ምብጻሕ ቀዳማዊት እመቤተ ኤኳዶር ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ

ቀዳማዊት እመቤት ቅድሚ ምስንባተን ኣብ መንጐ ኣብ ኤኳዶር ናይ ሕጻናት ኣባይቲ ሕክምና ዘነቓቕሕ ናይ ኤኳዶር ናይ ወጻኢ ርክባትን ሰብኣዊ ዓቕሚ ኣወሃሃዲ ጉዳይ ሚኒ.ን ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስን

ዕለት 10 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ላቲን ኣመሪካ ናይ ሃገረ ኤኳዶር ቀዳማዊት እመቤት ሮሲዮ ጐንዛለስ ደ ሞረኖ ንጐሆ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕጻናት ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ከምዝኣተዋን ኣብኡ ምስ በጽሓ ብናይቲ ቤት ሕክምና ኣደ መንበር ማሬየላ ኤኖክን ኣባላት ቤት ምሕደራን ሓኻይምን ኣቐባብላ ተገይሩለን ኣብቲ ቤት ሕክምና ካብ ዝእለዩ ሕጻናት ሓንቲ ሕጻን ቁኑን ዕንባባ ከምዝለገሰትለን ናይቲ ቤት ሕክምና ክፍሊ ማሕተም ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቀዳማዊት እመቤት ኤኳዶር ብናይቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ኣደ መንበር ማሬላ ኤኖክን ብኣባላት ቤት ምሕደራ ክንክን ጥዕና ሓላፊ ማሲሚሊያኖ ራፖኒ ተሰንየን ነቲ ቤት ሕክምና እናተዘዋወራ ከምዝበጽሓን ምስ ህሙማን ሕጻናት እውን ተራኺበን ሰላምታ ከምእተለዋወጣን፡ ዘካየድኦ ምብጻሕ ዛዚመን ቅድሚ ምስንባተን ኣብቲ ቤት ሕክምና ብዝእለዩ ህሙማን ሕጻናት ዝተሳእለ ስእሊ ገጸ መረኸት ከምእተቐበላ ዝሓበረ መግለጺ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ኣስዒቡ፡ ቀዳማዊት እመቤት ቅድሚ ምስንባተን ኣብ መንጐ ኣብ ኤኳዶር ናይ ሕጻናት ኣባይቲ ሕክምና ዘነቓቕሕ ናይ ኤኳዶር ናይ ወጻኢ ርክባትን ሰብኣዊ ዓቕሚ ኣወሃሃዲ ጉዳይ ሚኒ.ን ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስን ናይ ኤኳዶር ኣባይቲ ሕክምና ሕጻናትን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ሕክምና ሕጻናት ብሓባር ዝተፈላለዩ መደባት ንምክያድ ዝሓቀነ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ፍርርም ከምእተኻየደ ኣፍሊጡ።

ምብጻሕ ቀዳማዊት እመቤተ ኤኳዶር ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ

Photogallery

ምብጻሕ ቀዳማዊት እመቤተ ኤኳዶር ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ
11 July 2019, 18:07