ሚነኣፖሊስ፥ ካርዲናል ቱርክሶን ፍትሕትን ምሕረትን ይሓቱ ሚነኣፖሊስ፥ ካርዲናል ቱርክሶን ፍትሕትን ምሕረትን ይሓቱ 

ሚነኣፖሊስ፥ ካርዲናል ቱርክሶን ፍትሕትን ምሕረትን ይሓቱ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪኣ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝረአ ዘሎ ውጥረት ናይቲ ከም ቅቡል ክረአይን ዕሽሽ ዝበሃልን ኣድልዎ ብዘርኢ ዝፈጠሮ እዩ

ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብዛዕባ መቕተልቲ ጆርጅ ፍሎይድ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ነቲ መቕተልቲ ስዒቡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካብታ ሃገር ወጻኢ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ኣልድዎ ብዘርኢ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፍን ዛዕባ ማዕርነትን ፍትሕን ናጽነትን ኣብ ዝብሉ ዕሴታት ንኸነተኩር ዝላበው ኩነት እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ካብ ዕለት 25 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ጆርጅ ፍሎይድ ብሓይሊ ጸጥት ተታሒዞም ዝወረዶም መቕተልቲ ዝፈጠሮ ሁከት ዝተሓላለኸን ስንክፉን እዩ፥ እዚ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣጋጢሙ ዘሎ ሁከት ኣብ ዓለም ብዛዕባ መሰልን ክብረትን ፍትሕን ማዕርነትን ናጽነትን ልዑል ቆላሕታ ክግበር ይድርኽ ኣሎ፡ እቲ ዝተፍፈጸመ ገበን ተጻርዩ ተሓታቲ ንፍርዲ ክቐርብን ናይ ኩሉ ሕቶ እዩ፡ እዚ ኩነት እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ግደ እንታይን ከመይን ክኸውን ከምዘለዎ ንኽንሓስብ ይድርኽ ዝበሉ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ቱርሶን፥ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ጸረ ኣድልዎ ብዘርኢ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተሓጺሩ ዝተርፍ ሕቶ ኣይኮነን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ታሪኽን፡ ንናይ ደቀባት ጉዳይ ዝምከትን እዩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝረአይ ማሕበራዊ ክስተት እዩ ኢሎም።

ኣድልዎ ብዘርኢ ከም ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ንዘሎና ርድኢት ሰብኣዊ ፍጥረት ዝጻረረ እዩ፡ ኩሉ ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር እዩ ተፈጢሩ፡ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝለበሰን ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሔር ምሩጽ እዩ፡ ስለዚ እዚ ክብሪ’ዚ ብሰብ ዝዕደል ንገሊኡ ዝለዓለ ንገሊኡ ድማ ዝተሓተ ንገሊኡ ዝወሃብን ንገሊኡ ከኣ ዝንጸግ ኣይኮነን።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪኣ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝረአ ዘሎ ውጥረት ናይቲ ከም ቅቡል ክረአይን ዕሽሽ ዝበሃልን ኣድልዎ ብዘርኢ ዝፈጠሮ እዩ፡ እቲ መቕተልቲ ፍሎይድ ምኽንያት ዝገበረ እውን እንተኾነ፡ እቲ ዘሕዝን ሎሚ እውን ብዙሓት ብምኽንያት ናይ ቆርበት ሕብሮም ኣደዳ ውርደትን ሓሳርን ኢማዕርነትን ኮይኖም ይርከቡ፡ ኢማዕርነትን ኣድልዎ ብዘርእን ቅድም ቀዳድም ነቲ ንኹሉ ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ሰብ ዝፈጠረ እግዚኣብሔር ምቅዋም እዩ፥ ስለዚ ጸረ እግዝኣብሔር ምዃን ማለት እዩ፡ ብኻልእ መዳይ ከኣ ሓውኻ ምቕታል ዝምልከት ገበን እዩ፡ ብዙሕነት ኣክንዲ ከም ሃብቲ ዝረአይ ብግልጺ ይኹን ብሕቡእ ናይ ጸቕጥን ፍልልያትን ጽልእን ዓመጽ ምኽንያት ኮይኑ ይረአይ እዚ እዩ ኸኣ ናብ ውጥረት ዝድርኽ ኢሎም።

መቕተልቲ ፍሎይድ፥ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ከምዝበልዎ ፍትሒ ዝሓትት ናብ እግዚኣብሔር ኣቢየት ዝብል ገዓር እዩ ቢሎም ኣመሪካውያን እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኣድልዎ ብዘርኢ ካብ ሱሩ ክምሕዉ ጻውዒት የቕርቡ፡ እዚ ናይ ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ለበዋን ጻውዒትን ብኸመይ እዩ ክተባባዕ ዘለዎ?

ኣብ ልዕሊ ሓደ ዜጋ ዝፍጸም መቕተልቲ ሰብኣውነትና ንሰብኣዊ ስድራ ቤት ምዃናን ዘነኣእስ ጥራሕ ዘይኮነ ናብ እግዚኣብሔር ፍትሒ ዘእውን እግዚኣብሔር ገዓረይ ስማዕ ዝብልን እዩ፡  ፍትሒ ናብ እግዚኣብሔር ዝገዓር እቲ ዝለዓለ ዕሴት እዩ።

ፍትሒ ሰብኣዊ ርክባትናን ተማራኳስነትናን ዝውሕስን ዳግም ዘልብስ እውን እዩ፡ እቲ ፍትሒ ዝብል ገዓር ከም ሰብ ሰብኣዊ ሕውነትና ዘቑስል እዩ፡ ስለምንታይ ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ፍጥረት ፍትሒ እቲ ክውን ክኸውን ዝግብኦ መርገጽ ማዕርነትን ሰብኣዊ ክብርን እዩ፡ ኢፍትሓውነት ሰብኣዊ ሕውነት ዘተዓናቕፍ ስለ ዝኾነ።

ከምቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ዝበልዎ ኣድልዎ ብዘርኢ ሱር ዝሰደደ ማሕበራዊ ጸገም እዩ፡ እዚ ኸኣ ብሕንጸት ኣብ ሰብኣውነት ኢኻ እትቃለሶን እተወግዶን፡ ሰብኣዊ ስድራ ምዃንካ ውሑስ ብምግባር፡ በርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጠርና ውልቅን ብዙሕነትን ኢና ኢሎም።

ኣብ ገለ ገለ ከተማታት ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ናብ ዓመጽን ውጥረት ይቕየረ ኣሎ፡ ንጆርጅ ፍሎይድ ሓዉ እውን እቲ ቁጣዔን ንብዓትን ናብ ዘይጎነጻዊ ማሕበራዊ ተግባር እዩ ክምትረብ ዘለዎ ይብል፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን መርገጺ እንታይ እዩ?

ቤተ ክርስቲያን ናይ ጆርጅ ፍሎይድ ሓዉ ዝበሎ ትሻረኾ፡ ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ነዚ እያ ትላበው፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር እያ፡ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝመረሖ ብንጹር ዝግለጽ እዩ፡ እዚ ኸኣ ሰላማዊ መስርሕ ክህልዎ ዝገበረ ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልስ ጽኑዕ እምነት ዝነበሮም መራሕቲ ስለ ዝነበሩ እያቶም፡ ንዅሎም ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ብቓልን ብተግባርን ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ይምስክር እውን ስለ ዝነበረ ዝስዕብዎ ዝነበሩ ይኣምንዎ ነይሮም፡ እቲ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና ሕዝባዊ ተቓውሞ ሕዝቢ ነቲ ዝኸውን ዘሎን ኣብ ማሕበራውን ሰብኣዊ ጉዳይ ዝረአይ ኢፍትሓውነት ዝወልዶ እዩ ኢሎም።

ዘይጎነጻው ቃልስን ምሕረትን ተተሓሒዞም እዮም ዝኸዱ፡ ሕርቃንን ነድርን ንጆርጅ ፍሎይድ ንድሕሪ ኣይመልሶን እዩ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣብ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ንዘሎ ጆርጅ ዝረብሖ ምሕረት እዩ፡ ንቐተልቱ ምሕረት ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ዝገበሮ፡ እዚ እዩ እቲ ሰዓሪ ብርቱዕ ሓይሊ። ስለዚ ንዘይጎነጻው ቃልስን ንምሕረት ጻውዒት ነቕርብ፡ እዚ ንዝኽሪ ጆርጅ ፍሎይድ ዓቢይ ክብሪ እዩ ዝኾኖ።

ኣብ ብዙሓት ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቁጠዐን ብስጭትን ዝወለዶ ተቓውሞ ዓመጽን ይረአይ ኣሎ፡ ጳጳሳትን ካህናት ገዳማውያንን መጋቢያን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ብሓባር ምስ ምእመናኖም ኮይኖም ኣብ ክፉት ኣደባባይ ንኹሉ ዓዲሞም ብሓባር ክጽልዩ ብትሕትና እምዕድ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘድሊ ብጸሎት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምቕራብ እዩ። ዓቢይ ናይ ጸሎት መዓልቲ ምስንዳው ክንደይ ጽቡቕ ምኾነ፡ እዚ ኸኣ እቲ ቁጠዐ ብስጭትን ዕንወት ዝፈጥር ካብ ዝኸውን እወንታዊ ኮይኑ ድላይ ምልዋጥን ፍትሕን ማዕርነትን ናጽነትን ብዘይ ሃይማኖታዊ ድዩ ባህላውን ዓሌት ድዩ ዘርኢ ኣብ ልቢ ኩሉ የተባብዕ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሚነኣፖሊስ፥ ካርዲናል ቱርክሶን ፍትሕትን ምሕረትን ይሓቱ
04 June 2020, 16:24