2019.08.09 ሙራ ዚበሃል ዓዲ ኣብ ኣማዞንያ 2019.08.09 ሙራ ዚበሃል ዓዲ ኣብ ኣማዞንያ 

ኩልና ሓለውቲ ተፈጥሮ ኢና! ጻውዒት ሲኖዶስ

ኣበው ቅዱስ ሲኖዶስ ዞባ ኣማዞንያ ኣብ ሎሚ ውዕሎኦም ኣብ ናኣሽቱ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም ፍታሕ ይኸውን እዩ ንዝበልዎ ነገራት ኣብ ዝዘተየሉ ብቀዳምነት ነፍሲወከፍና ነዛ ሓባራዊት ገዛና ዝኾነት ተፈጥሮ ክንከናኸውን ዝተጸዋዕና ምዃና ብምዝኽኻር ጽዑቅ መርመራ ሕልና ብምክያድ እቶም ንኣማዞን ዘዕንው ዘለው ነቲ ከባቢ ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ዓለም ከምዘዕንው ክግንዘቡ ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ፍጻሜ ናይ ሎሚ ንግሆ ዘተ ናኣሽቱ ጒጅለታት ንጋዜጠኛታት መብርሂ ዝሃቡ ናይ ፓልማሽ ሃገረ ብራዚል ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፐድሮ ብሪቶ ጒማረሽ ኮይኖም ካብ ጋዜጠኛታት ንዘቀረበሎም ሕቶታት እንክምልሱ ናብቲ መሠረት እምነትና ዝኾነ ጸሎተ ሃይማኖት ምልስ ኢሎም ኩልና ክርስትያን ‘ኩሉ ብዝኽእል ሰማይን ምድርን ንኩሉ ነገራት ዝርኤን ዘይረኤን ብዝፈጠረ ብሓደ እግዚአብሔር ኣቦ ንኣምን።’ ንዝብል ክፍሊ ብምጥቃስ ‘ኩልና ተጻይ እዚ እንገልጾ እምነት ተጻይ ፈጣርን ፍጥረትን ንእብስ ኣሎና ናይ ሕልና መርመራ ከኣ ፈጺምና ኣይንገብርን። ተጻይ ተፈጥሮ ዝግበር ሓጢኣት ንገለና ሓዲስ ነገር ክመስል ይኽእል ዋላ ንቤተክርስትያን ኰይኑ ግን ክንናዘዞ ዘሎና ሓጢኣት እዩ። ነዚ ሓጢኣት እዚ ተገንዚብና ሕይወትና እንተለዊጥና ቅልል ብዝበለን መሠረታዊ ብዝኾነን ናብራ ክነብር እንተጀሚርና ንኩነታት ዓለምና ክንልውጦ ንኽእል ኢና። በዚኸስ ሕቶ ከባብን ተፈጥሮን ነቶም ተጣበቅቲ ተፈጥሮ ወይውን ዘይመንግስታውያን ድርጅታት ንበይኑ ዝምልከት ዘይኮነስ ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ። በዚ ከኣ ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ መጻኢ እዛ እንነብረላ ዓለም ተሓተቲ ምዃና ክንግንዘብ የድሊ። ደቂ ሰባት ዋናታት ተፈጥሮ ኣይኮናን። ተፈጥሮሲ ክንሕልዎ ክንከናኸኖ ብእግዚኣአብሔር ዝተዋህበና ጸጋ እዩ። ስለዚ ንከባቢና ብዝምልከት ሓላፍነታዊ ኲስኰሳ የድልየና። ነዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ዓለም ክንሕልዋን ክነኽብራን የድሊ ኢሎም።

መሬት ሰማዕታትን ባሮትን

ብፁዕነቶም ብዛዕባ ተፈጥሮን ከባብን ብሓፈሻ ምስ ገለጹ ናብ ኣማዞን ምልስ ይብሉ እሞ እዚ ከባቢ እዚ ብብዙሕ ቊስልታት ዝሳቀ ዝቀደሙ ሰማዕታትን ባሮትን ዘሕለፍዎ ስቃይ ከይኣክል ሎሚ ሎሚ ንንግዲ ዝኸውን ሶያ ዝበሃል ዘርኢ ብብዙሕ ንምፍራይ ክንደይ ዱርን ጣሻን ይዓኑ ከምዘሎ እዚ ከኣ ነታ ብኣግራብን ወሓይዝን ሃብታም ዝኾነት ሃገር ብፍግረ መሬት ኩሉ ሃብታ ተባሕቊቁ ከምዝኸይድን ነቲ ዝተረፈ ከኣ ተመስገን ዘይፈልጡ ንክህብትሙ ሃንፍነፍ ዝብሉ ውሑዳት ሃብታማት ይብሕቑቑዎ ኣለዎ እዚ ከኣ ኣብ ኣማዞንያ ዘይሓዊ በሰላ ይገድፍ ኣሎ ኢሎም።

ንብፁዕነቶም ስዒቦም መግለጺ ዝሃቡ ናይ ርዮ ብያንኮ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆዋኪን ፐርቲነስ ፈርናንደስ ኮይኖም ነቲ ዘሕዝን ታሪኽ ዞባ ኣማዞን ዘክሮም። ኣብዚ ቦታዚ ይብሉ ብፁዕነቶ፡ ኣብዚ ቦታ’ዚ ብዙሕ ደም እዩ ፈሲሱ። መሬት ሰማዕታት ሰበኽቲ ወንጌል እያ ኰይኑ ግን ናይ ብዙሓት ብባርነት ክሰርሑ ዝተገደዱ እሞ ኣብኡ ዝሞቱ መሬት እውን እያ። ስለዚ ከኣ ብኣባሃህላ ናይቲ ዓዲ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ገረብ ኮቺዩ ሓደ ምውት ኣሎ ይበሃል። እዚ ኮቺዩ ዝበሃል ገረብ ባህርያዊ ብዕሪር ዝወጾ ኰይኑ ነዚ ንምርካብ ነቲ ገረብ ምጭዳዱ የድሊ እቲ ብዕሪር ከኣ ከም መሪር ንብዓት ጸረር ይብል ነዚ ቊስሊ እዚ ኢና ክንፍውስ ንጽዕር ዘሎና።

ክልተ ገጽታ ሲኖዶስ ኣማዞን

ንጋዜጠኛታት ብዛዕባ ውዕሎ ሲኖዶስ መብርሂ ዝሃቡ ናይ ከተማ መክሲኮ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣጉያር ረተስ ኰይኖም ክልተ ገጽታ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም። እቲ ቀድማይ ንዞባ ኣማዞንን ዘለዎ ሰፊሕ ባህርያውን ባህላውን ውርሻ ዝምልከት እንክኸውን እታ ካልአይቲ ከኣ ሓፈሻዊት ኰይና ንመላእ ዓለምና ይምልከት። እዘን ክልተ ኣመለኻኽታ እዚአን ኣብ ነንሕድሕደን ዝወሳሰባ ኰይነን ዘይፈላለያ እየን። ብዛዕባ ኣማዞን እንክንዛረብ እዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ዓለምና ሚዛና ክትሕሉ ኢና ንጽዕር ዘሎና። ስለዚ ገለ ለውጢ ክመጽእ እንተዀይኑ ኣነባብራና ክንቅይር ክንግደድ ኢና። ብሕልፊ ነቲ ናይ ምጉሓፍ ባህልና ወጊድ ክንብሎ ኣሎና።

ኣማዞንን እምነታዊ ጠመተን!

ጳጳስ ርዮ ብራንኮ ብፁዕ ኣቡነ ጆዋኪን ፐርቲነዝ ፈርናንደዝ እንደግና ነቶም ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኩነታት እምነት ብምዝምልከት ኰይኑ ብዙሓት ምእመናን ካብ ሓደ ቤተክርስትያን ናብ ካልእ ቤተክርስትያን ክሰጋገሩ ዝረኣየሉ ቀንዲ ምኽንያት ስእነት ካህናት ኰይኑ ከም ካቶሊካውያን ከኣ ንመላእ ዞባ ኣማዞን ገና ክንሽፍኖ ኣይከኣልናን። እቲ ንሕና ካቶሊካውያን ክንበጽሖ ዘይንኽእል ባዶ ይተርፍ ኣብዚ ከኣ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያን መጺአን ይሕዛኦም፣ ኣብ ርእሲኡ እኹል ብስለት ስለዘየሎ ብቀሊል ነገራት ከም በዓል ሕክምናን ካልእ ነገራትን የስድዖም ደሓር ክምለሱ የጸግሞም።

ኣብ ርእሲ እዚ ብዙሓት ደቂ ኣባት ክንጸሉን ነቲ ዝነበርዎ ቦታ ንካልኦት ገዲፎም ናብቲ ዱር ገጾም ክጐዓዙን ይረኤ እዚ ከኣ ካብ ንመሬቶም ክሕዝ ዝመጽእ ዝገብርዎ ህድማ ኣዩ። ካልእ መከላኸሊ ስለዘየሎ ገዛእ ርእሶም ንክከላኸሉ ይሃድሙ ይንጸሉ። ሓንሳእ ሓንሳእ ነዞም ሰባት እዚኦም ክትበጽሖም ክትረኽቦም ኣሸጋሪ እዩ።

ኣብ መጨረሻ ዝቀረበት ሕቶ ኣበርክቶ ደቂ ኣንስትዮ ትምልከት ኰይና ካብ ደናግል ልኡካን ሕክምና እናቴ ብሪጂት ቫይለር ኣብቲ ንሰን ዝተሳተፋኦ ንእሽቶ ጉጅለ ዘተ ሲኖዶስ ንደቂ ኣንስትዮ ብክፉት ልቢ ዝቅበል ሃውሁ ከምዝተዓዘባን ብዙሓት ጳጳሳት ኣብ ቦታ መሪሕነት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ክ ዋሳኣ ከምዝግባእ ኣብ ርእሲኡ ከኣ ውሳኔታት እንክግበር ደቂ ኣንስትዮ እጃመን ከበርክታ ኣለወን ኢለን። ኣብዚ ሲኖዶስ 35 ደቂ ኣንስትዮ ይሳተፋ ከምዘለዋ እውን ኣመልኪተን። 

ብድምጺ ንምክትታል!
11 October 2019, 19:06