር.ሊ.ጳ ንምምራጽ ዝተጋብኡ ኣበው ድሕሪ ነዊሕ ጸሎትን ምርጫን ከም ንግዜኡ ኢሎም ነቶም ዝሸምገሉ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ምስ መረጹ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ክንዮ ትጽቢት ብዙሓት ሎሚ ጽባሕ ዝበሃሉ ዝነበሩ ሕጹጽ ጻውዒት ንካልኣይ ጉባኤ ባቲካን ጸዊዖምስ ኣጀሚሮም እቲ ጉባኤ እናተኻየድ ኣብ ማእከል ምስ ኣቦታቶም ምስ ሓለፉ እቲ ወትሩ ባዕሉ ዝጓስያ ጐይታ ንቤተክርስትያኑ ክመርሑ ንቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ወፈየ። ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ጸገማት ክንዮ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ምስ ዘይክርስትያን እምነታት እንታይ ዓይነት ርክብ ክህሉ ኣለዎ ኣብ ዝብል ነጥቢ ብዙሕ ምስ ሰርሑ ዘተ ክግበር ኣብ ዝብል ስምምዕ በጺሖምስ ነዚ ሎሚ ብውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ዝብል ሰፊሕ ግራት በሪ ከፈቱ። 'ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ዘመደ ኣዳም ካብ ዕለት ናብ ዕለት ጥቡቅ ርክብን ኣብ ነንሕድሕዱ ምድግጋፍን ቤተክርስትያን እውን ምስ ክርስትያን ዘኮና እምነታት ዘለዋ ርክብ ብዕምቈት ንክተስተን ትጽዋዕ` እንክብሉ ዝጀመርዎ ሰነድ ብቀንዱ ኣብቶም ምንጪ ተገልጾን ሕርየት እግዚአብሔርን ኰይኖም ንታሪኽ ድሕነት ብወገን ዘመደ ኣዳም ዘንቀሳቀሱ ዕብራውያን ዝምልከት ብምንባሩ ኣብ መንጎ ክርስትናን ዕብራዊ እምነትን ዘተ ክጅመር ዝጽውዕ ከምኡ ምስ ካልኦት ዘተባብዕ ኖስትራ ኤታተ ዘሎናዮ ዘመን ዝብል ሰነድ ተኣወጀ።

እንኮ ርክብ ክርስትናን ዕብራዊ እምነትን!

ናይዚ ሰነድ እዚ ቀንዲ ትሕዝቶ ነቲ ምስ ዕብራዊ እምነት ዘሎ ርክብ ኣብ ምግላጽ ኰይኑ ናብ መሠረትን ምንጭን ቤተክርስትያን ምልስ ብምባል 'ምሥጢረ ቤተክርስትያን ብምምርማር እዚ ቅዱስ ጉባኤ እዚ ነቲ ሕዝበ እግዚአብሔር ሓዲስ ኪዳን ምስ ዘርኢ ኣብርሃም ንዘለዎ መንፈሳዊ ምትእስሳር ኣብ ግምት ብምእታውን ነቲ ኣብ መንጎ ክርስትያንን ዕብራውያውንን ዘሎ ሓባራዊ መንፈሳዊ ውርሻን ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ቅዱስ ጉባኤ እዚ እዘን ክልተ ዓበይቲ ማሕበራት ነንሕድሕደን ብክብሪ ክፋለጣን ክቀባበላን ነቲ ሓባራዊ ውርሻ ዝኾነ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ምጽናዕን ትምህርተ ንባበ መለኮትን ብሕውነታዊ ዘተ ከድንፍዓ ንጽውዕ` እንክብሉ ዕብራዊ መሠረት ቤተክርስትያን ዘረጋግጽን ኣብ መንጎ እምነት ክርስትናን ዕብራዊ እምነትን ዘሎ ርክብን ዝገልጽ መርገጽ ተወስደ። ነዚ ጉዳይ እዚ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሮማ ጳጳስ ኣብ ዝነበሩሉ ብወርሒ ጥሪ 2010 ዓም ኣብ ሮማ ንዝርከብ ዓቢይ ምኲራብ ዕብራውያን ኣብ ዝበጽሑሉ 'ትምህርቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንካቶሊካውያን ሓደ ነቅ ዘይብል ነጥበ መቀይሮ ከምዝገበረን እዚ ከኣ ኣብ ክርስትያንን ዕብራውያንን ዘሎ ርክብ ሓዲስን ኣገዳስን ምዕራፍ ከምዝጀመረ በዚ ከኣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክልቲኦም ወገናት ንድሕሪ ዘይምለስ ዘይዕጸፍ ዘተ ሕውነትን ምሕዝነትን ክጅምሩ እሞ በዚ ክጐዓዙ ኣኽኢሉ' እንክብሉ እዚ ሰነድ እዚ እምኒ መሠረት ዘተ ክርስትያንን ዕብራውያንን ከምዝጀመረ ገሊጾም ነበሩ። በዚ ከኣ እቲ ካብ ጥንቲ ዝሕሰብን ዝዝረብን ዝነበረ ንዕብራውያን ከም ቀተልቲ ወልደ እግዚአብሔር ዝኸስስ ሓሳብ ተደምዲሙ።

ፍጻሜ ክሲ ቅትለት ወልደ እግዚአብሔር ተጻይ ዕብራውያን!

ንመደብ ታሪኽ ድሕነት ከም እተገብኤ ሰኣን ምርዳእን ክንርድኦ ብዘጸገም መለኮታዊ መደብ ንዝተፈጸሙ ጉዳያትን ፍጻሜታትን ሰብኣዊ ትርጓሜ ጥራይ ብምሃብ ኣብ እምነት ጸገም ዝፈጥሩ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ ሓደ ካብዚ ከኣ ኣይሁድ ወይ ዕብራውያን ቀተልቲ ወልደ እግዚአብሔር እዮም ምባል ጥራይ ዘይኮነ ሕሉፍ ሓሊፉ ዝኾነ ጸገም ከጋጥሞም እንከሎ ዝፈርድ እውን ኣይተሳእነን እንተኾነ ኣበው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነቲ ኣብ ዘመኑ ተኸሲቱ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዓቢ ሕልቂት ዕብራውያን ዘስዓበ ተጻይ ሰማያውያን ኣንቲ ሰሚቲክ ብዝብል ምንቅስቃስ ዝፍለጥ ብዓንዲ ርእሱ ኢሰብኣውን ኢፍትሓውን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኢክርስትያናዊ ብምዃኑ ክውገዝ ዘለዎ ብዓንዱ ርእሱ ከኣ እቲ ቀተልቲ ወልደ እግዚአብሔር ዝብል ምስ መድብ ድሕነት ዘየሳኒ ብምዃኑ ዘሎ ጽልእን ስደትን ክሉ ተጻይ ዕብራውያን ዝግበር ምንቅስቃሳትን ንኹንን ኢሎም። 'ሽሕ'ኳ ሰበሥልጣን ዕብራውያን ምስ ተኸተሎም ንሞት ክርስቶስ ምኽንያት እንትኾኑ ሕማማትን ሞትን ክርስቶስ ንኩሎም ኣብቲ ግዜቲ ዝነበሩ ዕብራውያንስ ይኹን ነዞም ኣብ ዘመንና ዘሎ ዝምልከት ኣይኮነን' እንክብሉ ነቲ ከም መጓሃሃሪ ጽልኢ ዕብራውያን ዝነበረ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ደምደምዎ።

ኣብ ካልኦት እምነታት ዘንጸባርቅ ጩራ ሓቂ!

እዚ ታሪኻዊ ሰነድ እዚ ምስ መነመን ዘተ ንዝብል ሕቶ ክምልሽ ነቶም ክሳብ ሽዑ ፈጺምካ ምስ ክርስትና ዝምድና ዘይነበሮም ከም ኣረማውያን ዝግመቱ ዝነበሩ ሂንድዊዝም ብዱሂዝም እናበለ ንኩሎም እምነታት ይጠቅስሞ 'እዘን እምነታት እዚኤን ብዝተፈላለየ መንገዲ ነቲ ኣብ ውሽጢ ልቢ ደቂሰባት ኰይኑ ዝህውጽ ሕቶ ፈጣርን መንነትን ፍጻሜ ንዝምለት ዝተፈላለየ ትምህርታትን ሕግታት ሕይወት ብምሥራዕን ብወገኖም ቅዱስ ሥርዓታት ዝበልዎ ሥርዓታት ኣምልኾ ብምስራዕን ይገልጽዎ። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካብዚ ኣገባባት ሓቂ ዝሓዘ ዘበለን ቅዱስ ዝኾነ ነገርን ምንም ነገር ናይዘን እምነታት ኣይትነጽግን። ነዚ ዝተፈላለያ እምነታት ዝሰርዖዖ መምርሒ ናብራን ሕግትታን ዓምዲ እምነታቶምን ብቅኑዕ ክብሪ ትምልከቶ ሽሕ`ኳ ካብቲ ንሳ እትኣምኖ ዝተፈልየን ዘይግሉጽን እንተኾነ ጩራ ሓቂ ከምዘለዎ ኣይትኽእዶን እዚ ኸኣ ንኩሉ ደቂሰባት ዘብርህ ምዃኑ ትኣምን` ክብሉ ንዘተ ምስ ኩለን እምነታት በሪ ኸፊቶም። ምስዚ ብዝመዓራረ መንገዲ እምነት ምስልምና እውን ካብቲ ናይ ሓባር ኣቦ ኣመንቲ ዝኾነ ኣብርሃም ብምባጋሱን ካልእ ሓባራዊ ንዘተ ዝኸውን ነጥብታቱን ብምጥቃስ ዘተ ከምዘድሊ ገሊጾም። ነዚ ስዒቡ ብ1979 ኣብ ኣንካራ ነታ ካብ ኣብርሃም ብውረድ ተዋረድ ዝመጻ ሰልስተ እምነታት ማለት ዕብራውያን ክርስትያን ኣስላም ብፈጣርን ልዕሊ ኩሉን ዝኾነ እግዚአብሔር ዝኣምናን ወዲሰብ ከኣ ኣብ ጥርዚ ፍጥረት ምዃኑ ዝቅበላን ሓባራዊ ኣቋዋም ዘበገሱላ ብ1985 ዓም ኣብ ካዛብላንካ ሞሮኮ ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተመርሔ ሓባራዊ ምንቅስቃስ ተጀሚሩ። ነዚ ስዒቡ ብ27 ጥቅምቲ 1986 ዓም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣሲዚ ንመራሕተ ኩለን እምነታት ዓዲሞም ብሓባር ዘዕረጕዎ ጸሎት እምኒ ኲርናዕ ናይ ውስጠ ሃማኖታዊ ዘተ ኰይኑ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ይቅጽል ኣሎ። ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 እውን ቀጺሎሞ ብዓቢኡ ከኣ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣጸቢቆም ብምጒስጓሶም ኣብ ዓለምልኸ ሕውነት ዝብል ሰነድ ኣቡዛቢ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስስ ናይ ኣል ኣዝሃር ዓቢ ኢማም ኣሕመድ ኣል ጣይብ ብዕለት 4 ለካቲት 2019 ዝኸተምዎ ንሕውነትን ክብርን ደቂሰባት ዝምልከት ንሓባራዊ ሠናይ ነገርን ፍቅርን ሰላምን ናይ ምሉእ ዘመደ ኣዳም ዝሠርሕን ከይተሓለለ ዝዕድምን ብዓቢ ኮሚቴ ዝምራሕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እውን ስለ ሰላምን ካብዚ ወሪዱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ጐይታ ንከላቅቀና ሓባራዊ ጸሎት ክሳብ ምስንዳው ዝበጽሔ ዓቢ ቊምነገር ይዝከር።

ብድምጺ ንምክትታል!
16 June 2020, 13:40