ችዘርንይ፥ ፍጥረት ንምድሓን ኣማዞንን ሕዝቢ ኣማዞንን ምፍቃር ችዘርንይ፥ ፍጥረት ንምድሓን ኣማዞንን ሕዝቢ ኣማዞንን ምፍቃር 

ችዘርንይ፥ ፍጥረት ንምድሓን ኣማዞንን ሕዝቢ ኣማዞንን ምፍቃር

ኣማዞን ዘነቓቕሕ፡ ንኣማዞንን ሕዝቢ ኣማዞንን ባህሉን ንሓደጋ ዘቃልዕ መሬቱ ጥራሕ ዝብል መዝማዚ ዓይነት መግዛእታዊ ኣቀራርባ ከይህሉ ዝብል፡ ህዝብን ባህልን፡ ናይ ህዝብታትን ናይ ባህሉን ክብርታት ምኽባር፡ ደቀባታውነት እውን ኣብ ገዛእ ርእሳዊ ዕጽው ምዃን ካብ ዝብል ሓደጋ ክሕለው፡ እዚ ኸኣ ክርስቲያናዊ ጠመተ እዩ

ናይቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ፍሉዩ ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ችዘርንይ፡ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ታህሳስ 2019 ዓ.ም. ዘረከብዎን ዕለት 12 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ዝበቕዔ ዝተፈተኺ ኣማዞን ዘርእስቱ ቃለ ምዕዳን፥ ኣርባዕተ ዓበይቲ ሕልምታ ር.ሊ.ጳ. ንኣማዞንን ንኣማዞናዊት ውጅሂ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያ ልእኽቲ ወንጌል ኣብ ኣማዞንን ብሰፊሕ ዘብርህ ፍጥረት ንምድሓን ኣማዞንን ሕዝቢ ኣማዞንን ምፍቃርን ዝብል ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኣማዞም ዕጫ ንዅላትና ዝምልከት እዩ፡ ስለምንታይ ኵሉ ተማራዃሲ ስለ ዝዀነ ድሕነት ኣማዞንን ደቀባት ኣማዞንን ንመላእ ዓለም ኣገዳሲ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ ናይቲ ቃለ ምዕዳን መሰረታዊ ትሕዝቶ ንምቕራብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መዕጸዊ እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ዘቕርብዎ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ምዝዛሙ ከምዝኸውን ሓቢሮም ከምዝነበሩን ከምቲ ዝበልዎ ድማ ዕለት 27 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣጠናቒቖም ከምዘቕረብዎን እቲ ዘቕረብዎ ሰነድ ተነቢቡን ዳግም ተኸሊሱን ብዝተፈላያ ቋንቋታት ተተርጕይሙን እነሆ ዕለት 12 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔ እውን ገሊጾም፡ ናይቲ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ሕመረት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣማዞን ዘለዎም ፍቕርን፡ ኣብዚ ፍቕሪ ንኣማዞን’ዚ መላእ ቤተ ክርስቲያንን መላእ ዓለም ክዋሳእን፡ እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ሃብትን ድኽነትን ኣብ ሞንጐ ምዕባለን ምዕቃብን ኣብ መንጐ መበቆላዊ ባህሊ ምዕቃብን ርሁው ምዃንን ዝብል ዝትያ ዝምልከት እዩ፡ ኣብዚ ሓሳብ እዚ ቅዱስነቶም ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ ንኽካየድ ስለምንታይ ከምዝጸውዑ ዘብርህ ኣመክንዮ ይርከብ። እቲ ሲኖዶስ ዝፈጠረሎም መስተጋብኦ፡ በርባዕተ ዓበይቲ ሕልምታት ይትንትንዎ። እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕልምታት ንናይ ኣማዞን ድኻታት መበቆላውያን ሕዝብታትን ናይቶም ዝተናዕቑን መሰልን ክብርን ምክልኻል ዝብል እዩ። ስለዚህ እቲ ስነ መሓደሮ ሕልሚ፥ ነቲ ፈድፋድ ሕይወት ኣማዞን ንምዕቃብን ኣብ ኣማዞን ስግው ዝዀነ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ኣማዞናዊ ወጅሂ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞንን ዝብል ምዃኑ የብርሁ።

ችዘርንይ፥ ፍጥረት ንምድሓን ኣማዞንን ሕዝቢ ኣማዞንን ምፍቃር

ዕለት 11 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ጐልጐል ማሲሞ ምስ መንእሰያት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ “ሕልሚ ኣገዳሲ እዩ፡ ጠመተና የስፍሕ፡ ማዕዶታትና የስፍሕ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለታዊ ዕዮታትና ተስፋ ይዅስኵስ፡ … ሕልሚ የበራብረካን ሰገር የብለካን ከም ብርሃን ኰኾብ መገድታትና የብርህ፡ ሓድሽ መገዲ ንሰብኣዊ ፍጥረት፡ … ቅዱስ መጽሓፍ እቶም ዓበይቲ ሕልምታት  ፍርያም ናይ ምዃን ብቕዓት ዘለዎም ምዃኖም ይሕብረና” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብፁዕ ካርዲናል ችዘርንይ ዘኪሮም፡ እዚ በናንን ወይ ከኣ ኡጦቢያ ማለት ዘይኰነስ በናንን ዘይጭበጥን ሕልምታት ዝጻረር እዩ፡ እቲ ሕልሚ ቢሎም ዝትንትንዎ፡ ኪደት እዩ፡ መላእ ቤተ ክርስቲያን ከተሳልጦ ዝግብኣ ኪደት እዩ፡ ማዕዶታት ዘመላኽት እምበር ክግበር ዘለዎን ዘይብሉን ዝብል ትእዛዛት ዘመላኽት ቃለ ምዕዳን ኣይኰነ።

ቀዳማይ ምዕራፍ፥ ማሕበረ-ሰብኣዊ ሕልሚ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኰረ እዩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝፍጸም ዘዕንው ተግባርን፡ ናይ መላእ ፍጥረት ክብሪ ዝሓክኽ፡ በነዲክቶስል መበል 16፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣማዞን ዝፍጸም በደል ኰኒኖም፡ “ክፋእ ምልምማድ ጽቡቕ ኣይኰነን … ውርደት ክስምዓና እዩ ዘለዎ” ዝበልዎ ቅዱስነቶም ኣብቲ ቃለ ምዕዳን ጠቒሶም፡ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን መርበብ ንምዝርጋሕን ገዛኢ ምዃን ዝብል መግዛእታውነት ኣመለኻኽታ ምስናፍ ከምዘድሊ ይምዕዱ፡ ዘላቒ ዝዀነ ምዕባለን መሓድሮን ባህልታትን ዘየዕንውን ኣገባብ ልምዓት ምቕራብን ምትግባርን ንዝብል ርክብ ኣብ መንጐ ሰብን ተፈጥሮን (ኣማዞንን) የተሓሳስቡ።

ኣማዞን ዘነቓቕሕ፡ ንኣማዞንን ሕዝቢ ኣማዞንን ባህሉን ንሓደጋ ዘቃልዕ መሬቱ ጥራሕ ዝብል መዝማዚ ዓይነት መግዛእታዊ ኣቀራርባ ከይህሉ ዝብል፡ ህዝብን ባህልን፡ ናይ ህዝብታትን ናይ ባህሉን ክብርታት ምኽባር፡ ደቀባታውነት እውን ኣብ ገዛእ ርእሳዊ ዕጽው ምዃን ካብ ዝብል ሓደጋ ክሕለው፡ እዚ ኸኣ ክርስቲያናዊ ጠመተ እዩ። እዚ ልኡኽነት ወይ ከኣ ወንጌላዊ ልኡኽነት ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ብዛዕባ ኢየሱስ ምዝራብ፡ ሓድሽ ሕይወት ኣብ ኢየሱስ ምብሳር፡ እዚ ሕይወትን ፍትረትን ተፈጥሮን ንምክልኻን ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ኣሕዋትን ምስ ተፈጥሮን ብዘሎካ ርክብ ተቃልሖ።

ናይ ኣማዞን ዕጫ ንዅሉ ዝምልከት እዩ፡ … ኵለንተናዊ ስነ መሓድሮ፥ ተፈጥሮን ሰብኣዊ ክብርን ምኽባር። ኣማዞን ንናይ መላእ መሬት ምዕሩይነት ወሳኒ እዩ፡ …. ተቐማጦን ደቀባትን ኣማዞን ከባቢኦም ሓዲጎም ከይስደዱን ናብቲ ኣህላኽነት ዝመልኰን ንብዙሓት ኣብ ጫፍ ዝሓድግን ዝሕርግን ጓሓፋይ ባህሊ ዝስዕብ ከባቢ ካብ ምስዳድ፡ ኣብ ኣማዞን ንኣማዞን ምንባርን ምስ ኵለንተናዊ ስነ ምህዳር ብዝሳነ ኣገባብ ናይ ሕዝቢ ኣማዞን መነባሮ ክመሓየሽ ምግባር፡ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ቅዱስነቶም ኣብ ኣማዞን ማዕዶታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገዳሲ ምዃኑ የመላኽቱ፡ ስለዚህ ኣብ ኣማዞን ልእኽቲ ወንጌል ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ህልውቲ ክትከውን፡ ቤተ ክርስቲያን ኢየሱስ እተቕርብ እንተድኣ ዘይኰነት ልክዕ ከምተን ኵለን ዘይመግስታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ኰይና እያ እትርከብ፡ ስለዚህ ማሕበረ-ሰብኣዊ መልእኽቲ ብስራተ ወንጌል ዘሳዀዔ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ሰብኣዊ ሕይወትን ክብሪ ሰብን ፍትሕን ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትናን ዝብል እዩ። ብስራተ ወንጌል፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕዝብታን ባህልታን ዘሎ ውህበትን ውበትን ንኽዕቀብ ዘተባብዕ እዩ፡ እዚ ቃል ወንጌል ብህልው ምግባር ማለት እዩ፡ ቃል ወንጌል ናይ ሕዝብታትን ባህልታን ኣስተንፍሶ ብምልኣት መልሲ እዩ።

መስዋዕተ ቅዳሴ ብሓፈሻኡ ቅዱሳት ምስጢራት ብመላእ ሕዝቢ ኣማዞን ተበጻሒ መታን ክኸውን፡ ነዚ ዝድግፍ መገድታት ምልልላይን ኣብዚ መዳይ እውን መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ብፍላይ ናይ ከባቢ ኣማዞን ብፁዓን ጳጳሳት ኣበርቲዖም ክዓዩን፡ ክህነታዊ ኣገልግሎት ብኣህዳዊ ዕብላለ ዝበሓት ተክለ ሰብነት ኣይኰነን፡ ይኹን ደኣ እምበር ቅዱሳት ምስጢራት ዝሰርዕ ካህን ጥራሕ እዩ፡ ስለዝዀነ ድማ ምእንቲ ጸዋዕታ ክጽለን ካብ ካልኦት ሰበኻታት ናብ ኣማዞን ዝለኣኹ ልኡካነ ወንጌል ምትብባዕን ምድጋፍን ምስቲ ናይቲ ክባቢ ባህሊ ናይ ምዝታይ ብቕዓት ዘለዎ መደብ ሕንጸት ንካህናት ምስንዳውን፡ ናይ ደናግልን ዓለማውያን ምእመናን ጸዋዕታ ቀወምቲ ዲያቆናትን ግደ ምትብባዕን ክብ ንምባል ክዕየ የተሓሳስቡ።

እቲ ቃለ ምዕዳን፡ ሰብ ሓዳር ንማዕርገ ክህነት ፍቑድ ዝብል መተሓሳሰቢ ድዩ ወይ ውሳኔ የብሉን፡ ኰይኑ ግና ብዛዕባ ሰብ ሓዳር ንማዕርገ ክህነት ዝብል ሓሳብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርርብ ክግበረሉ ክኡል ምዃኑ ኣየወግድን፡ ኣብ ምብራቓውን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ዅኔታ እዩ። ኣብ ኣማዞን ኣማዞናዊ ወጅሂ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ንምቛም ቅዱስነቶም ሓደስቲ ዓይነት ማሕበረሰብ ምንቕቓሕን ሕድሽ ወንጌላዊ ልኡክነትን ሓድሽ ዓይነት ኣገልግሎት ዓለማውያን ምእመናን ቅዋመን ቀጻሊ መደብ ሕንጸትን ክነቓቓሕ ይምዕዱ፡ እዚ ጸዋዕታ ክበራታዕ ዝድግፍ እውን እዩ።

ኣብቲ ዋሕዲ ካህናት ዝረኣየሉ ከባቢ እምነት ኣብ ምትሕልላፍ ድዩ ክሳብ ምስጢረ ጥምቀት ንምሃብ እውን ዝተግሃን ትምህርተ ክርስቶስ ዝህባን ጸሎት ዝምህራን ተባዓትን ለጋሳትን ደቀንስትዮ ከምዘለዋን ጠቒሶም፡ ስለዚህ ነቲ ጓለንስተይቲ እተህቦ ኣገልግሎት ዓቢይ ትርጉም ዝህልዎ ምስ ማዕርገ ክህነት ክተኣሳሰር እንከሎ እዩ ዝብል ጌጋ ኣመለኻኽታ ክህሉ ከምዘይግባእ የተሓሳስቡ።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም፡ እዚ ቃለ ምዕዳን እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ዘውጸኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዝትክእ ወይ ውን ናቱ ድግማ ከምዘይኰነ ኣዘኻኺሮም፡ ብወግዒ ብምቕራብ ክጽናዕን ተፈጻምነት እውን ክህልዎ የተሓሳስቡ፡ እቲ ዝተፈተኺ ኣምዞን ዘርእስቱ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ኣስተንፎ ንኣማዞንን ንካህናትን ንውፉያን ሕይወት ኣባላትን ንዓለማውያን ምእመናንን ጳጳሳትን እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ችዘርንይ፥ ፍጥረት ንምድሓን ኣማዞንን ሕዝቢ ኣማዞንን ምፍቃር
13 February 2020, 17:51