ር,ሊ,ጳ, ናይ ቤተ ጳጳሳ ቤተ ንዋይ ምኽትል ሓላፍን ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ ልኡኽን ሰምዮም ር,ሊ,ጳ, ናይ ቤተ ጳጳሳ ቤተ ንዋይ ምኽትል ሓላፍን ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ ልኡኽን ሰምዮም 

ር,ሊ,ጳ, ናይ ቤተ ጳጳሳ ቤተ ንዋይ ምኽትል ሓላፍን ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ ልኡኽን ሰምዮም

ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘይብሉ እዋን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክሳብ ዝሕረዩ ናይ ቅድስቲ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ቤተ ንዋይ ዋና ኣመሓዳሪ ንዝኾኑ ንናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ከቪን ጆሴፍ ፋረል ተራድኢ ኮይኖም ዘገልግሉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘይብሉ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረት ኣመሓዳርን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እትሓርይ ብግዚያውነት ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ሓላፍነት ተረኪቦምን ብፁዓን ካርዲናላት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ንኽሓርዩ ብሑት ኣኼባ ዝጽውዕ ትኵእ ናይ ቅድስቲ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ቤተ ንዋይ ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪ ንኽኾኑ ንብጹዕ ኣቡነ ኢልሶን ደ ኸሱስ ሞንታናሪ ከምዝሰመዩን፡ ከምኡ እውን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሚትጃ ለስኮቫር ኣብ ዒራቕ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ንኸገልግሉ ዕለት 30 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ከምዝሰመዩዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ, ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን  

ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘይብሉ እዋን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እትሓርይ ብትኩእ ሓላፍነት ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ቤተ ንዋይ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ዋና ኣመሓዳሪ ምኽትል ኮይኖን ንኸገልግሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሰመይዎም ብጹዕ ኣቡነ ኢልሶን ደ ኸሱስ ሞንታናሪን ናይ ካፖቺላ ስዩም ጳጳስን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝኸታተል ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ከምዝኾኑን ብጽዕነቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘይብሉ እዋን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክሳብ ዝሕረዩ ናይ ቅድስቲ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ቤተ ንዋይ ዋና ኣመሓዳሪ ንዝኾኑ ንናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ከቪን ጆሴፍ ፋረል ተራድኢ ኮይኖም ዘገልግሉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ከምኡ እውን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሚትዣ ለስኮቫር ኣብ ዒራቕ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ንኸገልግሉ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተሰምዩን፡ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ለስኮቫር ናይ በነቨንቶ ስዩም ጳጳስ ዕለት 3 ጥሪ 1970 ዓ.ም. ኣብ ስሎቨኒያ ከተማ ክራንዪ ዝተወልዱን ዕለት 29 ሰነ 1995 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን ካብ ወርሒ ሓምለ 2001 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ሜላዊ ርክባት ጉዳይ ኣብ ዝከታተል መዋቕር ተመዲቦም ኣገልግሎቶም ዝጀመሩን ኣብ ባንግላደሽ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ብሓዋርያዊ ወኪል ስልጣንን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሓፈሻዊ ጉዳያት ኣብ ዝከታተል ቤት ጽሕፈትን ኣብ ጀርመንን ህንድን ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ኮይኖም እውን ከምዘገልገሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ቸንቶቸለ ናይ እትርከብብ ቤተ ክርቲያን ቅዱስ ፈሊቸ ስዩም ጳጳስ ከምኡ እውን ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል በኒያሚኖ ስተላ ኣብ ሮማ ናይ ፖርቶ ሳንታ ሩፊና ቤተ ክርስቲያን ስዩም ጳጳስ እንክብሉ ከምዝሰመዩዎም ኣፍሊጡ።

ር,ሊ,ጳ, ናይ ቤተ ጳጳሳ ቤተ ንዋይ ምኽትል ሓላፍን ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ ልኡኽን ሰምዮም
02 May 2020, 19:02