ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፡ ጸጋ እግዚኣብሔር ኣብ ማእከል

እዚ ሲኖዶስ’ዚ ምስ ኣማዞን ምርኻብን ምዝታይን ዝብልን ንኣማዞን ጥራሕ ዘይኰነ ንመላእ ዓለም ዓቢይ ቦታ ዝሃበ እዩ

ኣማዞን ንምድሓን ብኹሉ ጽፍሕታት ናይ ኵሉ ምልዋጥ ይሓትት፡ መሬት ዝድሕን ኣማዞን ምስ ዝድሕን እዩ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዘቃልሖ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ኵሉ ግደ ዝሓትት ኪደት እዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተልእዀ ሓዊ ከይጠፍእ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞን ክሕደስ መታን ጐይታ ነቲ ሲኖዶስ ኣስተንፍሶ ይኹኖ እንክብሉ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ንሲኖዶስ ኣበው ናይቲ ናይ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ቀሪቡ ኣብ ዝተነበሉ መበል 14 ኣኼባ ከምዝበለዎ እዩ፡ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ኣበው ሲኖዶስ ድምጺ ከምዝሃብሉ ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

26 October 2019, 15:09