ሺክሉና፥ ጳጳሳት ኣብ ጸረ ናይ ውሲብ ዓመጽ ቃል ንምድጋፍ ሺክሉና፥ ጳጳሳት ኣብ ጸረ ናይ ውሲብ ዓመጽ ቃል ንምድጋፍ 

ሺክሉና፥ ጳጳሳት ኣብ ጸረ ናይ ውሲብ ዓመጽ ቃል ንምድጋፍ

ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ጳጳሳትን ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ ዘካይድዎ ህርኵት ጻዕርታትን ቃልስን ድጋፍ ዘቅርብ ግብረ ሓይሊ ከምዝቖመ

ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲና ላዳሪያ ናይቲ ብኣኦም ዝምራሕ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ናይ  መክሲኮ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘካይድዎ ዘሎ ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ ቃልሲ ሙያዊ  ምኽሪ ንኽልግሱ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኸካይዱን ናብ መክሲኮ ኣብ ቀረባ እዋን ክልእኽዎም ከምዝዀኑ ናይ መክሲኮ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ናይ መክሲኮ ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ መክሲኮ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሔራዊ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓልዮ ድርገትን ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ ቃልሲ ሙያው ድጋፍ ንኸቕርቡ ኣብ መክሲኮ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብፁዓን ጳጳሳት መክሲኮ ንናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ላዳሪያ ፈረር ዋና ጸሓፊኦም ናይ ማልታ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ሺክሉና ናብ መክሲኮ ንኽልእዅ ብምፍቃዶም ምስጋንኦም ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ፥

ኣብ መክሲኮ ኣብ ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዘድሊ ሓበሬታን ድጋፍ ዘድልዮምን ንዝሓቱን ኣካላት እውን ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ሙያዊ ድጋፍ ከምዝቐርበሎም ኣብ መክሲኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፍራንኮ ኮፖላ ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳስት ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ምስ ተሓባባሪኦም ብፁዕ ኣቡነ ኾርዲ በርቶመው ብሓባር ምስ ናይ መክሲኮ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ መክሲኮ ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ገዳማትን ልኡካነ ወንጌልን ናይ ካህናትን ደናግልን ማሕበራትን ኣሕሉቕ ተራኺቦምን ኣብ መክሲኮ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ ቃልሲ እተካይዶ ጽኑዕን ህኩትን ጻዕሪ ኵለ መደያዊ ድጋፍ ከቕርቡን ነዚ ሓዋርያዊ ተልእዀ’ዚ ካብ ዕለት 20 ክሳብ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ከካይዶ ከምዝዀኑ ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ጳጳሳትን ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ ዘካይድዎ ህርኵት ጻዕርታትን ቃልስን ድጋፍ ዘቅርብ ግብረ ሓይሊ ከምዝቖመ ዕለት 28 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ጳጳሳዊ ናይ ሕጊ ሰነዳት ሓልዮ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዅዋን ኢግናዚዮ ኦሪየታ ኦቾኣ ደ ቺንቸትሩን ናይ ጆሰፍ ራትዚንገር ማሕበር ኣቦ መንበርን ናይት ኣብ 2019 ዓ.ም. ተኻይዱ ናይ ዝነበረ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ኣወሃሃድን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲን ኣብ ዝመርሕዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ እዝን ከምኡ እውን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ላዕለዎት መዋቕራትን ሰበኻታትን በቶም ናይቲ ዓመጽ ግዳያት ዝዀኑ ዜጋታት ዝቐርብ ክስን ዝወሃቡ ምስክርነትን መርመራ ንዘካይዱ ናይ በርገሳውያን ኣባይቲ ፍርድን ንዝምልከቶም ስልጣናትን ክመሓላለፍን ጳጳሳዊ ስቱርነት ከይህሉ ዝእዝዝ ዕለት 4 ታሓሳ 2019 ዓ.ም. ዝደንገግዎን ዕለት 16 ታሓሳስ 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝገበረዎ ሕግን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ እትካይዶ ቃልሲ ጽኑዕ ከምዝዀነ ዘረጋግጽ ምኻኑ ቫቲካን ዜና ኣፍሊጡ።

ሺክሉና፥ ጳጳሳት ኣብ ጸረ ናይ ውሲብ ዓመጽ ቃል ንምድጋፍ
03 March 2020, 17:09