ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ማሕበር ፈረሰይናታት ኮሎምቦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ማሕበር ፈረሰይናታት ኮሎምቦ 

ማሕበር ፈረሰይናታት ኮሎምቦ ኣብ ጐድኒ ቅድስቲ መንበር

ማሕበር ፈረሰይናታት ኮሎምቦ ኣብዚ ብለብዒ ኮቪድ 19 ምልኩት ኮይኑ ንዘሎ ሰሙነ ሕማማት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘዕርግዎ ስርዓተ ሊጡርጊያ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዝገበርዎ መሰረት ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበቱ ንምምስካር

ኣብዚ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ኮቪድ - 19 ነቶም በዚ ለብዒ ንዝተጠቕዑ ሕጻናት ዝኣልይ ኣብ ሮማ ዝርከብ ናይ ሕጻናት ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዘዕርግዎ ስርዓተ ሊጡርጊያ ድጋፍን ቅርበትን ንምምስካር ብዝብል መደብ መሰረት ማሕበር ፈረሰይናታት ኮሎምቦ ሓገዝ ከምዘቕረበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ንልዕሊ 130 ዓመት ንማሕበረሰብ ዝተፈላለየ ኣገዳስን ቀጻልን ግብረ ሰናይ ዘቕርብ ብኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ ሚካኤል ምክጊቭነይ ዝተመስረተ ማሕበር ፈረሰይናታት ኮሎምቦ ኣብዚ ብለብዒ ኮቪድ 19 ምልኩት ኮይኑ ንዘሎ ሰሙነ ሕማማት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘዕርግዎ ስርዓተ ሊጡርጊያ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዝገበርዎ መሰረት ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበቱ ንምምስካር፡ ሕጻነ ኢየሱስ ቤት ሕክምና ብኮቪድ 19 ዝተጠቕዑ ሕጻናት ንዘቕርቦ ኣገልግሎት ዝውዕል ሓገዝ ከምዘቐረበ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ካፐሊ ኣስዒበን፥

ድጋፍ ንቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ

ማሕበር ፈረሰይናታት ኮሎምቦ ነቲ ናይ ሕጻናት ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ሚእቲ ሺሕ ዶላር ከምዝለገሰን፡ እዚ ሓገዝ እዚ ነቶም ብኮቪድ 19 ዝልከፉ ሕጻናት ንምእላይን እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ሕክምና ንዝቐርብ ክንክን ጥዕና ንምድጋፍን ብፍላይ ከኣ ሓደ ክፍሊ ናይቲ ቤት ሕክምና ሕጻናት ነቶም በቲ ለብዒ ንዝጥቕዑ ሕጻናት መእለይ ንኽጥቀመሉ ብዝብል ሓሳብ ዝለገሶ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝቐውም ንሕጻናት መውሃቢ ሕክምና ጸረ ኮቪድ ብስም ናይቲ ማሕበር ፈረሰይናታት ኮሎምቦ መስራቲ ዝጸዋዕ ከምዝኸውን ገሊጸን፡ ናይ ማሕበር ፈረሰይናታት ኮሎምቦ ላዕለዋይ ኣዛዚ ካርል ኣንደርሶን እቲ ሓገዝ እቲ ንልዕሊ 100 ዓመት ዘገልግል ዘሎ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ሕጻናት ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ቀጻልነቱ ውሑስ ንምግባር ምስ ዝካየዱ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ዝተጣመረ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ንናይ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓገዝ

እቲ ማሕበር ፈረሰይናታት ኮሎምቦ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ሰሙነ ሕማማትን በዓለ ፋሲካ ሰንበትን ኡርቢ ኤት ኦርቢ - ቡራኬ ንኸተማ ሮማን መላእ ዓለም፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሰርዕዎ ስርዓተ ሊጡርጊያ ብቐጥታ ናብ መላእ ዓለም ብሳታላይት ክመሓላለፍ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዕዮ ብምሉእ ዝሕያቶ ኵሉ ወጻኢ ከምዝሸፈንን፡ እቲ ዕለት 27 መጋቢት ቅዱስ ኣቦና ካብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ምኽንያት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ክህሉን ኩሉ ኣብ ቤት ክውሸብ ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከብቅዕ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘይ ምእመናን ኩሉ ብመንፈስ ዘሳትፍ ዝሰርዕዎ ኣስተንትኖ ቡራኬን ቅዱስ ቁርባንን ሓዋርያዊ ቡራኬ ንሮማን መላእ ዓለም ስብከት ብሳታላይት ናብ መላእ ዓለም ክመሓላለፍ ከምዝገበረ እውን ካፐሊ ዘኪረን፡ ካብ 1965 ክሳብ 1977 ዓ.ም. ናይ ቫቲካን ራዲዮ ወጻኢ ኩሉ ሸፊኑ ናብ መላእ ዓለም ክበጽሕ ከምዝገበረን ንናይ ቫቲካን ተለቪዥን እውን እናተንቀሳቐሰ ንዘዳልዎ መዳባት እውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዘድሊ ወጻኢ ከምዝደገፈ ይሕብራ።

ናይ ማሕበር ፈረሰይናታት ኮሎምቦ ዕማም

ዝሓለፈ ዓመት 2019 ዓ.ም. እዚ ማሕበር’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ንናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝውዕል ክሳብ 76 ሚሊዮን ዶላር ክምዝለገሰን፡ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ኤውሮጳን እስያን ማእከላይ ምብራቕን ልዕሊ 185 ሚሊዮን ዶላር ንናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት መደባት መሳለጢ ከምዝለገሰን፡ ንድኻታት ሕጻናትን ኣካለ ስንኵላንን ንድኻታት መዕደል መሰረታዊ ሓገዝ ዘቕርብን ኮይኑ፡ በነዲክቶስ መበል 15 ብዘቕረብዎ ጻውዒት መሰረት፡ ኣብ ሮማ ካብ 1920 ዓ.ም. ኣትሒዙ ንናይ ከተማ ሮማ ድኻታት መንእሰያት ኣገልግሎት ዘቕርብ ከምዝኾነን፡ ዝሓለፈ ለካቲት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ማሕበር ፈረሰይናታት ኮሎምቦ ተራኺቦም ቃለ ምዕዳን ለጊሶም ኣብ ግብረ ሰናይ ወፍርን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዎም ነቕ ዘይብል ተወፋይነትን ዝነኣድ እዩ ከምዝበሉ ካፐሊ የዘኻኽራ።

11 April 2020, 20:50