ስሜት ሓድሽ ኣማኻሪ ንናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ስሜት ሓድሽ ኣማኻሪ ንናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት 

ስሜት ሓድሽ ኣማኻሪ ንናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት

ከም ናይ ፈረንሳ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ፈደራላዊ ማሕበር ኣቦ መንበር ኣብ 2018 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር

ናይ ባያርድ ጉጅለ ዋና መራኸቢ ብዙሓን ኣሰናዳእቲ ተወሳኺ ኣባልን ኣብ ፈረንሳ ናይ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ፈደራላዊ ማሕበር ኣቦ መንበር ዣን ማሪ ሞንተል  ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣማኻርን ንኽዀኑ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሰምዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዣን ማሪ ሞንተል ኣብ ፈረንሳ ናይ ስነ ጋዜጠይናነት ተቕዋም ብስነ ፖለቲካ ዝተመረቑን ኣብ ፈረንሳ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነት ዘገልገሉን ካብ 1995 ክሳብ 2001 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ናይ ስካውት ወይ ዳህሳስያን ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ፍልዩ ወኪልን ካብ 2001 ክሳብ 2005 ዓ.ም. ናይ ዜጋውነትን ደሞክራስን ማሕበር ፍሉይ ጠቕላሊ ወኪልን ካብ 2006 ክሳብ 2012 ዓ.ም. ናይ ክፍሊ ሕትመት ሚላን ጠቕላሊ ኣመሓዳርን ናይ ቤት ማሕተም ማለሸርበስ ኣቦ መንበርን፡ ኣብቲ ኣብ ፈረንሳ ዝሕተም ላ ክሩዋ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ናይ ትንታነ ጽሑፍ ዘቕርቡ ምዃኖም ይፍለጥ።

ከም ናይ ፈረንሳ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ፈደራላዊ ማሕበር ኣቦ መንበር ኣብ 2018 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ናይ ጋዜጠይናታት ሓላዊ ቅዱስ፡ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘሳለስ ኣብ ፈረንሳ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ከምዘሰናደዉ ክዝከር እንከሎ እቲ ናይ ዝመጽእ ዘሎ 2020 ዓ.ም. ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 24 ጥሪ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ቅዱስ ሓላዊ ጋዜጠይናታት ቅዱስ ፍራንቸሰኮ ዘሳለስ ኣብ ሉርድስ ንክኻየድ እውን እቲ ናይ ፈረንሳ ዓውደ ጉባኤ ከምዝወሰነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ስሜት ሓድሽ ኣማኻሪ ንናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት
31 October 2019, 18:06