2019.08.29 Intervista Parolin viaggio Mozambico 2019.08.29 Intervista Parolin viaggio Mozambico 

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራቸስኮስ ኣብ ኣፍሪቃ ተስፋ ይምስክሩ! ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ማውሪታንያን ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፡ ብዝዕባ ሰላምን፡ ምዕቃብ ተፈጥሮን፡ ናይ ምርኻብ ባህልን ዝሕመረቱ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ሒዞም ክኸዱ ከምዝኾኑ ተገሊጹ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዝመጽእ ረቡዕ ናይ ዝቕጽል ሰሙኑ፡ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፈራንቸስኮስ ንመበል 31 ግዜ ካብ ኢጣልያ ወጻኢ፡ ናይ ሓዋርያዊ ምብጽሖም ኣብ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ዓለም ሓቘፍ ጉዕዞ፡ ናብ ሃገረ ሞዛምቢክን፡ ማዳግስካርን፡ ማውሪታንያን ኮይኑ፡ ካብ ዕለት 4-10 መስከረም ዝጸንሕ ምብጻሕን ምዃኑ እንክፍለጥ፡ ገለ ሰባት ንጉዕዞኦም ኣመልኪቶም፡ ‘ናብታ ብቐጻሊ እትቈስል ዘላ ኣህጉር፡ ግን ከኣ ንህሉው ኩነታታ ኮነ መጻኢኣ ክትልውጥ እትኽእል ተስፋ ዘለዋ ኣህጉር እያ’ ከብሉ ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።

ምብጻሕ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናብዘን ሃገራት፡ ሓያል ናይ ሰላምን ዝርርብን መልእኽቲ ከምዘለዎ፡ ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ፖሮሊን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለምልልስ ኣፍሊጦም።

ሽሕ’ኳ ብዙሓት ንክፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ ምስ ሽግርን ግጭትን ሕማምን እንተኣታሳሰርዋ፡ ኮይኑ ግን ይብሉ ካርዲናል ፓሮሊን ‘ኣፍሪቃ ብሰብኣውነትን መሬትን ኮነ፡ ብእምነትን ክብርታትን ሃብታም እያ፡ ቅድስነቶም’ውን ነዚ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኦም ሒዞም’ዮም ነቲ ምብጻሕ ዝሰናደዉ ዘለዉ’ ኢሎም።

ደፋእቲ ምልክታት ተስፋ

ብፁዕነቶም ቅዱስ ኣቦና ይብሉ፡ ‘ቅዱስ ኣቦና ሰለስተ ናይ ተስፋ ምልክታት ሒዞም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክገብሩ እንክሰናደዉ ‘እቲ ናይ መጀመርያ ንኣገዳስነት ሰላም ብዕምቆት ዝድህስስ፡ እቲ ካልኣይ፡ ኣካል ናይ ላውዳቶሲ ዝብል ዓዋዲ መልእኽቶም ኮይኑ ብዛዕባ ምዕቃብ ተፈጥሮ ዝድህስስ እዩ፡ እቲ ሳልሳይ ከኣ ኣገዳስነት ናይ ምርኽኻብ ባህሊ ምምዕባል ኮይኖም፡ ተስፋ ወድሰብ ኣብ ምዕባይ’ ዘለዎም ኣስተዋጽኦ ኣዝዩ ዓቢ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ኣስዒቦም ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ‘ቅድስነቶም ኣብ’ዞም ዝተጥቕሱ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካልኦት ኣብ’ቶም ከባቢታት ልሙዳትን ዝውቱራትን ዝኾኑን ተስፋ ዘስንቑን ንጥፈታት ብምትብባዕ፡ ነቲ ዝርአ ግጭታት መፍትሒ ንምርካብ፡ ብምክብባርን ተፈጥሮ ብምዕቃብን፡ ዘላቒ ዝኾነ ምዕባለን ብልጽግናን ከመዝግቡ ከምዝከኣል ከተባብዕዎም’ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ንሶም ናይ ር.ሊ.ጳ.ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ሓሳብ ዘኪሮም ‘ኣፍርቃ ላቦራቶሪ ናይ ውሁድ ምዕብለ እያ’ ብምባል ‘ብፍላይ ንተስፋ ኣመልኪቶም፡ በቶም ኣብ ክፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ ዝርከቡ ንመጻኢ ተስፋ ዝህቡ ምልክታት ብምብጋስ፡ ውጥን መጻኢኹም ምስኣል የድሊ’ ኢሎም።

ናይ ሞዛምቢክ ሓድሽ ምዕራፍ

ሓደ ካብ’ቲ ምልክታት ተስፋ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2019ዓምፈ፡ መንግስቲ ሞዛምቢክ ምስ ረናሞ ኣቐዲሞም ተቓወምቲ ጉጅለ ዝነበሩ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝኾኑ ዝገበርዎ ናይ ሰላም ስምምዕ ኢዩ።

ኣብ’ዚ ዝተበጽሐ ይብሉ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ቫቲካን ‘ኣብ`ዚ ሓድሽ ታሪኻዊ መድረኽ ዝተበጽሐ’ምበኣር፡ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ከቢድን ዝተሓላለኸን ሽግራት ናይ ቃልሲ ንናጽነት፡ ኣንጻር ገዛእቲ ፖርቱጋልውያንን፡ ብድሕሪኡ ኣብ መንጎ ሕዝቢ ፍረሊሞን ረናሞን ዝተኸስተን፡ ክሳብ ዓመተ 1992 ኣብ ሮማ ዝተገብረ ስምምዕ ዝቐጸለ ኲናት ሕድሕድን’ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

ስዒቦም’ውን ገለ ግጭታትን ዘይምርግጋእን’ኳ እንተቐጸሉ፡ ሓድሽ መድረኽ ዝኸፍተ ስምምዕ ከምዝተገብረ ግን ክንዝንግዖ ኣይግባእን ድሕሪ’ሎም፡ ቤተክርስትያን ዝነበራ ተራ ኣመልኪቶም’ውን፡ ‘ቤተክርስትያን በቲ ኩነታት ብዙሕ ከምዝተሳቐየትን፡ ኣብ መጨረሽትኡ`ግን ስርሓ ኣፍልጦ ብምርካብ፡ በቲ ክቱር ናይ ሰላም ድልየታ፡ ብዙሕ ከም ነጻነት ሃይማኖታት ዝኣመሰለ ናይ ምዕባለ ምልክታት ከምዝተራእየ’ ኣፍሊጦም።

ዝርርብ

ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ንምብጻሕ ናይ ቅድስነቶም ንሞዛምቢክ ኣመልኪቶም ‘ቅድስነቶም ምስ’ቲ ኣብ’ቲ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ቀንዲ መፍትሒ ይኸውን’ዩ ዝበልዎ፡ ንዝርርብ ድልዋትን ስንድዋትን ክኾኑ ዝብሉ`ዩ’። ንዝርርብ ስንድው ምዃን ማለት፡ ፍታሕ ካብ ንኲናትን ግጭትን ምፍልላይን ክመጽእ ከምዘይክእል ብምእማን፡ ብሕድሕዳዊ ምድምማጽን ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ንውሁድ ዝኾነ ምዕባለን ብልጽግናን ምዕያይ ከምዘስምዕ ኣገንዚቦም።

እዚ ዝርርብ’ዚ ንሞዛምቢክ ጥራ|ሕ ዘይኮነ፡ ንኹለን ኣብ ኲናትን ግጭትን ዝርከባ ሃገራት ዝምልከት ኮይኑ፡ ቅድስነቶም ከም ‘ናይ ግዜና ሓድሽ ኣተሓሳስባን ኣፈታትሓ ሽግርን’ ጌሮም ከምዝገልጽዎ ኣገንዚቦም።

ቅድስነቶም ኣብ ዝመጽእ ረቡዕ ምሽት፡ ኣብ ሞፑቱ ርእሰ ከተማ ሞዛምቢክ ክበጽሑን፡ ንጽባሒቱ ዓርቢ ከኣ ናብ ኣንታናናሪቮ ርእሰ ከተማ ማዳጋስካር ክቅጽሉ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ተስፋ ንመንእሰያት ማዳጋስካር

ኣብ ሃገረ ማዳጋስካር ዝርከቡ ካቶሊካውያን ሓደ ሲሶ ናይ መላእ ብዝሒ ሕዝቢ`ታ ሃገር ኮይኖም፡ እታ ኣብኡ ዘላ ቤተክርስትያን ድኻን ኣገልጋሊት ድኻታትን ከምዝኾነት ሓቢሮም።

እታ ሃገር ብፋውናን ፍሎራን ዝተባህላ ደሴታት ዝቖመት፡ ብምብራስ ኣግራብን ድርቅን እትልለን፡ ብዙሕ ፖሎቲካዊ ሽግራት’ውን ዘለዋን እያ።

ብፁዕነቶም ንቅድሚ ገለ ዓመታት ናብ’ታ ሃገር ምብጽሖም ዘኪሮም፡ ‘እታ ሓያልን ሓዳስን ሃገር ብብዙሕ ሽግራት ብድሆታትን ትሓልፍ ኣላ’፡ እቲ ቀዳማይ ብድሆኣ ከኣ፡ ንመንእሰያታ ዕድላት ብምኽፋት ብሩህ መጻኢ ክህልዎም ከኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ብድሆ ከኣ ኣብ መንጎ ውሑዳት ሃብታማትን፡ ብዙሓት ድኻታትን ዘሎ ጋግ ኣብ ምጽባብ እዩ፡ ኢሎም።

ምብጻሕ ናይ ቅድስነቶም ናብ`ቲ ሃገር እምበኣር፡ ነዞም ብድሆታት እዚኦም መፍትሒ ክኾኑዎም ይኽእሉ ኢዮም ዝበለዎም፡ ብጻዕሪ ናቶም ክረጋገጹ ዝኽእሉ ተኽእሎታት፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ዘተኮረን፡ ብሩህ መጻኢ ዕድላቶም ንምኽፋት ዝሕግዙ ሓሳባትን ተግባራውያን ውጥናትን ከምዝኾኑ ገሊጾም።  

ነዚ ክዉን ንምግባር፡ ከም ወትሩ እታ ድኻ ቤትክርስትያን፡ ነቲ ሕዝቢ ምልክት ተስፋ ንምዃን፡ ኣብ ናይ ትምህርቲ ተቊዋማትን ናይ ፍቕሪ ስርሓትን ኣበርቲዓም ክዓዩ ከምዝሓበሩን፡ ቅድስነቶም’ውን ነቲ ብወገን ቤተክርስትያን ክዕየ ተወጢኑ ዘሎ፡ ክድግፉን ከተባብዑን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ምትሕግጋዝን ናይ ምርኻብ ባህልን ኣብ ማውሪታንያ

ኣብ ዕለት 9 መስከረም 2019ዓምፈ፡ ቅዱስ ኣቦና ካብ ማዳጋስካር፡ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ናብ እትርከብ ደሴት ሃገር ማውሪታንያ ክቕጽሉ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ንጉዕዞ ቅድስነቶም ናብ ማውሪታንያ ኣመልኪቶም፡ እታ ሃገር ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ባህልን ሕብረተሰብን ዝቖመት ከምዝኾነት ድሕሪ ገሊጾም፡ ገለ ካብ`ቶም ኣብኡ ዝርከቡ ኣመንቲ ከኣ፡ ዝበዝሑ ሂንዱን ካቶሊክን ኢስላምን ከምዝኾኑ ብምሕባር፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ብዙሕነት ዘለዎም ሕዝብታት ከኣ ‘ናይ ምርኽኻብ ባህሊ ከማዕብሉ ምስዝኽእሉ ጥራሕ እዮም ብሓባር ክረብሑን ክምዕብሉን ዝኽእሉ’ ኢሎም።

እዚ ናይ ምርኽኻብ ባህሊ ዝብል ኣምር፡ ኣብ ዝተፋላለዩ ሃገራት ብዝተፋላለዩ ኣገባባት ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና፡ ንኣብነት ኣብ ሞዛምቢክ ንብዙሕነትን ፍልልይን ናይ ፖሎቲካውያን ሓይልታት ኣብ ምልዛብ ክንጥቀመሉ ከሎና፡ ኣብ ማውሪታንያ ከኣ ኣብ ምፍቓርን ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ኣብ’ቲ ሃገር ዝርከቡ ሰዓብቲ ዝተፋላለዩ ሃይማኖታትን ባህልን ዓሌታትን ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢሎም።

ነዚ ምስ እንጥቀም ኢና’ውን፡ ንኸጋጥሙ ዝኽእሉ ናይ ሌላን ጉሌላን፡ ዓሌታውነትን፡ ንስደተይናታትን ካልኦትን ክፉት ዘይምዃንን ክንፍውሶም እንኽእል፡ ኣብ ውሽጢ ደቂ ሃገር’ውን እንተኾነ ብዝርርብን ምርድዳእን ጥራሕ’ዩ ፍልልያት ናብ ጸጋን ረብሓ ኩሉ ወዲ ሃገርን ዓለምን ክቕየር ዝኽእል ክብሉ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ንሓሳባት ናይ ቅድስነቶም ኣብሪሆም።

ኣህጉር ኣፍሪቃ  

ብፁዕነቶም ንኣህጉር ኣፍሪቃ ኣመልኪቶም፡ ‘ኣፍሪቃውያን መጀመርያ ኣብ ሕብረተሰቦምን መንግስቶም ዘለዉ ሽግራት ንምፍታሕ ሓላፍነት ናይ ምቅባል ድሌትን ቅርቡነትን ክህልዎም ይግባእ’፡ ኩሎም ኣፍሪቃውያን፡ መጻኢ ዕድል ናይ’ቲ ኣህጉር ኣብ ኢዶም ከምዘሎ ተረዲኦም፡ ብምስትውዓልን ብሓላፍነትን ንሰላምን ምዕባለን ናይ ሕዝቦም ብምቅላስ፡ ነቶም ብረብሓ ገዛእ ርእሶም ዘይኮነ፡ ብሓልዮትን ጽቡቕ ድላይን፡ ንርብሓ ኣፍሪቃን ሕዝባን ዝውፈዩ፡ ሃገራትን ዓለም ለኻውያን ትካላትን ብምትሕብባር ንዘለዋ ሃብትን ሓይልን ክትጥቀመሉን፡ መነባብሮ ሕዝባ ከተመሓይሽን ኣለዋ ኢሎም።

ብፁዕነቶም ነቲ ናይ ምርኽኻብ ባህሊ ኣመልኪቶም ኣብ መወዳእታ፡ ‘ኣፍሪቃ ናይ ዝተፋላላዩ ሕብረተሰባት ክርስትያን ኣህጉር ከም ምዃና መጠን፡ በዚ ናይ ምርኽኻብ ባህሊ ተሓጊዛ፡ ነቲ ኣብ ሕይውቶም ዝተመኮርዎ ሓጎስን ክብርታትን ሓድነትን ኣብ ነንሓድሓዶም ክካፈልዎን ኣለዎም’ ድሕሪ’ሎም፡ ቤተክርስትያን’ውን ብወገና ብዝያዳ ናብ’ቲ ዝተጸዋዓትሉ ዕዮ ብምትኳር ኣብ ስብከተ ወንጌል ኣበርቲዓ ክትዓዩ ክትሕገዝ ኣለዋ ብምባል ሓሳቦም ደምዲሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
31 August 2019, 17:41