ራማዳንን ዒድ ኣል ፈጥርን፥ ሕውነት ናይ ምምዕባል ኵነት ራማዳንን ዒድ ኣል ፈጥርን፥ ሕውነት ናይ ምምዕባል ኵነት 

ራማዳንን ዒድ ኣል ፈጥርን፥ ሕውነት ናይ ምምዕባል ኵነት

ናይ ስግደትን ኣምልኾን ስፍራ - መቕደሳትን ኣቢያተ ክርስቲያንን መሳጊድን ምክልኻል ብኹለን ሃይማኖታትን ብኹሉ ሰብኣዊ ክብርታትን ብሕግን ብናይ ዓለም ሓቆፍ ውሳኔታትን ውሑስ ዝኾነ ዓቢይ ሓላፍነት እዩ

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ቤተ ኣቦ መንበር ብምኽንያት ወርሃ ራማንዳንን ናይ መዛዘሚ ዒድ ኣል ፋጥርን፥ ናይ ሃይማኖትን ስግደትን ኣምኾን ስፍራ ምኽባር ንመጻኢ ትውልዲ እምነትና ናይ ምንዛዝን ምንባርን እምነትካን ሃይማኖትካን ናይ ምንባር ናጽነት ውሑስ ምግባር ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ንቤተ ሃይማኖት ምስልምና መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኮ ሓቢሮም`

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ወርሃ ራማዳን ናይ ሃይማኖትኩም ማእከልን ብውልቅን ኣብ ስድራን ማሕበረሰብን ዓቢይ ክቡሪ ዘለዎ እዩ፡ መንፈሳዊ ፈውስን መንፈስዊ ዕብየትን ምስ ድኻታት ምክፋልን ዘለኵም ስድራ ቤታውን ምሕዝነታውን ምትእስሳር እተሐይልሉን እዋን እዩ” ዝበሉ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጒክሶት ክታሞም ኣብ ዘንበሩሉ መልእኽቲ፥ “ንኣና ፈተውትዅም ክርስቲያን፡ ሰላምታ ብምልውዋጥን ብርክባትን ሰናይ ምንዮት ብምልውዋጥን ምሳኻትኵም ዘሎና ርክብ ዘጽንዕ ክቡር ግዜ እዩ፡ ስለዚህ እዚ እዋን ራማዳንን ዒድ ኣል ፋጥርን ኣብ መንጐ ክርስቲያንን እስላምን ሕውነት ዘበርትዕ ፍሉይ ግዜ እዩ” ከምዝበሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ናይ ስግደትን ኣምልኾን ስፍራ ምክልኻል

ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶትን ናይቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ኢንዱኒል ኮዲቱዋኩ ጃናካራትነ ካንካናማላጀ ብሓባር ክታሞም ኣብ ዘንበሩሉ መልእኽቶም፡ ንሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና፥ “ናይ ስግደትን ኣምልዀን ስፍራ ኣብ ክርስትና ኮነ ኣብ ምስልምና ኣዚዩ ኣገዳስነት ዘለዎ ብተደጋጋሚ ብጨካናት ዕዉሩን ትርጉም ኣልቦን ናይ ዝዀነ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያንን መስጊዳትን ሙክራባትን ዝፍጽምዎ ዓመጽ ዒላማ ከምዝኸውን” ጠቒሶም እቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ዶክተር ኣህማድ ኣል ጣይብ ኣብ ኣቡ ዳቢ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ፥

ናይ ስግደትን ኣምልኾን ስፍራ - መቕደሳትን ኣቢያተ ክርስቲያንን መሳጊድን ምክልኻል ብኹለን ሃይማኖታትን ብኹሉ ሰብኣዊ ክብርታትን ብሕግን ብናይ ዓለም ሓቆፍ ውሳኔታትን ውሑስ ዝኾነ ዓቢይ ሓላፍነት እዩ፡ ዝኾነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ናይ ስግደትን ኣምልዀን ስፍራ ዝፍጸም መጥቓዕትን ናይ መጥቓዕቲ ፈተነታትን ምንታጉን ምፍራንስ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ምዝባዕን ምንጻግን ተግባር ከምዝኾነን ከምኡ እውን ንናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔን ግልጺናይ ጥሕሰት ተግባር እዩ!

እንክብል ዘንበሮ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ሓባር ሓድ ሕዳዊ ምክብባርን ምትሕብባርን እቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ዘሎ ምሕዝነት ዘበራትዕን ንናይ ክልቲኣተን ሃይማኖታት ማሕበረሰብ ናይ ስግደትን ኣምልኾን ስፍራ ክኽበረሉ ብምግባር ንመጻኢ ወለዶ ሃይማኖቱ ክናዘዝን ክነብርን ዘኽእሎ ናጽነት ውሕስ ክኸውን ዝድግፍ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፥

እቲ እንነብሮ ዘሎና ከቢድ እዋን ዝስገር ክኸውን መታን

ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶት እቲ መልእኽቲ ቅድም ክስተት ለብዒ ኮቪድ 19 ዝተሰናደው ምዃኑ ገሊጾም ከም መወሰኽታ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ከም ናይቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር፥ “ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ኣስላምን ብሕውነት መንፈስ ሓቢሮም በቲ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንዝሳቐ ዘሎ ሰብኣዊ ፍጥረት ቅርበትን ድጋፍን ብምምስካር ብጸሎት ከሃሌ ኵሉን መሓርን ፈጣሪ ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዓቢይ ሽግር መታን ክስገር ሓለዋኡ ከንብረሉ ጸሎቶም ከቕርቡ እምነይ” ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ራማዳንን ዒድ ኣል ፈጥርን፥ ሕውነት ናይ ምምዕባል ኵነት
02 May 2020, 18:56