ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ሓድሽ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ሓድሽ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ  

ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ሓድሽ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ

ናይ ብፁዓን ካዲናላት ጉባኤ፡ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ኣፈ ጉባኤ እንክብል ከምኡ ውን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ምኽትል ኣፈ ጉባኤ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ነበር ዋና ጸሓፍን ካብ 2005 ዓ.ም. ኣትሒዞም ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ኰይኖም ዘገልገሉ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ሶዳኖ ናብ ልሂቕነት ንኽሰጋገሩ ዘቕረብዎ ሕቶ ተቐቢሎም ዕለት 22 ታህሳስ 2019 ዓ.ም. እወንታዊ መልሲ ከምዝሃቡሉ ክዝከር እንከሎ፡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን እቲ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ዝብል ሓዋርያዊ ሓላፍነት ናይ ሓሙሽተ ዓመት ገደብ ዘለዎ ኣገልግሎት ክኸውን ዝእዝዝ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ሓድሽ ሕጊ ከምዘጽደቑን ዝዝከር ኰይኑ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዝደንገግዎ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሕጊ ዕለት 21 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ናይ ቅዱስ በዓለ ልደት ሰናይ ምንዮት ንምልውዋጥ ናይቲ ብኩሪያ ሮማና ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ምሕደራ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ካልኦት ላዕለዎት ኣካላት ቅድስቲ መንበርን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ወግዓዊ ከምዝገበርዎን፡ በቲ ዝደንገግዎ ሓድሽ ሕጊ መሰረት ናይ ብፁዓን ካዲናላት ጉባኤ፡ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ኣፈ ጉባኤ እንክብል ከምኡ ውን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ምኽትል ኣፈ ጉባኤ እንክብል ከምዝሓረየን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ነቲ ዝተኻየደ ምርጫ ከምዘጽደቕዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ሓድሽ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ
27 January 2020, 17:23