ሲኖዶስ፥ ዳግማይ ውልደት ኣማዞን ክብሩ ካብ ምኽባር እዩ

እቲ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን ወከልቲ ደቀባትን ዝተኻየደ ርክብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ደቀባት ተወለድቲ ኣማዞን ዘለዋ ቃል ኪዳን ዝምስክር ኰይኑ

እቲ ብቕዱስ ኣቦና ዝተጸዊዑ ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል ብዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ሲኖዶስ፡ ካብቲ ናይ ካልኣይ ሰሙን ፍጻሜታቱ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ተባሂሉ ዝንገረሉ ነቶም ኣብ ኣማዞን ዝርከቡ 390 ዓሌታት ደቀባት ወኪሎም ኣብቲ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለዎ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ርክብ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ርክብ’ዚ ቃል ኪዳን ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣማዞን መግለጺ ኰይኑ፡ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ኣማዞን ኣብ እተካይዶ ምይይጥ ብህልትውና ተመላኽት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ወከልቲ ደቀባት ኣማዞን ዘካየድዎ ርክብ፡ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዙርያ ቅዱስነቶም ተረኺቦም፡ ከምእተመያየጡን፡ ደቀባት ኣማዞን ቤተ ክርስቲያን ቀረባኦም ክትከውንን ወንጌል ኣብቲ ከባቢ ብህልው ክኸውንን ቃል ብስራት ወንጌል ኣብ ናይ ኣማዞን ባህሊ ስግው ክኸውን እቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ዝሃቦ ጥልቂ መተሓሳሰቢ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእሉ ኣገባባት እውን ዘመላኽት ከምዝኸነ ነቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ናይ ደቀባት ተስፋ

እቲ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን ወከልቲ ደቀባትን ዝተኻየደ ርክብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ደቀባት ተወለድቲ ኣማዞን ዘለዋ ቃል ኪዳን ዝምስክር ኰይኑ፡ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይ ዓለም ሳምቡእ ቢላ እትጽውዖ ከባቢ ቀረባ ምዃናን ቀረባ ካብ ምዃን ሓሊፋ ኣካሉ እውን ከምዝዀነት ዘረጋግጽ ርክብ ዝብል ጭቡጥ ትርጉም ዝተወሃቦ ምንባር ዝሓበራ ካምፓኒለ ኣስዒበን፡

ብህልትውና

ቤተ ክርስቲያን ቃል ነበረ ስጋ ኰነ ኣብ ዝብል ትስብእቲ ዝጸንዔ ብህልትውና ብምንባር ምስ ኵሉ ሕብረተሰብ ትራኸብ፡ እዚ ምርኻብ እዚ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘመላኽቶ፡ ናይ ሕዝብታት ራእይን ትጽቢታትን ዕለታዊ መነባብሮን ናታ ገይራ እትነብርን ንህዝብታት ውሳኔ እትህብ ዘይኰነስ ምስ ህዝብታት ሓቢራ እትጓዓዝን ጽን እትብልን እትዝትይን እያ፡ ጸቕጢ ዘይከነስ ሱታፌን ፍትሕን ናጽነትን እያ፡ እዚ እቲ ሓደ ኣብቲ ርክብ ዝተነብረ ሓቂ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ባህላዊ ሕንጸት ዘለዎ ኣገዳስነት ዝብል ምዃኑ ገሊጸን፡ ኤክኖሚያውን ሕንጸታውን ድጋፍ ብምቕራብ ሕዝብታት ናብ ርእሰ ብቕዓት እተሰንይ ምዃና ዘመላኸተ ርክብ እውን ምንባሩ ኣፍሊጠን።

ግደ ደቀንስትዮ፡ ምህዳርን ባህላዊ ሕንጸትን

ንህዝቢ ኣማዞን ዘየርብሕ ብዝገደደ እውን ዘገልውትን መሬቱን ናይ ተፈጥሮ ጸጋታቱን ዝምዝምንን ዝምንዝዕን ዓይነት ከይዲ ኤኮኖሚ ብምቅዋም፡ ናይቲ ህዝቢ ዕለታዊ መነባብሮ ከመሓየሽን ተስፋታቱ ከየምክን ቤተ ክርስቲያን ሓቢራ ምስኡ እትጓዓዝ ጥራሕ ዘይኰነ ስሌኡ ጠበቓ ብምዃን ሓቢራ ትጓዓዝ እያ። ኣብቲ ከባቢ ንዝረአይ ዋሕዲ ኣገልገልትን ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን መልሲ ክረክብ፡ ንናይ ዓለማውያን ምእመናን ኣገልግሎት ወግዓዊ ናይ ተልእዀ ኣፍልጦ ምሃብን እብዚ መዳይ እውን ደቀንስትዮ ዘለወን ግደ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ናይ ሕያዋይ ጓሳ መንፈሳነት፡ ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝብን ምህዳርን ዝሓልይ ጉስነት ምንቕቓሕን ናይ ህዝቢ ኣማዞን ባህላዊ ዕሴታትን መለለይኡን ብምኽባር፡ ኣማዞን ዘለዎ ክብሪ ምኽባር ዝብል ርክብ ከምዝነበረ ካምፓኒለ ገሊጸን።

ሲኖዶስ፥ ዳግማይ ውልደት ኣማዞን ክብሩ ካብ ምኽባር እዩ
21 October 2019, 17:06