ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቃልሲ ጸረ ግህሰት ናይ ኣህዛብ መሰልን ክብርን ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቃልሲ ጸረ ግህሰት ናይ ኣህዛብ መሰልን ክብርን  

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቃልሲ ጸረ ግህሰት ናይ ኣህዛብ መሰልን ክብርን

ናብቲ ውዕዉዕ ቀንዲ ናይ መንፈስ ወንጌላዊ ተልእኾ ተመሊሶም ካብ በጻሕነት ኣብ ህልውነት ሓዋርያዊ ግብረ ተልእዀ ዝርከቡ

ዕለት 14 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ 179 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣሳቲፉ ታሽዓይ ኣኼባ ብምክያድ ናይቲ ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይ ሲኖዶስ ናይ ካልኣይ ሰሙን መርሓ ግብሪ ከምዘበገሰን ብምኽንያት እቲ ኣብ ኤኳዶር ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራዊ ውጥረት ኣብቲ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለዉ ኤኳዶራውያን ጳጳሳት ምእንቲ ማሕበራዊ ሰላም ኣብ ሃገሮም ምስ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ዘቕረቡሉ ኣኼባ ምንባሩ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ሓቢሩ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ዛዕባ ኣማዞም ዝመክር ዘሎ ሲኖዶስ Kairos-ዕድልን ቅኑዕን (ትኽክለይና) ግዜ እዩ፡ ናይ ምስግና ግዜ፡ ቤተ ክርስቲያን ጽን እትብለሉን፡ ኣገባብ ትውሳኤ እተነብረሉን ምስቲ ብመልክዓ ምድሪን ብህልውናን ኣብ ወሰናስን ምስ ዝርከብ በታ ናይ እግዚኣብሔር ይዅን ከኣ በለ ብእትብል ፈላሚት ቃል ተመሪሑ ዕለታዊ ሕይወቱ ናይ ምንባር ጸጋ ምስ ዝተዓደሎ ኣብ ዱርን ጫካን ዝነብር ሕዝቢ ጐድኒ ኰይና እትጓዓዘሉ እዋን እዩ፡ ዘፍጥረ ንእግዚኣብሔር ዘተርእይን ናይ ምህዳራዊ ህርኩት ጻዕሪ ጥልቂ መሰረት ዝረኽበሉ ናይ ሓምላይ ቅዱስ መጽሓፍ እዩ።

ንእትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ቀዋዋምን ኣብ ከይዲ ኣምነት ሕንጸትን

ኣብ ቅድሚ እቲ ዝረአይ ዘሎ ዋሕዲ ማሕበረሰብ ገዳማውያንን ኣባላት ውፉያን ሕይወትን ካህናትን ኣብ ከባቢ ኣማዞን፡ ከምቲ ኣብ ናይ ብራዚል ቅዱስ ፓራ ከባቢ ኣማዞን ገዳማውያንን ማሕበራት ካህናትን ደናግልን ናብቲ ውዕዉዕ ቀንዲ ናይ መንፈስ ወንጌላዊ ተልእኾ ተመሊሶም ካብ በጻሕነት ኣብ ህልውነት ሓዋርያዊ ግብረ ተልእዀ ዝርከቡ ዘለዉ ልክዕ ከምኡ ዓይነት መንፈስ እብ መላእ ከባቢ ኣማዞን ምንቕቓሕ የድሊ። ምእንቲ’ዚ ናይ ቀለም ጥራሕ ዘይኰነ ካብ ተመክሮ ዝተበገሰ ኣብቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ዝፍጸመሉ ከባቢ ኣማዞን ቀጻልን ቀዋምን ናይ ንኡሳን ክርስቲያን (ሕንጸት ኣብ ከይዲ እምነት) ሕንጸት ወሳኒ እዩ። ምስቲ ናይቲ ከባቢ ባህልን ሕዝብን ካብ ምራኻብ ተመክሮ ዝነቐለ ሕንጸት። ዘተን ብህልውትናን ደቀባታዊ ቲዮሎጊያ ብንቕቓሕን፡ ብህልው ህላዌ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከባቢ ኣማዞን ምትብባዕ። ኣብ መጽዋቲ መርሓ ግብሪ ዘይቆመ ኣስፍሆተ ወንጌል ምቕራብን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝረአይ ብድሆ ምስፋሕ ሃራጥቃውያንን ነቲ ካብተን ብኢዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ኣብቲ ከባቢ ዝቐርብ ተዛማዲ ባህልን ንምግጣም እተጸውዔት ቤተ ክርስቲያን ምዃን ከምዘድሊ እቲ ታሽዓይ ኣኼባ የተሓሳስብ።

ኣስተዋጽኦ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ

ቤተ ክርስቲያን ድምጻ ንኸተሰምዕ ዝተጸውዐት እያ፡ ጳጳሳውያን ልኡካንን፥ መንግስታትን ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራትን ናይ ከባቢ ኣማዞን - ናይ ኣህዛብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን፡ መሰል መሬቶምን መሰል ምርካብ ጽሩይ ማይን መሰል ናይ ተፈጥሮ ሃብትታቱን ኣግራቡ ንኸኽብር የተነቕሑ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ ኵሉ ተዋሳኢ ክኸውን ናይቲ ከባቢ ድምጺ እያ፡ ናይ ከባቢ ኣማዞን ሕዝብታት ጥበብን ልምድታትን ዘኽብር ዓዋዲ ኤኮኖሚ መታን ክተባባዕ ቤተ ክርስቲያን ድምጻ ተስምዕ፡ ናይ ሕዝቢ ኣማዞን መሰልን ክብርን ከይገሃስን ምስ ዝገሃስ ኣቤት ዝብል ዓለም ሓቆፍ ቤተ ክርስቲያናዊ መክብብ ተዓዛቢ ኣካል ክቐውም ሓሳብ ከምዝቐረበን፡ ዝማዕበላ ሃገራት ነቲ ተኣፋፊ ኤኮኖሚ ዘለዎ ከባቢ ዓለም ዝተሓባበር ክኸውንን እዚ ምትሕብባር’ዚ ኣብ ምኽባር ባህልን ሕዝብታትን ዝቖመ ክኸውንን ብመንፈስ ኵላውነት ቤተ ክርስቲያን መላእ ዓለም ክፍሊ ኣማዞን ከይኑ ክስምዖ ምትብባዕ ዘለዎ ኣገዳስነት ተጋባእያን የተሓሳስቡ።

ሕድ ሕዳዊ ምትእስሳር ሓለፋ ዝብል ርክብ

ኣማዞን ህብረ ዓሌትን ህብረ ባህልን እዩ፡ ናይቲ ቃል ዘርኢ ዝተዘረኣሉን ፍሬ ዝህብን እዩ። ናይ መላእ ሰብኣዊ ሕድ ሕዳዊ ምትእስሳር ዘተባብዕ ኣብ ኣማዞን ናይ ቤተ ክርስቲያን መክበባዊ ናይ ምርኻብ ምህዳራዊ ስልቲ ምቛም፡ እዚ ምራኻብ እዚ መርበባዊ ጥራሕ ዘይኰነስ ጭቡጥ ሰብኣዊ ርክብ ክኸውን ኣለዎ፡ ዝንዛሕ ሓበሬታ መሚኻ ናይ ምርዳኡ ብቕዓት ክሰፍሕ ምግባር፡ ኣሕዝቢ ንምቁጽጻር ኣሚቱ ዝንዛሕ ሓበሬታ ምቅላዕን ሕዝቢ ዝጠቕሞን ዝረብሖን ሓበሬታ መሚዩ ንኸስተውዕል ክድገፍ ኣለዎ፡

ተልእኰታትን ልልያን

ካህናትን ጳጳሳትን ጥራሕ ዘይኰነ ተሓባበርቲ ዓለማውያን ምእመናን ኣብቲ ከባቢ ህልዋን ክዀኑ ኣገዳሲ እዩ፡ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ድዩ፡ ኣንባቢ ቃል ኣምላኽ፡ ድኻታትን ህሙማንን ዝኸናኸኑ ዲያቆናትን ቅዱስ ቁርባን ዝምልከት ፍልዩ ተልእዀን፡ ምስጢረ ጥምቀታዊ ክህነቱ ዝነበሮ ኣገልግሎት፡ ስለዚህ ኣብ ኣማዞን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ዝንበር ህብረ ተልእዀ ህልው ምግባር ተድሊ። ኣብዚ መዳይ ደቀንስትዮ፡ ሕያዋይ ሳምራዊ ኰይንካ ምርኻብን ከባቢ ምክንኻንን ኣብነት እያተን፡ ስለዚህ ኣብቲ ከባቢ ዝንበር ተልእዀ ደቀንትዮ ምንቕቓሕ፡ ናይ ከባቢ ኣማዞን መንእሰያት ታሪኽ መበቆሎም ክፈልጡ ምድጋፍ፡ ብሓልዮት መንፈስ ቅዱስን ምስ ጴጥሮስን ኣብ ትሕቲ ጴጥሮስን ቤተክርስቲያን ኣማዞናዊ መንጽር ዝገበረ ምልዋጥ ንኽትነብር ትጽዋዕ። ክህነታዊ ጸዋዕታ ኣብ ኣማዞን፡ ግትኣተ ሩካቤ ኣብ ክህነትን፡ ኣብቲ ከባቢ ብሰፊሕ ዝርአይ ዋሕዲ ካህናትን ገዳማውያንን ምስቲ ናይቲ ከባቢ ሕጽረት መስዋዕተ ቅዳሴ (ኣብ ዓመት ሓንሳብ እንተበዝሔ ክልተ ሳዕ ቅዱስ ቁርባን ዝበጽሖ ብምዃኑ) ግምት ዝህብ ሓድሽ ውሳኔ ምጽናዕን፡ ብፍላይ እታ Ministeria Quaedam-ብርኵት ተልእዀ ብዝብል ኣርእስቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝደርስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ብዕምቆት ምስቲ እዋናዊ ኩነት ከባቢ ኣማዞን ብምትሕሓዝ ክስትንተን ከምዘለዎ እቲ ታሽዓይ ኣኼባ ይላበው።

ክንክን ናይ ሓባር ቤትን ሓላፍነት ኣልቦ ግብረ ምዝመዛን

ምስ ዝተፈላለያ ተቕዋማትን (በርገስውያንን መንግስታውያንን) ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበረ ክርስቲያን ዛዕባ ምህዳር ዝግደስ ዝተፈላለያ ሃማኖታት ዝሓቁፍ ማሕበረሰብ ምቛም፡ ናይ ነዳድን ናይ ዕንጸይቲ ሃብትን ኣቕረብቲ ኵባንያታት ኣብ ከባቢ ኣማዞን ኣብ ልዕሊ ሰብን ተፈጥሮን ዘውርድኦ ማህሰይትን እዘን ኵባንያታት ኣብ ከባቢ ኣማዞን ድላየን ክፍጽማ መታን ዘስፍሐኦ ምብግረ ብልሽውናን እዚ ኵነት እዚ ኣብቲ ከባቢ ዘተኣታትዎ ዘሎ ኢፍትሓውነትን ዘይምዕሩይ መነባብሮን ንመጻኢ ትውልዲ ዘይግደስን ኰታ ኣብ ልዕሊ ኣማዞን ዝፍጸም ግብረ ምዝመዛ ኣብቲ ታሽዓይ ኣኼባ ብዝርዝር ከምዝቐረበ ዝሓበረ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣስዒቡ፥

መግቢ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ምኽባር ምህዳራዊ ስርዓትን

ህዝብታት ከም ባህሎምን ልምድታቶምን ንምግባውነት ዝጥቀምሉ ስልትን ዘምርትዎን ኣገባብ ሕርሻታቶምን ኩሉ ክኽበርን፡ ምህዳራዊ ስርዓት ዘኽብር ናይ ሕርሻ ሜላ ምስፋሕን ናይ ህዝብታት መግቢ ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብማንም ብስም ዝዀነ ይኹን ዓይነት ስም ስልጣነ ከይገሃስ እቲ ታሽዓይ ኣኼባ ኣተሓሳሲቡ፡ ኣማዞን ብውሑዳት ዝምዝመዝ፡ ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ኵነት ነቲ ናይቲ ከባቢ ህብረ ሕይወታውያን ዘየኽብር ዓይነት ኤኮኖሚ ክውገድን ናይቲ ከባቢ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ብምጥቓም ናይ ኣፋውስ ህብረ ኢንዳስትሪታት ንመኽሰብ ጥራሕ ዝኣመተ ዝፍጽምኦ ምዝመዛ ጸጋታት ኣማዞን ከብቅዕን ግቡእ ኣጠቓቕማ ኣማዞን ክነቓቓሕ ጻውዒት ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ።

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቃልሲ ጸረ ግህሰት ናይ ኣህዛብ መሰልን ክብርን
15 October 2019, 17:07