ብጹዕ ኣቡነ ፓሊያ፥ ድህረ ለብዒ ኮቪድ - 19 እንኰ ክኡል መጻኢ ሕውነታውነት እዩ ብጹዕ ኣቡነ ፓሊያ፥ ድህረ ለብዒ ኮቪድ - 19 እንኰ ክኡል መጻኢ ሕውነታውነት እዩ 

ብጹዕ ኣቡነ ፓሊያ፥ ድህረ ለብዒ ኮቪድ - 19 እንኰ ክኡል መጻኢ ሕውነታውነት እዩ

ከሃሌ ኩልነት ዝብል ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ ትዕቢት ምርጫታትናን ንገዛእ ርእሱ ናይ ሕይወት ትርጉም ዝመርሕ ኮይኑን እነሆ ድማ እዚ ዓይነት ኪደት ኣበይ ከምዘብጽሕ ግሁድ ኰይኑ ኣሎ። . . . እቲ ተህዋስ መን ምዃንና ኣርእዩና እዩ!

ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም ኣቦ መንበር ኣብ ቀረባ እዋን፥ “ለብዕን ሕውነትን፡ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጥምረት መጻኢ የርህው” ብዝብል ኣርእስቲ ብስነ ኣሓዝ ኣብ ዝተራቐ መጋበርያታት ንንባብ ዝበቕዔ መጽሓፍ ዝደረሱ ብጹዕ ኣቡነ ፓሊያ፥ “ምትሕብባር ጸረ ተህዋስ እዩ” ዝብል ጥልቂ ጭርሖ ኣቃሊዖም ሓድሽ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር ክኽወን ሕቶ የቕርቡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከም ውልቀ ሰብ ተኣፋፍነትና ኣቅሊዑ እዩ፡ ሕይወት ንኽንከላኸል ዘቖምናዮም ልዕለ ቅርጽንታትን ምስቲ ኩሉ ሕልፍታቱን ሕብረተሰብ ተኣፋፊ ምዃኑ ከምዘቃልዔን ብጹዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ ገሊጾም፡ መጻኢ ኣናማዕደውካ ከተቕርቦ ኣትኽእል ተኸኣሊ እንኰ መልሲ ኣብቲ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ህልውና ዝቖመሉ ክርስቲያናዊ ውህሉል ክብሪ እዩ ከይበልካ፡ ኣብ ሕውነትን ምትሕብባርን ዝተሓንጸ ሕብረተሰብ እዩ፡ እዚ ዓይነት ሕብረተሰብ’ዚ እዩ እቲ መልሱ። ብጹዕነቶም ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መጋበርያ ዝተዘርግሔ“ለብዕን ሕውነትን፡ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጥምረት መጻኢ የርህው” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ብቤት ማሕተም ፒየመን ሞለኮለ ዝተሓትመ መጽሓፎም ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥ ናይቲ መጽሓፎም ሕመረት እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም ኣብ ዘውጽኦ መዘኻኸሪ ዝተነብረ ሓሳብ ኽኸውን እንከሎ፡ እዚ ኸኣ ድህረ ለብዕን ንዳግማይ ብጋሴ ዝቐረቡ መምዘንታት ብምስትውዓል ስነ ምግባራውን ባህላዎን ምይይጥ ንምንቕቓሕ ኣሚቶም ከምዝኾነ ሓቢሮም፡ ማእከላዉያን ሓሳብ ከኣ ዓውሎማዊ ሕውነትን ናይቲ ጸረ ተህዋስ ፈውሲ ምትሕብባር ዝብል ምዃኑ ኣጽኒዖም ይሕብሩ።

ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ናጻ ከውጽኣና በይኖም ብዘይ ምእመናን ኩሉ ተወሺቡ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ዘቕረብዎ ጸሎትን ቡራኬ ቅዱስ ቁርባንን ንሮማን ንመላእ ዓለምን ኣብ ናይ ምብራኽ ስነ ስርዓትን ኣስተንትኖን ፈጺሚሞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ እንነብረሉ ዓለም ዝሓመመ ክነሱ ገዛእ ርእሱ ጥዑይ ገይሩ ብምሕሳብ ልዕለ ድምጺ ዝውንጨፍ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዝሓመምና ከምዝዀንና እዩ ዘረጋግጸልና፡ ቅድሚ ኮረና ተህዋስ፡ ተህዋስ ውልቃነትን ደሴታውነትን በይናውነትን እዩ ዝተኸስተ፡ እቲ ተህዋስ ኮረና መንነትና ቁልጭ ኣቢሉ እቲ ክንርእዮ ዘይንደልዮን ግምት እውን ዘይንህበሉ ንኽንርእይ ገይሩና እዩ፡ . . . ከሃሌ ኩልነት ዝብል ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ ትዕቢት ምርጫታትናን ንገዛእ ርእሱ ናይ ሕይወት ትርጉም ዝመርሕ ኮይኑን እነሆ ድማ እዚ ዓይነት ኪደት ኣበይ ከምዘብጽሕ ግሁድ ኰይኑ ኣሎ። . . . እቲ ተህዋስ መን ምዃንና ኣርእዩና እዩ! ምእንቲ’ዚ ንሓድ ሕድና ንኽንደጋገፍን ሓገዝ ንኽንሓትት ገይሩና እዩ፡ ውልቃውነትን ደረት ኣልቦ ኢና ዝብል ኣመለኻኽታትን ኵሉ ባዕለይን ዝብል ኣክይዳና ይኣክል ንኽንብል ዝድርኽ እዩ።

ብጹዕነቶም ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር ዝብል ራእይ የቕርቡ፥ ሕዚ ከኣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕይወታውያን ኩነት ዝምልከት እዩ፡ ዝኾነ ይኹን ወስታናን ትግባረናን ውልቃዊ እውን እንተኾነ ሳዕቤኑ ግና ውልቃዊ ኣይኮነን፥ ብጽቡቕ ይኹን ብኽፋእ ንኹሉ ዝትንክፍ እዩ፡ ምርጫታትና ፖለቲካዊ ይኹን ኤኮኖሚያዊ ውልቀ-ማሕበራውነት እዩ፡ ኵላዊ ሕውነት ዝብል ሕውነት ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ኣብ ማሕበረሰብን ይኹን ኣብ ሕይወት ናይ ከተማ ብሓፈሻኡ ሕውነት ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጽሕፍቶ ምዃኑ ኣብ ምስትውዓል ብኹር እንተድኣ ዝኸውን ኮይኑ ሳዕቤኑ ንጹር እዩ፡ ኣየርከብናንን እትብሎን ኣብ ካልእን ርሑቕን ቦታ ዝኽሰት እዩ እትብሎ ይበጽሓካ፡ ስለዚህ ኵላዊ  ሕውነት ወሳኒ እዩ፡ ምዕባሌታትና ብዕድመ ዝዕቀን ሕይወት ክነውሕ ገይሩ እዩ፡ ሰናይ ተበጽሖ እዩ፡ ደሓር ግና ኣብ ናይ መፈጸምታ ሕይወት ኣብ ዝኾኑ ናይ ሕይወት ወደባት ክቕመጥ ንገብር፥ መእለዪ ኣረጋውያን ከም እንብሎ ማለት እዩ፡ ዕድመ ተንውሕ እዋን መሊስካ ነቲ ነዊሕ ሕይወት ካብ ጸዋታ ወጻኢ ምስ ዝኸውን ስቓይ ዘይብሉ ሞት ብዝብል ኣመለኻኽታ ንምእላይ ዝብሉ ምርጫታትን ተግባርን ተነቓቕሕ፥ እዚ ጭካኔ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር ወሳኒ እዩ።

ብጹዕነቶም መንፈሳዊ  ፍወሳ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ሓቢሮም እዚ ከኣ ምስ መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 13ን 22ን 130ን 143 ኣተሓሒዞም የብርሁ እቲ ዅሉ ኣብዚ እዋን እንርእዮ ዘሎና ናይ ተኣፋፍነትና ጫፍ ዝነግር ኵነት ነቲ ናይ ኢየሱስ ገዓር ኣብ አስቀል መሳሊ እዩ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 መጋቢት 2020  ዓ.ም. ኣብቲ ሓደ ምእመን ብኣካል ዘይነበሮ ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ ጸሎት ናይቲ መላእ ዘርኢ ሰብ ስቓይ ናብ እግዚኣብሔር ሒዞም ኣቕሪቦምዎ እዮም፡ እዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቅዱስ ባህሊ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ብጹዕ ኣቡነ ፓሊያ፥ ድህረ ለብዒ ኮቪድ - 19 እንኰ ክኡል መጻኢ ሕውነታውነት እዩ
30 April 2020, 18:53