ኣብ ኖትር ዳም ኩሉ ተቃጺሉ እቲ ቅርጻ ግን ንእስክላ ድሒኑ ኣብ ኖትር ዳም ኩሉ ተቃጺሉ እቲ ቅርጻ ግን ንእስክላ ድሒኑ 

ዳግመ ሕንጸት ካተድራል ኖትር ዳም ‘አተና ሥርዓተ ኣምልኾ ክህልዎ አለዎ’! ብፁዕ ኣቡነ ፎሎ

ተወካሊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዩኔስኮ ዝኾኑ ሊ.ጳ. ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮስ ፎሎ፣ ብዛዕባ ዳግም ምሕናጽ ናይ’ቲ ብሓደጋ ባርዕ ዝዓነወ ብኖትረ ዳም ዝፍለጥ ካተድራል እኖና ድንግል ማርያም ኣመልኪቶም፣ ‘ከሳብ ሕጂ 38 ሚልዮን ዶላር ጥራሕ ከምዝተኣከበ፣ እዚ ማለት ድማ 10% ናይቲ ዝተገመተን ክብርከት ቃል ዝተኣትወን ከምዝኾነ ብፁዕ ሊ.ጳ. ናይ ሃገረ ፈረንሳ ከምዝገለጹ’ ሓቢሮም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

እዚ ተበግሶ እዚ ነቲ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዕለት 15 ሚያዝያ 2019ዓምፈ ኣብቲ ካቴድራል ዘጋጣመ ሓደጋ ሓዊ ዝዓነወ ማእከል ኣምልኾ ዳግም ንምህናጽ ዝዓለመ እንክኸውን፣ ብተወካሊ ቅደስቲ መንበር ኣብ ዩኔስኮ ክምራሕ ከምዘለዎ እውን ኣብ ግዜኡ ንዓለማዊ መራኽቢ ብዙሓን ከምዝተሓበረ ይዝከር።

ምዕቃብ ሃይማኖታዊ ነጸብራቕ ናይቲ ሕንጻ!

ሊ.ጳ. ብጹዕ ፍራንቸስኮ ፎሎ፣ ነቲ ብሰብ መዚ ናይ ምዕቃብ ባህልን ባህርያዊ ተፈጥሮን፣ ኣብ ባኩ ናይ ሃገረ ኣዘርባጃን ዝዕየ ዘሎ ብምርኣይ፣ ንናይ ዳግም ምሕናጽ ናይ ካቴድራል ኖትረ ዳም ኣመልኪቶም፣ ተሳታፍነት ናይ ኣመንትን ዘይኣመንትን ብማዕረ ከምዘድሊ ብምጽዋዕ፣ ኣብ ምዕቃብ ባህላዊ ነገራት ጥራሕ ዘይኮነ፣ እቲ ጥንታዊ መንፈሳዊ ነጸብራቕ ናይ’ቲ ሕንጻ`ውን ክዕቅብ ይግባእ ኢሎም።

መንፈሳዊ ውርሻ ናይ ቤተክርስትያንን ሃገረ ፈረንሳን መላእ ዘመደ ኣዳምን!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብወገኖም ናብ ሊ.ጳ. ናይ ፈረንሳ ብፁዕ አቡነ ሚሸል ኦፐቲ ብዛዕባ ካቴድራል ኖትር ዳም ኣመልኪቶም፣ ዓቢ ምልክት ናይ እምነት ብምዃን፣ ነታ ከተማ ፍሉይ መልክዕን ግርማን ሂቡ፣ ንፈረንሳ ኣደ ጥበብን መንፈሳውነትን ብምግባር፣ ንኹሉ ሰብ ኣገዳሲ ትምህርቲ ከምዝኾነ ተገንዚቦም፣ ኣብ ምልዕዓል ሰባትን ምሕናጽ ናይቲ ካቴድራልን ተጸሚዶም ንዘለዉ ኣካላት ኣመስጊኖም።

ምዕቃብ ቀንዲ መንነት ናይቲ ሕንጻ

ሊ.ጳ ፈረንሳ ብፁዕ አቡነ ሚሸል ንወኪል ቅድስቲ መንበር ኣብ ዩኔስኮ፣ ንምጽጋን ናይቲ ካተድራል ኣመልኪቶም ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ‘ምንጽብራቕ ናይ ኣምልኾኣዊ መልክዕ ናይቲ ሕንጻን፣ ቅዱስ ቦታ ምዃኑን ብዘየማትእ መንገዲ ዘንጸባርቕ ክኸውን ከምዘለዎ’ ድሕሪ ኣዘኻኺሮም፣ ‘ድሕሪ ምዝዛም እቲ ሕንጻ፣ ከምቀደሙ ግቡእ ሃይማኖታውን መንፈሳውን ኣገልግሎቱ ክቕጽል ብሓደ ወገን፣ ምንጽብራቕ ተፈጥሮኣውን ባህላውን ውርሻ’ቲ ሃገር ከኣ በቲ ካልእ ወገን ኮይኑ፣ ሕዝቡን በጻሕቱን ከገልግል ዝዓለመ መደብ ከምዝኾነ’ ኣፍሊጦም።

ወፈያታት ጽገናን ኣገባባቶምን ጽቡቅ ስጉምቲ ከምዘሎ የመልክቱ!

ብፁዕ ሊ.ጳ. ሃገረ ፈረንሳ፣ ንጉዳይ ኣበርክቶ ናይቲ ንጽገና ዝውዕል ገንዘብ ኣመልኪቶም፣ ካብ`ቲ 850 ሚልዮን ክውድእ ከምዝኽእል ብሚኒስተር ባህላዊ ጉዳያት ፈረንሳ ዝኾነ ፍራንክ ርየስተ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ዝተገመተ ገንዘብ ዛጊት 10% ማለት 38 ሚልዮን ዶላር ጥራሕ ካብ ኣበርከቲ ተኣኪቡ ከምዘሎ ድሕሪ ሓቢሮም፣ ኣብ ቀጻልነቱ ዘለዎም ተስፋ ብምግላጽ፣ እቲ ሕንጻ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ፍሉጣት ዝኾኑ ናይ ኣምልኾ ማእከላት ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን ከምዝኾነ፣ በዚ ከኣ ብ1991 ብዩኔስኮ ከምዝተኣወጀ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ ትሕቲ ሕጋዊ ዋንነት ናይ መንግስቲ ፈረንሳ ከምዝመሓደር`ውን  ሓቢሮም።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 July 2019, 18:32