ዞልነር፥ ኣተኵሮን ናይ ምስማዕን ጽን ምባልን ምክልኻልን ባህሊ ኣብ ምክልኻል ሕጻናት ዞልነር፥ ኣተኵሮን ናይ ምስማዕን ጽን ምባልን ምክልኻልን ባህሊ ኣብ ምክልኻል ሕጻናት 

ዞልነር፥ ኣተኵሮን ናይ ምስማዕን ጽን ምባልን ምክልኻልን ባህሊ ኣብ ምክልኻል ሕጻናት

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ላዕለዎት መዋቕራትን ሰበኻታትን በቶም ናይቲ ዓመጽ ግዳይ ዝዀኑ ዜጋታት ዝቐርብ ክስን ዝወሃቡ ምስክርነትን መርመራ ንዘካይዱ ናይ በርገሳውያን ኣባይቲ ፍርድን ዝምልከቶም ስልጣናትን ክመሓላለፍን ጳጳሳዊ ስቱርነት ከይህሉ ዝእዝዝ ዕለት 4 ታሓሳ 2019 ዓ.ም. ዝደንገግዎን ዕለት 16 ታሓሳስ 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝዀነ ሕጊ

ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብድላይን ሓልዮትን ውሳኔን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተነቓቒሑ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ናይ ዝተፈላለያ ገዳማትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ኣሕሉቕ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ኣማእኪሎም ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐርያና መንበረ ጥበብ ማእከል ሓልዮ ሕጻናት ኣቦ መንበርን ጳጳሳዊ ሓልዮ ምክልኻል ሕጻናት ድርገት ኣባል ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሃንስ ዞልነር ምስ ዜና ቫቲካን ጋዜጠይና መደብ ቋንቋ ጀርመን ጉድሩን ሳይለር ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዓለም ብርሃን ኢዅም  ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸደቐ 91 ናይ መቅጽዒ ሕግታት ዝተነብሮ፡ ዛዕባ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ዝምልከትን ኣብ ሰበኻታት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ክሲ ዝቐርበሉ ፍሉይ ቤት ጽሕፈትን ጉዳይ ሕጻናት ዝከታተልን ጽን ዝበሃለሉ ኣባይቲ ጽሕፈት ከምዝቖመን፡ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ብዛዕባ ዝፈልጥዎ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ንዝምልከቶ ኣካል ክጠርዑን ዝብሉ ውሳኔናታት ዘኪሮም፡ ኣተሓሒዞም እውን ኣብ ነፍሲ ሰበኻታት፡ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ መራሒ መስመርን እቶም ዝጸደቑ ሓደስቲ ሕግታትን እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባን መሰረት፡ ኣደዳ ዓመጽ ዝዀኑ ጽን ክበሃሉን፡ ፍትሒ ክረኽቡን ሕጻናት ካብ ዝዀነ ይዅን ዓመጽ ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻሎም ህርኵት ጻዕርን ኣብ ምክያድ ዝዓዩ ኣባይቲ ጽሕፈት ከምዝቖመን እዚ ሕርያ ኣይኰነን ናይ ግድን እውን እዩ ኢሎም።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ላዕለዎት መዋቕራትን ሰበኻታትን በቶም ናይቲ ዓመጽ ግዳይ ዝዀኑ ዜጋታት ዝቐርብ ክስን ዝወሃቡ ምስክርነትን መርመራ ንዘካይዱ ናይ በርገሳውያን ኣባይቲ ፍርድን ዝምልከቶም ስልጣናትን ክመሓላለፍን ጳጳሳዊ ስቱርነት ከይህሉ ዝእዝዝ ዕለት 4 ታሓሳ 2019 ዓ.ም. ዝደንገግዎን ዕለት 16 ታሓሳስ 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝዀነ ሕጊ ጠቒሶም፡ እዚ ዓቢይ ምልክታ ሓዲጉ ዝሓልፍ ውሳኔ እዩ፡ ስለዚህ እዚ ሓድሽ ሕግ’ዚ ነቲ ጳጳሳዊ ስቱርነት ዝብል ሕጋግ ዝሓክኽ ምዃኑ የመላኽቱ።

እዚ ሓድሽ ዝተደንገገ ሕጊ ደሕንነትን ኵለንተናውነትን ዕቃበ ሓበሬታ ዝብል ኣብ ሕገ ቀኖና ዘሎ ውሳኔ ዘኽብር ኰይኑ፡ እቲ ዝወሃብ ሓበሬታ ኸኣ ናይቶም ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ኣለዎም ንዝብሃሉ ጥርጡራት ዘለዎም ሰናይ ተፈላጥነትን ተክለ ሰብነትን ናይ ግላዊ መዳያቶምን ውሑስ ብዝገብር ኣገባብ ክምራሕ ኣለዎ ዝብል ኰይኑ፡ እዚ ናይ ኣሰራርሓ ስቱርነት ዝብል ሓሳብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንዘሎ ናይ ሃገራት ሕጊ ዕንቅፋት ክኸውን የብሉን፡ ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ገብን ሓበሬታ ንምሃብ ዝዕንቅጽ ከምዘይኰነን ብተወሳኺ እውን ንዝምልከቶ በርገሳዊ ፍርዳዊ ኣካል ሓበሬታ ምሃብ ግድን እዩ ንዝብል ውሳኔ ዘሰናኽል ክኸውን የብሉን፡ ብኻልእ መዳይ  እቶም እቲ ገበን ዝተፈጸሞምን መሰኻኽርን ከጽቕጡ ክብ ዝእዝዝ ምንም ዓይነት ውዕሊ ናጻ እዮም ዝብል ምዃኑ ኣዘካኺሮም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኣተኵሮን ናይ ምስማዕን ጽን ምባልን ምክልኻልን ባህሊ ኣብ ምክልኻል ሕጻናት

Photogallery

ኣተኵሮን ናይ ምስማዕን ጽን ምባልን ምክልኻልን ባህሊ ኣብ ምክልኻል ሕጻናት
20 February 2020, 17:34