ተስፋ እታ ዝነኣሰት ግና ኣዚያ ዝበርትዔት ክብሪ እያ ተስፋ እታ ዝነኣሰት ግና ኣዚያ ዝበርትዔት ክብሪ እያ 

ተስፋ እታ ዝነኣሰት ግና ኣዚያ ዝበርትዔት ክብሪ እያ

ኣብዚ ኣዚዩ ጽንኩር ዝኾነ እዋን ካብቲ ዘሎ ሕማም ተላገብ ካልእ እወታዊ ተላገብ ክህሉን ንሱ ኸው ነፍሲ ወከፍ ልቢ ሰብ ሓድሽ ብስራት ስለ ዝጽበይ ካብ ልቢ ናብ ልቢ ዝመሓላለፍ፥ ክርስቶስ ተስፋይ እዩ ዝብል፥ እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ እዋን ደጋጊሞም ብፍላይ ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ጽንኩር እዋን እቲ ንኸቢድ ፈተና ተቓሊዑ ዘሎ ህላዌና ብዝተሓደሳ የዕንትን እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ንኽስገር መታን እቲ ብርግጽ ጸልማት ናብ ብርሃን ብዝልወጥ “ብናይ ተስፋ ፈጣሪ” ብዝኾነ ናይ ኢየሱስ የዕይንቲ ንኽንጥምት ደጋጊሞም ንኸበራብሩና ብዛዕባ ተስፋ ይዛረቡ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 15 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሐር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ እታ ዝነኣሰት ግና ዝዓበየት ክብሪ፥ ተስፋ እያ፥ ተስፋና ወጅሂ ኣለዋ፡ ትንሱእ ጐይታ! “ብዓብይ ሓይልን ስልጣንን” ካብ ሞት ዝተንስኤ (ማር። 13.26)፡ ስለዚህ ተስፋ ገለ ነገር ዘይኮነ ሓደ ሰብ እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣብቲ ማህሌት ንልዑል እግዚኣብሐር ኣስተንትኖኡ፥ “ንስኻ ተስፋና ኢኻ” እንክብል ከምዘረጋግጾን ኣስዒቡ እውን እብቲ ድርሳኑ - “ነቶም ኣብኡ ተስፋ ንዝገብሩ ኣይክጥንጥኖምን እዩ”፡  (እዚ ኸኣ ምስ መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 33 ፍቕዲ 23 ክነጻጻር ዝኽእል ጸሎት እዩ) እንክብል ከምዝገልጾ።

ዝተሓብአ ግና ጽኑዕን ዕጉስን ክብሪ

“ካብተን ሰለስተ ቲዮሎጊያውያን ክብርታት እታ ትሕትን ሕብእትን” ይብሉ ቅሱነቶም፥ “ተስፋ - ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ - ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ ኣሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን ኣሎኹ (ሮሜ. 8፡ 19) ተስፋ ሓደገይናን ኣስጋእን ክብሪ እዩ ኮንዶኾነ ስለ ዝኾነ፡ ተስፋ ሕልሚ ኣይኮነን” እንክብሉ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከምዝገለጹን፡ “ተስፋ ፈጺሙ ዘየደናግር ክብሪ እዩ፡ ተስፋ እትገብር እንተድኣ ኲይንካ ብፍጹም ኣይክትታለልን ኢኻ”፡ ጭቡጥ ክብሪ እዩ - “ኣብ ዕለታዊ ሕይወት እትራኸቦ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቅዱስ ቍርባንን ጸሎትን ወንገልን ኣብ ድኻታትን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ነዚ ምርኻብ’ዚ ዕድል ዝህብ ስጉምቲ ምስ እንፍጽም - ምስ ኢየሱስ ኣብ ምርኻብ ዝንበር ይኸውን’ (ዕለት 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ስብከት ኣብ ቅድስቲ ማርታ)። “ተስፋ ትዕግስቲ የድልዮ” ልክዕ ከምታ እትዝራእ ካብ ኵሉ ዘርኢ ዝነኣሰት ተስፋ ገይርካ እትዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ፡ ተስፋ “እቶም ዘራእቲ ንሕና እቲ ክፈሪ ዝገብር እግዚኣብሔር ምዃኑ ዘስምዓና ትዕግስቲ ዝንበሮ እዩ”፡ ተስፋ ኣልቦ ዝኾነ ትስፍውና ማለት ኣይኮነን፡ በንጻሩ “ናብቲ ጽኑዕ ዝኾነ ሸቶ ብጽንዓት እናተቓለስካ እትጓዓዝ ዘመላኽት እዩ” (ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ዕለት 6 መስከረም 2015 ዓ.ም.)።

ተስፋ ቅድመ ክርስትና

ኣብ ነበርያ ታሪኽ ፓንዶራ - πᾶς - ፓን "ኵሉ"፡ δῶρον - ዶራ "ጸጋ ወይ ህያብ" እዞም ክልተ ቃላት ክጣመሩ እንከለዉ ከኣ ኵሉ  ጸጋታት ዝብል ቃል ይህበና፥ እቲ ሳርማ ምስ ተኸፍተ ከኣ ኩሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝላተም መዓት ይወጽእ፡ እዚ ኹሉ ፍጻሜ ግና ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝዓቖሮ ተስፋ ነይሩዎ፡ ἐλπίς (ኤፒስ) - ትጽቢት ማለት እዩ፡ እዚ ትጽቢት ዝብል ቃል ግሪኽ፡ እውነታዊ ጥራሕ ዘይኮነ ኣሉታዊ ወይ ከኣ ከይተፈጸመ ክተርፍ ዝክእል ትጽቢት እዩ ዘስምዕ፡ ዘፍርሕን እቲ ዝጽበየኒ ወይ ዝመጽእ እንታይ ኮን ይኸውን ዝብል ዘይፍሉጥ መጻኢ ዘመላኽት። ስለዚ ካብቲ ዘውስ ግሪካዊ ጣዖት ኣብቲ ኤሲዮዶ ኣብ ዝብል ድርሳን ከምእነንብቦ፥ ካብቲ ዘውስ ዝጸሓፎ መጻኢ ዘምልጥ ሓደ’ኳ ከምዘይሁሉ ይዛረብ። ኣሪስጦትል፥ “ተስፋ እንታይ እዩ?” እንክብል ሕቶ የቕርብ፡  ዲዮገነስ ላአርቲዮስ (Diogénēs Laértios  180 ቅድመ ክርስቶስ – 240 ድህረ ክርስቲዮስ) ዝተብሃለ ግሪኻዊ ናይ ታሪኽ ሊቅ ኣብታ ናይ ፈላስፋታት ሕይወት ዘርእስታ መጽሓፉ፥ ነቲ ናይ ኣሪስቶትል ሕቶ “ተስፋ ናይ ንቑሕ ሰብ ሕልሚ እዩ” እንክብል ይምልሶ። ኣብ ሮማዊ ዓለም ከኣ ተስፋ ዝብል Spes - ምስ ድሕነት ወይ ጥዕናን ዕድልን ኣብ ዝብል ኣገላልጻ ኣጣሚሩ ፖለቲካዊ ባህርይ ብዘለዎ ናይ ሮማ ስርዓትን ዕብየቱን ስፍሓቱን ዘመላኽት ኮይኑ ይቐርብ፡ ኣብቲ ጥንታዊ  ዓረመናዊ ባህሊ፥ ሕይወት Ade (ግሩኻዊ መልኣኸ ትሕተ መሬት) - ኣደ ኣብኡ ዝዛዘም ወይ ከኣ ኣብ ህልም ዘበለ ጸድፊ ይዛዘም ዝብል ኣመለኻኽታ ዘቕርብ ክኸውን እንከሎ፡ ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ’ዚ ንምቕያር ዝተፈላለዩ ናይ ኣምልኾ ስርዓታትን መብጽዓታት ኣብ ቅድሚ ጣዖታት ይፍጸም ነይሩ። ይኹን ደኣ እምበር ኣብቲ እዋን ሕይወት መህደሚ ዘይብሉ ጽሑፍ ፍጻሜ ዘለዎ እዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ይዕብልል።

ተስፋ ኣብ ልቢ ሰብ ወትሩ ህልው እዩ

ኣብ ዝኾነ ይኹን ባህልን ኣብ ዝኾነ ይኹን መዋእልን ተስፋ ወትሩ ህልው እዩ፡ ግና ከከም ባህልታትን ዘመናትን ቅንይት ትርጉሙን ህርመቱን ኣብ ኣገላልጻኡ ይቐያየር ይኸውን፡ ክርስትና ካብ ቲዮሎጊያውያን ክብርታት እንተድኣ ተነጺሉ ዘይጭበጥ ሚሳል ኮይኑ ኣሉታውን እወታውን ብሓደ ዝጣመረ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ፡ ኣብ መወዳእታ እትመውት ተስፋ እያ ወይ ከኣ ብተስፋ ዝነብር ብቐብጸ ተስፋነት ይመውት  ዝብል ህዝባዊ ጥበብ ሕጽር ብዝበለ ከምዝገልጾ። ጃኮሞ ሊዮፓርዲ (179 -1837 ዓ.ም.) ኢጣሊያዊ ገጣምን ደራስን ፈፍላስፋን ናይ ስነ ቋንቋ ተመራማርን፥ እቲ ዓቢይን ሰናይን ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት፡ እናማዕደወ ጽቡቕ ኣብ ምግባር ኣኽእሎቱ እዩ ይብል፥ ፈላስፋ ኒች ብተቓራኒ “ተስፋ ናይ ድኹማት ክብሪ” እዩ እንክብል ንተስፋ ይገልጾ፡ ምስ ድኽመት የተሓሕዞ።

“ተስፋ፥ በዓል ክንፊ እዩ፡ ኣብ መንፈስ ዝዓርፍ - ብዘይ ምቍራጽ ብዘይ ቃላት ጥዑም ውሁድ ሙዚቃ ዝዝምርን . . .  ስለ ዝተታኸስናን ዝደቀስናን ዘይንሰዖ እውን እንተኾንና ንሰምዖ ከምሎና ከይተረደኣና ንስመዖ፡ ተስፋ ሕሹኽ ይብለና፡ ልክዕ ከም ሓደ ሕጻን ኣብ ምድቃሱ ዘርእዮ ፍሽኽታ . . .

እቲ ዕሸል ክብሪ

ፈረንሳዊ ገጣማይን ደራስን ቻርለስ ፐጉይ ናይ ካልኣይ ክብሪ ምስጢራዊ ገበላ ኣብ 1911 ዓ.ም. ዝደረሶ ግጥሚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ተስፋ ክዛረቡ እንከለዉ ዝጠቐስዎን ተስፋ ልክዕ ከም ሓደ ሕጻን ናብ መጻኢ እተማዕድውን ኣግራሞት ዘሕድርን እዩ . . .  እግዚኣብሔር ብቐዳማይ ኣካል ኣድናቖቱ ዝገለጸላ ክብሪ እያ፥ እታ ኣዚየ ዝፈትዋ እምነት ተስፋ እያ ብዝብል ኣርእስቲ ፐጉይ ኣብ ዝደረሶ ግጥሙ የብርሆ፥

. . . ስለ ዘገርመንን  . . ተስፋ እዚ እዩ፡ ምኽንያት ክህበሉ ኣኽእሎቱ ግና የብለይን፡ ዝነኣሰትን . . . ዕሸል ክብርን ዘይትመውትን  . . . ኣብ ሞንጐ እተን ክልተ ኣሕዋታ ክብርታት (እምነትን ፍቕርብ) ብሓባር ንቕድሚት ትብል፡ ብዙሕ ጠማቲ ዘይብላ፡ . . .  ኣብቲ ስጋውን ኣብ ጉዕዞ ድሕነትን እተጋጥም ክብሪ፡ ኣብቲ  ነዊሕ ጉዕዝ ምስተን ክልተ ኣሕዋታ ሓቢራ ኣብ ማእከለን ኮይና ንቕድሚት ትጓዓዝ፡ ንእሽተይ ስለ ዝኾነት ድማ ናይተን ክልተ ኣሕዋታ ኣእዳው ሒዛ ብሓባር ምስኤን ትጓዓዝ፥ ብፍቕርን እምነት!

እንክብል ነቲ ብውሽጡ ዘስተንተኖ ጥልቂ ተስፋ ልሳን ገይሩ እንታይነትን መንነትን ተሳፋ ይገልጸልና።

ኣብርሃም፥ በዓል ተስፋ (ትስፍው)

መጽሓፍ ቅዱስ ብተስፋ ዘዕለቕልቕ እዩ፥ ብተስፋ ዝተመልኤ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ናብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፥ ተስፋ ኣብ ዜይብሉስ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን ብተስፋ ኣመነ (ምዕ። 4,18)፡ ኣብቲ ተስፋ ምቑራጽ ኣብ ዝነበረሉ ኩሉ . . .  ኣብራሃም እቲ ሃረር እትብሎ ዘይነበረካ ንኽህልወካ እትምነዮ ውላድ ዘይኮነስ ተስፋ ምእንቲ ክገብር ንእግዚኣብሔር ተስፋ ይሓትቶ፡ ውላድ ሃበኒ ቢሉ ከምዘይሓተቶ ርጉጽ እዩ፡ ብዘይ ምቁጻር ተስፋ ክግበር ሓግዘኒ እንክብል እዩ ዝሓተተ፡ ተስፋ ንኽህልወካ መታን ዝቐርብ ጸሎት ካብ ኣብርሃም ንመሃር . . .  ካብዚ ንላዕሊ ዝበለጸ ጽባቔ የሎን፡ ተስፋ ኣይተደናግርን ኣይተታልልን (ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እዩ)።

ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ፥ ተስፋ ግዴታዊ ክብሪ እዩ

 ኣብቲ ሓጺር ዝኾነ ናይ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ሕይወቶም ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ካብ ዘቕረብዎም ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ሓደ ኣብ ተስፋ ዘማእከለ ከምዝነበረን “ተስፋ -  ይብሉ - እግዚኣብሔር ከሃሌ ኵሉን እግዚኣብሔር ብደረት ኣልቦ ፍቕሪ የፍቅረንን እግዚኣብሔር ንቓል ኪዳኑ እሙን እዩ፡ ስለዚ ተስፋ ነቲ ካብዘን ሰለስተ ሓቅታትን እምነትን ንዝውለድ ክርስቲያን ግድን ይኸውን፥ ንሱ ናይ ምሕረት እግዚኣብሔር እዩ፡ ጽሞናን በይናውነትን ወይ ዘይጠቅምን ዝተጠንጠንኩን ዘይኮንኩ ኣብ ናይ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ሱታፌ ዘሎኒ ኮይኑ ክስምዓኒ መታን ኣባይ እምነት ዝዅልዕ እዩ” (ዕለት 20 መስከረም 1978 ዓ.ም.) እንክብሉ እንታይነት ትርጉም ተስፋ ኣብ ሕይወት ክርስትና የብርሁ።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ ክርስቲያን መስካሪ ተስፋ እዩ

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እቲ ካብ ቲዮሎጊያ ክብርታት ዝኾነ ፡ “ተስፋ፥ብሓደ ሸነኽ ክርስቲያን ካብቲ ንህላዌኡ ትርጉምን ክብርን ካብ ዝህብ ሸቶኡ የዕንቱ ከየቡክርን፥ ብኻልእ መዳይ ከኣ ነቲ ዕለታዊ ጭቡይ ኩነት ኣብ መደብ እግዚኣብሔር ከጽንዕ ይድርኾ” ምእንቲ’ዚ ተስፋ ዳግም ንኽነስተውዕሎን ንኽንረኽቦን ኣብቲ Tertio millennio adveniente - መቓርብ ንሳልሻይ ሺሓዊ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቶም የብርሁ።

ስለዚህ “ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ሓደ’ኳ ዝፈልየና ከምዘይሎ” (ሮሜ. 8፡ 39) ዘረጋግጽ ተስፋ ኣባና ዘነቓቕሕ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያብ ምእንጋድ የድሊ” ይብሉ። እዚ ድርኾት’ዚ እግዚኣብሔር ግዚኡ ምስ በጽሔ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓቒ ናይ ተስፋ እግዚኣብሔር ምዃኑ ተገልጸ፡ እዚ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንኣማኒ ሓሴትን ሰላምን ዝመልእ. . . እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ምሃብ” (1ጴጥ. 3.15) ከምዝብሎ ናይ ሓሴትን ሰላምን መሰኻኽር ምዃን ከምዘድሊ ይምዕዱ።

በነዲክቶስ መበል 16: ተስፋ ሕይወት ይልውጥ

በነዲክቶስ መበል 16 “Spe Salvi - ብተስፋ ኢና ድሒንና” (ሮሜ። 8፡24) ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ተስፋ ዘማእከለ ዓዋዲ መልእኽቲ ከምዝለገሱ ዝኩር እዩ፡ “ተስፋ መርትዒ የቕርብን ሕይወት ይልውጥን”  በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ ሓሳብ’ዚ ብሰፊሕ ኣብሪሆም - ድሕነት ብተስፋ ተጸገወና፡ ህልው ኩነታትና ንኽንገጥም ዘብቅዕ እሙንን ተኣማንን ተስፋ እዩ፡ . . . ዝንበርን ተመክሮ ዝኸውን ናብ ሸቶና ዝመርሕ ብወገንና እውን ኣብዚ ሸቶ’ዚ እምንቶ እንተለና ጥራሕ እዩ፡ እቲ ሸቶ ነቲ ኣድካሚ ዝኾነ ዕለታዊ ጉዕዞና ምኽንያት ዝህብ እዩ” ይብሉ። ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቶ ነታ ጊልያነትን ዓመጽን ድኽነትን ውርደትን ኩሉ ዘሕለፈት ቅድስቲ ጁዘፒና ባኪታ መስካሪት ተስፋ እንክብሉ ገሊጾም፡  “ . . .  እቲ ንኣኣ ዝተወልደ ተስፋ ኣድሓና እቲ ዘድሓና ተስፋ ኣብ ገዛእ ርእስ ከይዓጸወት ንኹሉን ኣብ ኵሉን መስከረት” (ብተስፋ ኢና ድሒንና - ዕለት 30 ሕዳር 2007 ዓ.ም.) ይብሉ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ተስፋ ጸላም ዝስዕር ብርሃን እዩ

“ተስፋ  - ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ - ናብቲ ጸላም ዝመስል ዘይርጉጽነት መጻኢ ብርሃን ይኹልዕ፡ ውበትን ውህበትን ክብሪ እዩ፡ ኣብ ናይ ሕይወት ጉዕዞ ንኽንስጉም ዘብቅዓና” እንክብሉ ዕለት 28 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ይገልጹ። ኣብዚ ኣዚዩ ጽንኩር ዝኾነ እዋን ካብቲ ዘሎ ሕማም ተላገብ ካልእ እወታዊ ተላገብ ክህሉን ንሱ ኸው ነፍሲ ወከፍ ልቢ ሰብ ሓድሽ ብስራት ስለ ዝጽበይ ካብ ልቢ ናብ ልቢ ዝመሓላለፍ፥ ክርስቶስ ተስፋይ እዩ ዝብል፥ እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ! ዘካፍል። እዚ ጸገማት ክጠፍኡ ዝገብር ምትሃታዊ ቀመር ኣይኮነን፡ ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ከምዚ ኣይኮነን፡ ስቓይን ሞትን ነጢሩ ዝሓልፍ ኣይኮነን፡ በንጻሩ ብስቓይን ሞትን ሓሊፉ ሓድሽ መገዲ ዘርህውን፡ ነቲ ክፋእ ናብ ሰናይ ዝቕይርን፡ እዚ እንኰን ፍልዩን ናይ እግዚኣብሔር ሓይሊ እዩ” (ንኸተማ ሮማን ዓለም ለኻውን ሓዋርይዊ ቡራኬ ኣብ ዝሃብውሉ ዕለት 12 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ቃል)። “ብትንሳኤ ክርስቶስ - ፋሲካ ካባና ማንም ክምዝዖ ዘይከኣሎ መሰረታዊ መሰል ናይ ተስፋ መሰል ተዓወትና፡ ሓድሽ ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ተስፋ፡ . . . እግዚኣብሔር ኩሉ ናብ ሰናይ ዝቕይር ካብ መቓብር ከይተረፈ ሕይወት ዘተንስእ ዝብል ዓቢይ ርግጸይናንት ኣብ ልቢ ዘስርጽ እዩ” (ቀዳም ስዑር ዕለት 11 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም.) እንክብሉ ከምዝገለጹ ይዝከር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ተስፋ ንጸላም ዝስዕር ብርሃን እዩ
08 May 2020, 15:01