መደባት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራን መደባት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራን  

መደባት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራን

ብምኽንያት ክንክን ጥዕናን ኣባይቲ ስድራን መንእሰያትን ምንቅስቓስን ብሓባር ተኣኪብካ ምብዓል ከስዕበሎም ዝኽእል ጸገም ግምት ብምሃብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ኣባይቲ ስድራን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ድሕሪ ዘካየድዎ ምይይጥ፡

እቲ ኣብ ሮማ ኣብ 2021 ዓ.ም. ክካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ ቅነ ኣባይቲ ስድራ ናብ 2022 ዓ.ም. እቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ ፖርቱጋል ርእሰ ከተማ ሊስቦና ክካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ናብ 2023 ዓ.ም. ከምእተሰጋገረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ-19 እቶም ናይቲ ክልተ ዓበይቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ፍጻሜታት ወዳብያን ንኸሰጋግር ከምዝገበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 21 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም። ብምኽንያት ክንክን ጥዕናን ኣባይቲ ስድራን መንእሰያትን ምንቅስቓስን ብሓባር ተኣኪብካ ምብዓል ከስዕበሎም ዝኽእል ጸገም ግምት ብምሃብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ኣባይቲ ስድራን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ድሕሪ ዘካየድዎ ምይይጥ፡ እቶም ክልተ ዓበይቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ፍጻሜታት፡ እቲ ኣብ ሮማ ኣብ ወርሒ ሰነ 2021 ዓ.ም. ክካየድ ዝነበሮ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራን እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ኣብ ፖርቱጋል ርእሰ ከተማ ሊስቦና ክካየድ ኣብ መደብ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን እቲ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ከምዘልዎ ኣብ ሮማ ዝካየድ ኮይኑ ናብ ወርሒ ሰነ 2022 ዓ.ም. እቲ ካልኣይ ፍጻሜ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝካየደሉ ከተማን ወርሕን ከይተቐየረ ናብ 2023 ዓ.ም. ከምእተሰጋገረ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

መደባት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራን
22 April 2020, 12:07