ቱርክሶን፥ እውነተይና ለውጢ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ምቕባል እዩ ቱርክሶን፥ እውነተይና ለውጢ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ምቕባል እዩ 

ቱርክሶን፥ እውነተይና ለውጢ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ምቕባል እዩ

ኣብዚ ናይ 2020 ዓ.ም. እዋን ዓቢይ ጾም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ጠመተኡ ኣብ ልዕሊ ስቑል ኢየሱስ ከገብር ይምዕዱ

ዕለት 24 ለካቲት ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 2020 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም መልእኽቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ፡ ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ፡ ብጸሎትን ብምሕረትን ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ካልኦትን ፍርያም ዘተ ምኽዋን ከምዘድሊ ዝምዕድ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣግልግሎት ዜና ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በዓለ ፋሲካ ብዝተሓደሰ ልብን ነቲ ዓቢይ ምስጢር ኣብ ልብኻን ኣእምሮኻን ብምስትንታን ንንናይ ኢየሱስ መልእኽቲ ብናጻ መልሲ ብምሃብን ንኸነብዕሎ ንስደናደው፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ትርክሶን ናይ 2020 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም ናይ ር.ሊ.ጳ. መልእኽቲ ብወግዒ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ክኸውን እንከሎ፥

ቅኑዕን ፍርያምን ዘተ

ምልዋጥ ማለት ኣብ ቅኑዕን ፍርያምን ዘተ ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ካልኦትን ንናይ ጐይታ ፍቕሪ ሕራይ ቢልካ ምቕባል ማለት እዩ፡ ርክብ ምስ እግዝኣብሔር ዝኽወን ኣብቶም ትእምርቲ ዝዀኑ ኣብ ናይ ኵሎም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ብምሕረት ዝተወሃበናን ዝተቐበልናዮን ስቑል ኢየሱስ ምስንታን ብጸሎት እዩ። ስለዚህ ንብጻይካ ኣተኵሮ ምሃብ ማለት ኣብቲ ብዙሕ እዋን ርእሰ ብቕዓት ዝብልን ብዙሓት ተነጺሎም ኣብ ብሕትውና ናብ ምንባር ዝድረኹሉ ማሕበራዊ ኵነት ምምሓርን ናይ ገዛእ ርእስኻን ናይ ካልኦትን ድኻምነት ምቕባልን ማለት ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ከምዘብርሁ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ይሕብሩ።

የዕንትኻ ኣብቲ ስቑል ምንባር

ኣብዚ ናይ 2020 ዓ.ም. እዋን ዓቢይ ጾም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ጠመተኡ ኣብ ልዕሊ ስቑል ኢየሱስ ከገብር ይምዕዱ፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣባ ብሩኖ ዱዩፈ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ስቑል ኢየሱስ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ናጻ ዘውጽእ ሓው ምዃኑ ምፍላጥ ዝሓትት እዩ ምስ በሉ፡ የዕንትኻ ኣብ ስቑል ኢየሱስ ምግባር ማለት ናይ ምሕረትን ትዕግስትን ቡቕባቔን እግዚኣብሔር ፈሊኻ ኣለልይ ዝብል ጻውዒት እዩ ከምዝበሉ ራቪያርት ኣፍሊጦም።

ሃብቲ ዓለም (ጸጋታት) ምክፋል

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሕጻናት ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ኣደ መንበር ማሪየላ ኤኖክ እውን ብወገነን ኣብ ዘስምዐኦ ቃል፡ ቤት ሕክምና ሕጻነት ኢየሱስ፡ ዓቕሙን ፍልጠቱን ከይበቐቐ ዘካፍልን ከምዝዀነን፡ ንህሙማን ሕጻናትን ኣባይቲ ስድራኦምን ኵለ መደያዊ ድጋፍ ብምቕራብ ዘገልግልን፡ ኣብ ስነ ሕክምና ስነ ምርምር ተበጽሖታቱ ኣብ ዓለም ተፈላጥነት ክረክብን ኣብተን ውሩያት ናይ ስነ ምርምር መጽሔታት ከሕትም ዘይኰነስ ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ፍጥረት ክውዕል ዝገብር እዩ ቢለን፡ ዕለት 26 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ናይ ለምዘበን ዓቢይ ጾም ዝጅመረሉ ዕለት ሓደ ናይ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ጉጅለ ኣብ ሓደ ሮማ ከተማ ካብ ዝርከቡ ናይ ዓሌት ሮም ምዓስከር ምብጻሕ ከካይድን ድጋፍ ከቕርብን እዩ ከምዝበላ ዝሓበሩ ራቪያርት ኣስዒቦም፡

ኣተኵሮ ኵለንተናዊ ናይ ሰብኣዊ ምሉእ ዕብየት ኣገልግሎት ኣብ ዛዕባ ዝሰፍሕ ዘሎ ኮረና ተህዋስ

ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምሉእ ዕብየት ኣገልግሎት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እቲ ዝሰፍሕ ዘሎን ናይ ብዙሓት ሕይወት ንሓደጋ ሞት ዘቃልዕ ዘሎ ሓድሽ ኮረና ተህዋስ ዘተኣታትዎ ዘሎ ሕማም ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኵለ መደያዊ ሓገዝ ንምቕራብ ስንደው ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ዝርአይ ዘሎ ሓድሽ ሕማም ኣብ ገዛእ ርእስኻ ንኽትዕጸውን ካብ ካልእ ዝፈልየካ መናድቕ ንምቛም ምኽንያት ክኸውን ዘይኰነስ፡ ንምትሕብባርን ምድግጋፍን ዘተባቦዕ ክኸውን ኣለዎ ቢሎም፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም፡ ገዛእ ርእስኻ ንሓው ክፉት ምግባርን ምድጋፍን ኣብ ሓው ወጅሂ ኢየሱስ ምልላይን፡ እቲ ዝዓበየ ጸሎት ምዃኑ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ 2020 ዓ.ም. ናይ ዓቢይ ጾም መልእኽቲ ከምዘመላኽትዎ እንክብሉ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲላናል ቱርክሶን ነቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዚሞም።

ቱርክሶን፥ እውነተይና ለውጢ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ምቕባል እዩ
25 February 2020, 16:16