ገጸ በረኸት ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ንናይ ቡልጋርያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊት ገጸ በረኸት ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ንናይ ቡልጋርያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊት 

ገጸ በረኸት ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ንናይ ቡልጋርያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊት

ኣብቲ ምውቑን ልባውን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቡልጋሪያ ፓትሪያርክን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ “ገጸ በረኸት ዕጹብን ድንቅን፡ ናይቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ናይ ቡልጋሪያ ኦርቶዶክሳዊት ፓትሪያርክን ዘሎ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ዝጸንዔ ርክብን ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንጐ ክርስቲያን ሓድነት ክረጋገጽ ዝብል ብርቱዕ ድላዮምን ጸሎቶምን ናይ ዘካይድዎ ጻዕርን ኵሉ ትእምርቲ እዩ

ኣብ ቡልጋሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፐኮራሪ ዕለት 27 ለካቲት 2020 ዓም. ኣብ ርእሰ ከተማ ሶፊያ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ቡልጋርያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊት ዝለኣዅሎም ገጸ በረኸት ከምዘረከቡን:  ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊት ስለ እቲ ሕውነታዊ መግልጺ ዝዀነ ህያብ ዝተሰምዖም ሓጐስ ገሊጾም ምስጋና ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንናይ ሶፊያ ሜጥሮጶሊታ ናይ መላእ ቡልጋሪያ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስቲያን ፓትሪያርክ ንብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለኣኸዎ ናይ ቅዱስን ሰማእትን ር.ሊ.ጳ. ቀለመንጦስን ቅዱስ ሰማዕት ጶቲጺዩስን ገጸ በረኸት ቅዱሳት ትሩፋት ዘብጽሑ ኣብ ቡልጋሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣንሰልሞ ጉይዶ ፐኮራሪ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡ እቲ ገጸ በረኸት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቡልጋሪያ ንዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ትእምርቲ ዝኽሪ ምዃኑ መግለጺ ብፁዕ ኣቡነ ፐኮራሪ ጠቒሰን የመላኽታ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን

ኣብቲ ምውቑን ልባውን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቡልጋሪያ ፓትሪያርክን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ “ገጸ በረኸት ዕጹብን ድንቅን፡ ናይቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ናይ ቡልጋሪያ ኦርቶዶክሳዊት ፓትሪያርክን ዘሎ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ዝጸንዔ ርክብን ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንጐ ክርስቲያን ሓድነት ክረጋገጽ ዝብል ብርቱዕ ድላዮምን ጸሎቶምን ናይ ዘካይድዎ ጻዕርን ኵሉ ትእምርቲ እዩ፡ ናይቶም ክልተ ቅዱሳት ናብቲ ክልቲኣቶም ቅዱሳት ሰማዕታት ናብ ዝነበሩላን ናይ ቅዱስ ቀርሎስን መጠዲዮስን ናይ እምነት ምስክርነትን ኣገልግሎትን ናይ ቀረባ መሰኻኽር ዝዀኑላ ሃገረ ቡልጋሪያ ክመጽእ ብሓቂ ትእምርቲ ዓቢይ ሓጐስን ሕውነትን” ምዃኑ ከምእተሓበረ ዝገለጻ ኣኵይሊኖ ኣተሓሒዘን፥

እቲ ገጸ በረኸት ቡራኬ እዩ

ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊት ነቲ ገጸ በረኸት ኣብ ዝተረከብሉ ስነ ስርዓት፡ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝፈጸምይዎ ሰናይን ለጋስን ተግባር፡ “ናይ ዓቢይ ሕውነት ትእምርትን፡ ዓቢይ ቡራኬን እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ኣብ 2002 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ቅዱስ ዲያቆን ዶሮስቶል ቅዱሳት ትሩፋት ከምኡ እውን በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2006 ዓ.ም. ቅዱሳት ትሩፋት ቅዱስ ሰማእት ጊዮርጊስ ንቡልጋርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘቕረብዎ ገጸ በረኸት ዘኪሮም - “እቲ ናይ ቅዱሳትን ሰማእትታትን ኣብ ክርስቶስ ናይ ዘሎና እምነት መሰኻኽር፡ ናይቲ ኣብ መንጐ ሮማን ናይ ቡልጋርያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኣብ ሰላምን ብሰላምን ዝቕጽል ብናይ ሓባር ምክብባርን ምርድዳእን ዝተሰነየ ሰናይ ርክብ ዘረጋግጽ እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ቀለመንጦስን ጶቲጺዩስ

ጥንታዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስንክሳር ከምዝሕብሮ፡ ቀለመንጦስን ጶቲጺዩስ፡ ኣብታ ቀደም ሰዲካ ዝብል መጸውዕ ዝነበረ ከተማ ሶፊያ ተቐማጦን ቅዱስ ቀለመንጦስ ናይ ከተማ ሶፊያ ቀዳማይ ጳጳስ ከምዝነበረን ክልቲኦም ብቅዱሳት ቀርሎስን መጠዲዮስን ተመሪሖም ናብ ሮማ ዝመጹን፡ ቅዱስ ጶቲጺዩስ ኣብ ዘመነ ስርዓት ኣንቶኒኖ ፒዮ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበለን ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ባዚሊካታ ኣብ እትርከብ ከተማ ትሪካሪኮ ከምእተቐብረን ይፍለጥ፡ ኣብታ ኣብ ሶፊያ እትርከብ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፎያ ዕለት 24 ግንቦት ዝክረ ቅድስናኡ ዝበዓል ከምዝዀነ እውን ክፍልፈጥ እንከሎ ብምኽንያት እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቅዱሳት ትሩፋት እውን ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፊያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊት ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ገጸ በረኸት ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ንናይ ቡልጋርያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊት
28 February 2020, 18:08