ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅዱስ በነዲክቶስ ፈተና ንምብዳህ ጩራ ብርሃንን ቡሶላን ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅዱስ በነዲክቶስ ፈተና ንምብዳህ ጩራ ብርሃንን ቡሶላን 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅዱስ በነዲክቶስ ፈተና ንምብዳህ ጩራ ብርሃንን ቡሶላን

ናይ በነዲክቶስ ኣብነት ኣተሓሳስባን ቃላትካን ተግባራትካን ኩሉ ስሩዕ ዝገብርን እቲ ናይ እግዚኣብሔር ፍቅሪ ኣባናን ኣብ ብጻይናን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ታሪኽን ዘለዎ ጥበባዊ መደብ ንኸተእንግድ ዘተባብዕ እዩ፡ በዚ ኣገባብ እዚ ጥራሕ እዩ፡ ብንጹሕ መባጼሕን ዝማርኽ ሕላገት ተስፋ ብምዃን ምግልጋል ዝከኣል

ኣብ እዋናዊ ዓለም ዝቀላቐልን ዘመዛብዕን ዘበለ ፈተና ኩሉ ንምብዳህ ኣብ ናይ ቅዱስ በነዲክቶስ ኣብነትን ናይ ማሕበር ሕጉን ብምስዓብ ናይ ወንጌል ኣገልጋልን መስካርን ምዃንን ንናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ዝጋርድ ምንም ነገር ዘይምቛምን እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 11 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ሓላዊ ኤውሮጳ ቅዱስ በነዲክቶስ በዓል ኖርቻ ኣብ ክፍለ ሃገር ቶስካና ኣብ ዝርከብ ገዳመ ሞንተ ኦሊቨቶ ማጆረ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስክበት ከምዝዀነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጩራ ብርሃንን ቡሶላን፡ ኣብቲ ኩሉ ፈሰስ ኣብ ዝዀነሉ ዘይርግጸይናነት ኣብ ዘዕለቕልቖ ዓለም ቅዱስ በነዲክቶስ ጩራ ብርሃንን ቡሶላን እዩ ቢሎም፡ እቲ ጥንታዊ ዓለም ናብ ጥፍኣት ገጹ ከንቆልቁል እንከሎ ጽኑዕን ማራኽን ዝዀነ ኣምር ፈልዩ ብምልላይ ነቲ ብርቱዕ ዘናውጽ ናይቲ እዋን ማዕበል ዝብድህ ምስክርነት ብቓልን ሕይወትን ዘቕረበ እዩ፡ ገዳመ በነዲክታውያን ካሲኖ ካብ ዝቐውም 700 ዓመት ኣብ ዘቑጽረሉ ዘሎ እዋን እቲ ኣብቲ ሩሑቕ ዘመን ቅዱስ በነዲክቶስ ዝጸሓፎ መምርሒ ሕይወት፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ስምዒታዊ ሑጻ ዝጸንዔ ዘይኰነስ ኣብ ከውሒ ዝቖመ ናይ ሕይወት መንበረ ጥበብ እዩ ቢሎም። ገድለ ዕሴትን ገድለ ሕይወትን በነዲክቶስ ዝሕብርን ናይ ሕይወት ተመክሮ እዩ፡ ጸሎትን ትሕትናን ዝምገብ ሕይወት።

ኣብ ኣገልግሎት ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን

ቅዱስ በነዲክቶስ በዓል ኖርቻ፡ ብሕይወቱን ብዝጸሓፎ ናይ ሕይወት ሕግን ኣቢሉ ዝሓደጐ ምስክርነት፡ ንእዋንናን ንመጻኢ ወለዶን ግዜን ዓቢይ ህያብ እዩ፡ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምውፋይ ፍጹም ኣብነት፡ እዋናዊ ዓለምን ግዜን ክትጻወሮ ዘይከኣል ሃውክን ዝሕምስ ኩነታት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን በንጻሩ ጽኑዕ ዝዀነ መወከሲ ዝዀነካ ነቲ ቃል ቃል ዘብል መደናገሪ ባዶነት እምቢ ንምባል ዘኽእል ባይታ ምንዳይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብ ክብልን ቆራጽ ውሳኔን ዓቢይ ሓላፍነትን እውን ዝሓትት ይዅን፡ ናይቲ ጽኑዕ ባይታ ጽምኢ ኣዚዩ ጥልቂ ኰይኑ ይረአይ፡ ኣብዚ ብሩትዕ ማዕበልን ነውጽን ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ዓለም ጸኒዕካን ከይጠሓልካን ንቕድሚ ንኸተብል ዝመርሕ ቡሶል እቲ ቅዱስ በነዲክቶስ በዓል ኖርቻ Nihil amori Christi praeponere - ኣብ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ምንም ዓይነት ግርዶት ኣይተንብር፡ እዚ ብሓቂ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ለውጢ ኣብ እምነት ጽኑዕን ኣብ ፈተና ብርቱዕን ኰይንካ ንቕድሚት ንምባል ኣገዳስን ብቑዕን ኵነት እዩ፡ ኣብ ናይ ክርስቶስ ቤት ትምህርቲ ክትርከብን ንኣኡ ኣብ ምስዓብን ዘዕብይ ኣብነት፡ ናይ በነዲክቶስ ኣብነት ኣተሓሳስባን ቃላትካን ተግባራትካን ኩሉ ስሩዕ ዝገብርን እቲ ናይ እግዚኣብሔር ፍቅሪ ኣባናን ኣብ ብጻይናን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ታሪኽን ዘለዎ ጥበባዊ መደብ ንኸተእንግድ ዘተባብዕ እዩ፡ በዚ ኣገባብ እዚ ጥራሕ እዩ፡ ብንጹሕ መባጼሕን ዝማርኽ ሕላገት ተስፋ ብምዃን ምግልጋል ዝከኣል ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ናይ ዓለም ዝዀነ መንፈሳውነት ንምብዳህ

ነቶም በነዲክታውያን እናሓሰቡ፡ እቲ ገዳም በነዲክታውያን ኣብ ጫፍ ጐቦ ዝተነብረ ጩራ ብርሃንን ሰብኣዊ ዘይፍጹምነትና ሓጢኣትናን ሓሳርናን ናይ ታሪኽ ስግኣትን ከምዘሎ ኰይኑ ብምልኣት ናይ ዝተወፈየን ሰላም ናይ ዝተጸገወ ሕይወት መግለጺ እዩ ቢሎም፡ ንእንነብረሉ ዓለም ፍልዩ ኣማራጺ ዝዀነ ካብ ሕማቕን ሓደገይናን ኩነታት ኣየር ነዕቕለሉን ኣብ ብዙሕ እዋን መደናገርን ጽልግላጐ ኣብ ዘጓንፍ ነቶም ድሕነትን ምልኣት ሓጐስን ንዘናድዩ ጉዕዞ ኣዚዩ ንጹር ዝዀነ ጽኑዕ ሓባሪ መገዲ እዩ፡ የዕንቶም ናብ ክርስቶስን ናብ ቅድስተ ማርድያ ኣደን ከገብሩ ናይ ዝምዕድ ሕይወት መሰኻር ኢኻትኩም እንክብሉ ነቶም ገዳማውያን ገሊጾም፡ እቲ መገዲ ዘብርህ ናይ ጐይታ ኣባታውን መሓርነትን ወጅሁ ዘርእይ ጩራ ብርሃን ንኽዀኑ ተላብዮም፡ ብገዳማዊ ባሕታውን ብዝተሳነየን ሕይወት ኣቢሎም እቲ ብዙሕ እዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራረንቸስኮ ናይ እዋንና ዓቢይ ሓደጋ ቢሎም ዝገልጽዎ ናይ ዓለም ዝዀነ መንፈሳውነት (ዕውሉም መንፈሳውነት) ምስናፍ ዝከኣል ምዃኑ ንዅሉ ኣበስሩ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ የመልክት።

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅዱስ በነዲክቶስ ፈተና ንምብዳህ ጩራ ብርሃንን ቡሶላን
13 July 2019, 18:12