ሎረንዝ ከውሽ ሓድሽ ናይ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ዝዊዝወላንድ ኣዛዚ ሎረንዝ ከውሽ ሓድሽ ናይ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ዝዊዝወላንድ ኣዛዚ 

ሎረንዝ ከውሽ ሓድሽ ናይ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ዝዊዝወላንድ ኣዛዚ

ንጳጳሳዊ ሓይሊ ጸጥታ ስዊዘርላንድ፡ ታዕሊም ሓንሳብ ንሓዋሩ ዘይኰነስ ቀጻሊ መደብ እዩ፡ እዚ ጥንታዊ ዝዀነ ሓይሊ ጸጥታ በዓል ተልእዀ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 1 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ሎረንዝ ክውሽ ናይ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ኣዛዚ ኰይኖን ንኸገልግሉ ከምዝሰመይዎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡፡ ሎረንዝ ከውሽ ኣብ ስዊዘርላንድ ዞባ ቦስዊል ዝተወዱ ካብ 2000 ዓ.ም. ኣትሒዞም እውን ናይ ጳጳሳዊ ሐለዋ ጸጥታ ዝዊዘላንድ ኣባል ከይኖም ዘገልገሉን፥ ዕለት 1 ጥሪ 2003 ዓ.ም.  ምኽትል ኣዛዚ ዓሰርተ፡ ኣብ 2007 ዓ.ም. ምሉእ ኣዛዚ ዓሰርተ ሓለዋ ጸጥታን ዕለት 16 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ሓለቓ ሓምሳ ከይኖም ከማተሰምዩ የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ናይ ቅዱስ ኣቦና ጸጥታን ደሕንነትን ዘውሕስ ጳጳሳዊ ሓይሊ ጸጥታ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ምክልኻል ጸጥታን ደሕነትን ልዑል ብቕዓት ዘለዎ ኰይኑ ክርከብን ብእዋናዊ ኩነት ዓለምን እዚ ኩነት ብዝሓቶ ዓይነት ብቕዓትን ዝተሰናደወ ኰይኑ ክርከብ ካብ ዝወሃቦ ታዕሊም ማዕረ ማዕረ መንፈሳዊ ሕንጸት እውን ዝጠቓልል እዩ።

ንጳጳሳዊ ሓይሊ ጸጥታ ስዊዘርላንድ፡ ታዕሊም ሓንሳብ ንሓዋሩ ዘይኰነስ ቀጻሊ መደብ እዩ፡ እዚ ጥንታዊ ዝዀነ ሓይሊ ጸጥታ በዓል ተልእዀ እዩ፡ ስፖርትን፡ ገዛእ ርእስኻ ምክልኻልን ዝተወሃበካ ሓላፍነት ንምፍጻም ዘብቅዕ ታዕሊምን ዘጠቓልል ከምዝዝዀነ፡ ዝዀነ ይዅን ሃንደበታዊ ኵነት ንምብዳህን ንምቁጽጻርን ወይ ንምፍሻልን ዘኽእል መደባት ዘሳዅዔ እውን እዩ።

ኣብቲ ታዕሊም ሓለዋ ጸጥታ ዘየቋርጽ መንፈሳዊ ሕንጸት ኣሎ፡ እዚ እምነት መሰረት ዝገበረ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ዘለዎ እምነት ንምጽናዕ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ዝቐርብ መንፈሳዊ ሓልዮትን ትምህርተ ክርስቶስን ብማሕበር እውን ዝንበር እዩ። ዝተፈላለዩ መደባት መንፈሳዊ ንግደት ናብ ቅዱሳት ስፍራን ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝሳለጥ ብናይቲ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላድ ኣበ ነፍስ ተመሪሑ ይካየድ።

ናይ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ሕንጸት ሰለስተ ክፍሊ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ብሓደ ኣዛዚ ጳጳሳዊ ሓይሊ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ተሰንዩ፡ ንኣብነት ስፖርትን ትምህርቲ ቋንቋ ጣልያንን ፈረንሳን ከምኡ እውን ሕንጸት ኣብ ስነ ሙዚቃን ዝተሓወሶን፡ እዚ ኸኣ ማሕበረሰብነት ንምምዕባልን ማሕበራዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ሓይሊ ጸጥታ ንኽኸውን ዝድግፎ ምዃኑ ይንገር።

ሎረንዝ ከውሽ ሓድሽ ናይ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ዝዊዝወላንድ ኣዛዚ
10 March 2020, 16:24